2018-07-02 09:16:00

ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ብስም ኵሎም 14 ሓደስቲ ካርዲናላት ንቕዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ናይ ምስጋና ቃል


ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ናይ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ብስም እቶም 14 ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ንቕዱስ ኣቦና ኣብተን ማሕበረ ክርስቲያን ዝሳቐዩለን ሃገራት ካርዲናላት ምስያሞም ኣመስጊኖም።

 

“ስምየተ ካርዲናል ስልማት ወይ ከኣ ውልቃዊ ክብሪ ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ እቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ንዅሉ ንምቕራብ ሕይወትካ ክሳብ ፍጻሜ ንምውፋይን ክሳብ ናይ ደም ሰማዕትነን ንምቕባል ናይ ድልውነት ትእምርቲ ዝዀነ ቀይሕ ልብሰ ካርዲናል ለቢስካ ንኽትፍጽሞ ዝወሃበካ ተልእኾ እዩ” ነዚ ዝበሉ ካብቶም 14 ሓደስቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማዕርገ ካርዲናልነት ዝተሓርዩ ቀይሕ ናይ ካዲናልነት ቆብዕ ካብ ዝተቐበሉ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባቢሎን ፓሪያርክ ብፁዕ ካዲናል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኰ ብስም ሓደስቲ ካርዲናላት ንቕዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ምስጋና ክኸውን እንከሎ፡ ብፁዕነቶም ኣስዕቦም፥ “ቅዱስ ኣቦና ኣብ ልዕሌና ንዘንበርክምዎ እምነትን ብፍቕሪ መላእ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ህዝብን ንኸነገልግሎ ስለ ዝጸዋዕኩምና ነመስግነኵም” ኢሎም።

ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ግሩም ምህዳር ውሑስ ምግባር

“ናይ ምስልምና ሃማኖት ሰዓብቲ እንቋዕ ሓጐሰካ ንኽብሉንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንእትነብሮ ኩነት ርሁውነትን ቅዱስ ኣቦና ንሕዝብን ነቲ ናይ ሕዝብታት ሻቕሎትን ፍርህን ተስፋታን ዘለዎም ቅርበት ብምድናቕ ኣብዚ ይርከቡ፡ እቲ ናይ ሓደስቲ ብፁዓን ካዲናላት ተስፋ እቲ ንልቢ ሰብ ንዝበለጸ ዝልወጥን ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር ዓቀን ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ ምህዳር ንምውሓስ ግዴኡ ንኸበርክት መታን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘነቓቕሕዎ ሰላም ምዃኑ ገሊጾም።

ንሓንቲ እውነተይና ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን     

ብፁዕ ካርዲናል ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ምስጋና ቃል፥ “እቶም 14 ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ምዃኖም ናይ ቤተ ክርስቲያን ውዕዉዕ ሕይወትን ርህውነትን ናይቲ ካቶሊካውነን ኵላውነትን መግለጺ እዩ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ብፍላይ ቅዱስ ኣቦና ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘለዎም ኣተኩሮን ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ውሁዳን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ፓኪስታንን ካልኦት ብውግእን ኣድልዎን ጽንኩር ኩነት ዘሕልፋ ኣብተን ናይ ደም ሰማዕትነት ዝንበረለን ሃገራት ዘለዎም ፍልዩ ኣተኵሮ ዝምስክር እዩ” ኢሎም።

ክርስቲያን ሰማዕታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ

ደም ሰማዕታት “ንዀንቱ ኣይኰነን”፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጸዋዕታ ነቶም 14 ሓደስቲ ካርዲናላት እቲ እዋናዊ ነውጽን ጸፍዕን ከምዝሓልፍን ብሓባርን ብስኒትን ምንባር እውን ዝከኣል ምዃኑ ዘረጋግጽ ተስፋ እዩ፡ ጻዕርና “ናይ ዘተን ምክብባርን ሰላም ንዅሉን ኣብ ኵሉን ብፍላይ ኣብታ መሬት ኣብርሃም ዝዀነት ዒራቕን ሶሪያን ፍልስጥኤምን ማእከላይ ምብራቕን መላእ ዓለምን ንምንቕቓሕ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ብዝበለጸ ምርግጋጽ ዝብል እዩ ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ።

ሰላም ንምሕናጽ መሰኻኽር እምነት

“ሎሚ ኣንሕና ኣብ ቅድሜዅም፥ ተኣማንነትናን ንቤተ ክርስቲያን ፍቕርናን፡ ንሕዝብናን ናይ እምነትናን ናይ ፍቕርን ናይ ተወፋይነትን ናይ ምሕረትን ኣብቲ ዘይተገዳስነትን ሃልክን ናይ ስልጣንን ረብሓን ዓመጽ ዝረኣየኡ ዓለም ሰላም ናይ ምሕናጽን ሕጉሳት መሰኻኽር ከምእንኸውን ቃል ብምእታው ፍቕርና ዳግም ክንሕድስ ንደልይ” እንክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ብስም ኵሎም 14 ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘስምዕዎ ቃለ ምስጋና ዛዚሞምን።








All the contents on this site are copyrighted ©.