2018-07-02 16:44:00

ርክብ ቅድስቲ መንበርን ቦሊቪያን ዘማእከለ ዘተ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ሞራለስን


ዕለት 30 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃገረ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ኹዋን ኤቮ ሞራለስ ኣይማ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐብሎም ብዛዕባ ቅድስቲ መንበርን ቦሊቪያን ርክብ ዘትዮም።

እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቦሊቪያን ዘሎ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ዕለት 30 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ዝኣተዉ ናይ ሃገረ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ኹዋን ኤቮ ሞራለስ ኣይማ ናይ ሓባር ዘተ ተኻይዱ። ርእሰ ብሔር ሞራለስ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

2015 .. ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቦሊቪያ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሐምለ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቦሊቪያ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም ኣብ ከተማ ሳንታ ክሩስ ደ ላ ሴራ ኣብ ዝርከብ ክርስቶስ መድሕን ኣደባባይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ሓድ ሕዳዊ ምንጽጻል ኣይሀሉ፡ እቲ ሓደ ክርሕቅን ተፈልዩ ክኸይድን ኣየድልን፡ ንሰብኣዊ ፍጡር ከም ውዳቕ ምሕሳብ የብቅዕዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምዕዳን ኣመሓላሊፎም፡ ኣተሓሒዞም እውን፥ ተዘክሮ ዝገብር ሕይወት ህላዌ ካልኦትን ርክብን ምርኻብን ናብቲ ናይ ምእንጋድን ምብራኽን ምልጋስን ናይ ፍቕርን ስነ መጐት ዘእትው ጭቡጥ ምትሕብባርን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.