2018-07-02 09:20:00

ቅዱስ ኣቦናን ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ናብ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ምብጻሕ ኣካይዶም


ድሕሪ መጋባእያ ብፁዓን ካርዲናላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቶም 14 ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ተሰንዮም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ገዳም እመ ቤተ ክርስቲያን ንዝርከቡ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምብጻሕ ኣካይዶም።

ድሕሪ ፍጻሜ መጋባእያ ብፁዓን ካርዲናላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብሓባር ምስቶም 14 ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ብንእሽቶ ኣውቶቡስ ተሳፊሮም ናብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ናብ ዝርከቡ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ብሓባር ምስ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ገዳም እመ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብሓባር ጸሎት ሰላም ለኪ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ ሓጺር ርክብ ኣካይዶም እቶም 14 ሓደሽቲ ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቡራኬ ተቐቢሎም ከም እተፋነዉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቶም 14 ሓደስቲ ካርዲናላት ናብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽን ከምተመልሱን ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክብሪ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.