2018-07-07 17:18:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብጀካ ሰላም ካልእ ኣማራጺ የሎን


ኣብ ፍጻሜ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ፓትሪያርካትን ሊቀ ጳጳሳትን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ባሪ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ኒኮላ ባዚሊካ ድሕሪ ዝተኻየደ ዕጹው ናይ ሓባር ዘተ፡ “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ሞንጐ ክፍል ዓለማት ዝቕሰት ናይ ውግእ ቀስቲ ዘይኰነ ዘድሊ ነሕዛብን ንናይ ኩለን ሃይማኖታት ኣመንቲ ኣንጋዲ ናይ ሰላም ቀስቲ እዩ” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተነብሮ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ናይ ሓዘንን ቅንዙው ለይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ዝብጻሕ ብሓቀይና ዝዀነ ብናይ ጽን ምብህሃልን ዘተን ድላይ እምበር ውግእን ውጥረትን ደው ንምባል ብዝቐውም ፈላላይ መናድቕን ብፈተና ሓይሊ ምጥቃምን ኣይኰነን፡ በዘን ቃላት እዚኣተን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ገበላ ብዚሊካ ቅዱስ ኒኮላ ተረኺቦም ኣብ ባሪ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ መጠቓለሊ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ብምቕጻል፡ ብጀካ ሰላም ካልእ ተኻኣሊ ዝዀነ ኣማራጺ የልቦን፡ “ናይ ምርኻብ ጥበብ ኣብ ልዕሊ ናይ ግጭት ሜላ ሓለፋ ይሃልዎ” እቲ ፈኸራ ውግእ ናብ ውሁድ ጥዑም ቃና ሰላም ይቀየር፡

እዚ ንምፍጻም ግና እቲ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ንሓዋሩን ብዘየማትእ መገዲ ኣገልጋሊ ሰላም እምበር ኣገልጋሊ ናይ ውልቃዊ ረብሓ ምዃን ከብቕዕ ኣለዎ፡ ብናይ ብዙሓት ሕይወት ናይ ውሑዳት ሓለፋ ምባል የብቕዕ። እቲ ህዝቢ ዝወፍረሉ መተዓየዪ መሬት ምውራርን ምብሓትን የብቅዕ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕዝቢ ተስፋ እቲ ወገንተይና ሓቂ ክዕብልል ምግባር የብቅዕ። ማእከላይ ምብራቕ ንናይ ወጻኢ ረብሓ መጋብሪያ ገርካ ምጥቓም የብቅዕ፡

ውግእ ውላድ ስልጣንን  ድኽነት እዩ

ውግእ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ብፍላይ ንድኻታት ኣዚዩ ዝሃስይ ሁከት እዩ፡ እስከ ነታ ብውግእ ተሓሚሳ ዘላ ሃገረ ሶሪያ ንሕሰብ፡ ውግእ ውላድ ስልጣንን ድኽነት እዩ፡ ስለዚህ ውግእ ዝግሰጽ ኣመክንዮ ዓብላልነት ብምንጻግን ሕሰምን መከራን ካብ ሱሩ ብምምሓውን እዩ፡

ከምኡ እውን ካልኦት ብዙሓት ግጭት ብዝተፈላለዩ ዓይነት ኣኽራርነትን ጽኑፍነትን ዝበዅዑ እውን እንተለዉ፡ ውግእ በጽዋር ውግእ እዩ ዝጓሃሃር።

ተሓቢእካ ኣብ ምኽዕባት ናይ ውግእ ኣጽዋርት ኣናተጓዓዝካ፡ ምእንቲ ሰላም ድምጽኻ ዓው እናበልካ ምዝርካብ ዘይከኣል እዩ፡ ብሓቂ እዚ ጉዳይዚ ንናይ ኩሉ ሕልና ብፍላይ ንናይቶም ሓያላን ዓቢይ ከቢድ ሓላፍነት እዩ፡ ዝሓለፈ መዋዕል ኣይንረስዕ፡ ተመክሮ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ኣይንረስዕ፡ መሬት እቲ ቃል ሰላም ዝቦቕለሉ ናብ ዝርጉሕን ጽዑቕን ጸላም ሱቕታ ኣይቀየር፡ ደረቐይና ተጻባእነት የብቅዕ፡ ህርፋን መኽሰብ የብቅዕ፡ ማዕድን ነዳዲ ንምጉሕጓሕ ዝብል ህርፋን ናይ ማንም ወጅሒ ዘይዓጅቦ ንናይ ሓባር ቤትና ክቆጻጸር ዝደሊ፡ ዘይሓንኽ እቲ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ናይ ሓባር ናብራ ሕጊ ዝእውጅ ናይ ጸዓት ኤኮኖሚ ዕብለላ የብቕዕ።

ተስፋ ወጅሂ ሕጻናት እዩ ዘለዋ

ንሰላም ክፉት ንምዃንን ሰላም ጽን ንምባልን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምክልኻል የድሊ፡ ናይ ኩሉ ዜጋዊ መሰል ክኽበርን ክሕለውን ኣለዎ፡ ማሕበረ ክርስቲያን እውን ምሉእ ዜጋ እዩ፡ ማዕረ መሰል ዘለዎም እያቶም፡ ቢሎም ዓይነ ልቦናኦም ናብ ኢየሩሳሌም ዘበሉ ቅዱስነቶም፡ እቲ ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝተወሰነ ህልዊ ዅኔታ (ቅድም ዝነበረ) ክኽበር ኣለዎ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ጥራሕ እዩ ናብ ጽኑዕን ነባርን ሰላም ከብጽሕ ዝኽእል፡ ናይ ክልቲኤን ሃገራትን ሕዝብታተን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ውሑስ ዝገብር፡ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ብዘስኻሕክሕ ዓመጽን ሞት ስድራ ቤቶም ዝነብዑ ሕጽናት ብዝሒ ክብ እናበለ እዩ፡ ተስፋ ይብሉ ቅዱስነቶም ወጅሂ ሕጻናት እዩ ዘለዋ፡ ነዚ እንክገልጹ፡

ናይ ብዙሓት ሕጻናት ሕይወት ኣክንዲ ኣባይቲ ትምህርቲ ዕንወትን ፍርስራስን፡ ኣክንዲ በዓላዊ ጸወታ ኣውያትን ሩምታ ጠያይትን ገዓር ቦምብታትን፡ ኣብ ምርኣይ ይነብሩ ኣለዉ፡ መላእ ዘርኢ ሰብ ናይቶም ኣፎም ሞገስን ክብርን እግዚኣብሔር ናይ ዝዛረቡ ሕጻናት ኣውያት ሰማዒ ክኸውን እምሕጸን፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.