2018-07-06 16:48:00

ዜና ዕረፍት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርብፁዕ ካርዲናል ታውራን


ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለምን ንመላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ዘበሰሩን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድሜኦም ብሕማም መትኒ ንነዊሕ ዓመታት ብሕክምና ክድገፉ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 5 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን Camerlengo - ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ኣመሓዳርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እትሓርይ ብግዚያዊ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሓላፍነት ተረኺቦም ብፁዓን ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንኽሓርዩ ብሑት ኣኼባ ዝጽውዕን ከምኡ እውን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ዝተሓርዩ ር.ሊ.ጳ. ረኺብና ቢሎም ምስ መላእ ዓለም ምእመናንን ሕዝብን መላእ ዓለምን ዘላልዩ ዲያቆን ካርዲናል ሓዋርያዊ ስልጣን ዝነበሮም ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድሜኦም ዕለት 5 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ከምዝዓረፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ናይ ሃይማኖትን ኣካላት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እቲ ዓቢይ ስግዓት ንዅልና ናይ ስልጣነታት ግርጭት ዘይኰነስ ናይ ድንቁርናን ኣኽራርነትን ግርጭት እዩ፡ ስለዚህ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ክቀራረባን ክላለያን ኣገዳሲ እዩ፡ መጻኢ ኣብ ሕንጸትን ካብ ሕንጸትን እዩ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ውሁዳን ኣብ ዝዀኑለን ሃገራት ካልኣይ ደረጃ ዜጋ ኰይኑ ከይስምዖም  ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ይዝከር።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ.ም. ከባቢ ሲናይ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፥  ንዘተን ሰላምን ነጻነትን ዝኣመተ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ መንጐ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩን፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን ንመላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሃይማኖት መጋበርያ ሰላም እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘቃልሑ ዝዝከር ክኸውን እንከሎ፥ 

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ንሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ብምኽንያት በዓል ዲፓቫሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሂንዱን ምክብባር ክህሉ ሓደራ ቢሎም፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዓመጽ ካብ ዘይምክብባርን ምቅብባልን ዝነቐለ እዩ ከምዝበሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ንቡድሃ ሃይማኖት ሰዓብቲ እውን ብምኽንያት በዓል ቨሳክሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ንናይ ግልጽነትን ሕጋውነትን ባህሊ ኩለን ሃይማኖታት ብሓባር ኣብ ጸረ ምግባረ ብልሽውና ክተግሃ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ይዝከር።

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ዕለት 5 ምያዝያ 1943 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ተወሊዶም ትምህርቶም ምስ ኣጠናቐቑ ናይ ቦርዶውክስ ሰበኻ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ተመሃራይ ኰይኖም ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ናይ ፈረንሳ ጳጳሳዊ ተቕዋም ዘርኣ ክህነት ተላኢኾም ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ትምህርቶም ምስ ኣጠናቐቑ ብፍልስፍና ቲዮሎጊያን ሊቕነት ኣመስኪሮምን ካብ 1964 ክሳብ 1965 ዓ.ም. ብናይ ሃገሮም ፈረንሳ ሕጊ መሰረት ከም ማንም ዜጋ ንኣገልግሎት ውትህድርና ተላኢኾም ኣብ ሊባኖስ ኣብ ናይ ምትሕብባር ባህሊ ፈረንሳ ጉዳይ ብመምህርነት ብምግልጋል ሃገራዊ ግዴታኦም ከምዝፈጸሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ዕለት 20 መስከረም 1969 ዓ.ም. ክህነት ተቐቢሎም ኣብ ቦርደውክስ ናይ ቅድስቲ ኤውላሊያ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኰይኖም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ ኣብ ቶሎሳ ካቶሊካዊ ተቕዋም ናይ ሕገ ቀኖና ትምህርቶም ኣጠናቒቖም፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባዊ ሜላ ንኸገልግሉ ንሮማ ተጸዊዖም ጳጳሳዊ ቤተ ክርስቲያናዊ ተቕዋም ብምእታው ብስነ ሜላዊ ርክብ ተመሪቖምን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ብሕገ ቀኖና ሊቕነት ከምዘመዝከሩ እውን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ 1975 ዓ.ም. ኣብ ዶመኒካን ረፓብሊክ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ክሳብ 1979 ዓ.ም. ከምዘገልገሉን ካብኡ ናብ ሊባኖስ ተላኢኾም ኣብ ተመሳሳሊ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስት መንበር ክሳብ 1983 ዓ.ም. ከምዘገልገሉን ናብ ሃገረ ቫቲካን ተመሊሶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ርክባት ተመዲቦምን ካብ 1984 ክሳብ 1988 ዓ.ም. ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ደሕንነትን ምትሕብባር ቤት ምኽሪ ተመዲሞም ዘገልገሉ እዮም።

ኣብ 1988 ዓ.ም. ናይ ቤተ ክርስትያን ወግዓዊ ኣገልግሎት ርክባት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ተሰምዮም፡ ዕለት 1 ታሕሳስ 1990 ዓ.ም ናይ ተልፕተ ስዩም ጳጳስን ብዝብል መጸውዕ ሊቀ ጳጳስ ተሸይሞምን ዕለት 6 ጥሪ 1991 ዓ.ም. ማዕርገ ሊቀ ጵጵስና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቐበሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤታት ጉጅለ ልኡካን ቅድስቲ መንበር መሪሖም ከምእተሳተፉን ዕለት 21 ጥቅምቲ 2003 ዓ.ም. ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ተሰምዮም ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ቤተ መዝገብን ቤተ ንባብን ሓላፊ ከይኖም ከምእተሰዩን ዕለት 25 ሰነ 2007 ዓ.ም. ምስ ዝተፈላለያ ሃይማንኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ተሰምዮም ክሳብ ዝዓረፉላ እዋን ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ኣገልገሉ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.