2018-06-29 17:12:00

ክብሪ ክርስቶስን መስቀል ክርስቶስን ዘይፈላለዩ እዮም! ር.ሊ.ጳ


ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን እንክትዝክር ቅ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ሎሚ ንግሆ ምስቶም ትማሊ ዝሾምዎም ሓደስቲ ካርዲናላት ብሓባር ኣብ መንበረ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፣ ነዚ ስብከት እዚ እውን ኣቅሪቦም።

ክንበብ ዝሰማኦናዮ ቃል ኣምላኽ ነቲ ሓዋርያት ዘመሓላለፉልና ባህሊ ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ እዚ ባህሊ እዚ ‘ናይ ነገራትን ቃላትን ምትሕልላፍ ወይውን ናይ ዝሞቱ ነገራት እኽብካብ ኣይኮነን፣ ባህልሲ ሕያው ውሒጅ ኮይኑ ምስቲ ምንጪ ዘተኣሳስር ኮይኑ እቲ መበቆላዊ ነገራት ኣብዚ ሕያው ውሕጅ ወትሩ ኣሎ’ (ትምህርተ ክርስቶስ 26 ሚያዝያ 2006) እዚ ባህሊ ሓዋርያት እዚ ንመፋትሕ መንግሥተ ሰማያት የወፍየልና (ማቴ 16.19)። ነባሪ ባህልኸስ ወትሩ ሓዲስን ንታሕጓስ ወንጌል ዘሐድስን ብከናፍርናን ብልብናን ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ እዩ! ንክብሪ እግዚብሔር ኣቦ’ (ፊል 2.11) ኢልና ክንምስክር የኽእለና፣

ወንጌል ብምሉኡ ነቲ ኣብ ልቢ ሕዝቢ እስራኤል ዕንክሊል ዝነበረ ሕቶ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ልቢ እቶም ጽምኣት ሕይወት ዘለዎም ዝመላለስ ‘እቲ ክመጽእ ዘለዎስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ!’ (ማቴ 11.3) እትብል ሕቶ እያ! ኢየሱስ ከኣ ነዛ ሕቶ ግምጥል ኣቢለ ንሓዋርያቱ ‘ንስኹምከ መን እዩ ትብሉኒ’ (ማቴ 16.15) ኢሉ ይሓቶም፣ ጴጥሮስ ከኣ ‘ንስኻ እቲ መሲሕ ኢኻ’ (ማቴ 16.16) እንክብል ብምምላሽ ንኢየሱስ እቲ ዝዓበየ ኣርእስቲ ይህቦ፣ እዚ ማለት ከኣ ቅቡዕ ቅቡዕ ናይ እግዚብሔር ማለት እዩ፣ ኣብዚ ደስ ዝበለኒ ንቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ዝገለጸሉ እግዚብሔር ኣቦ ምዃኑ እዩ፣  እግዚአብሔር ብወዱ ጌሩ ንሕዝቡ እናቀብዔ ክርኢ ክኢሉ፣ እዚ ቅቡዕ ዝኾነ ኢየሱስ ነቲ ዝጠፍኤ ኮይኑ ዝስምዖ ዝነበረ ሕዝቢ ንምድሓንን ንምንጋፍን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ይዘዋወር፣ ንዝሞተ ይቀብዕ (ማር 5.41-42, ሉቃ 7.14-15) ንዝሓመሙ ይቀብእ (ማር 6.13, ያዕ 5.14) ንዝቈሰሉ ይቀብዕ (ሉቃ 10.34) ናብ ንስሓ ንዝምለስ ይቀብዕ (ማቴ 6.17) ነታ ተስፋ ይቀብዓ (ሉቃ 7.38.46, ዮሓ 11.2, 12.3) ኣብዚ ቅብዓት እዚ ነፍሲወከፍ ሓጢኣተኛ ነፍሲወከፍ ዝተሸነፈ ዝሓመመ ኣረሜን ከም ሥድራቤት ዝተፈቅረ ኣካል ኮይኑ ክስምዖ ክኢሉ፣ ኢየሱስ በቲ ተግባራቱ ንነፍሲወከፍ ብኣካል ንስኻ ናተይ ኢኻ ይብል ነሩ፣ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ንሕና እውን ብከናፍርናን ብልብናን ነቲ ዝሰማዕናዮ ጥራይ ዘይኮነ ብጭቡጥ ተመኲሮ ሕይወትና ብሓቂ ካብ ሞት ከምዝተንሣእናን ከምዝተፈወስናን ከምዝተሓደስናን በቲ ናይ ቅዱስ ቅብዒ ተስፋ ተመሊእና ንመክር። ምስጋን ነዚ ቅብዒ እዚ ይኹን ዝኾነ ኣርዑት ናይ ባርነት ተደምሲሱ እዩ (ኢሳ 10.27) ብመሥዋዕቱ ዝደሓና ናይ ምዃን ታሕጓስን ዝኽርን ክነጥፍእ የብልናን፣ እዛ ሓጐስ እዚኣ ከኣ ‘ንስኻ ወዲ እቲ ሕያው እግዚብሔር ኢኻ’ (ማቴ 16.16) ኢልካ ናብ ምምስካር የብጽሕ፣

ነዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስክርነት ስዒቡ ዝቀርብ ክፍሊ ወንጌል ክንምልከቶ ኣድላዪ እዩ! `ካብኡ ንደሓር ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ኪኸይድ ከም ዝነበሮ ብዓበይቲ ሕዝብን ብሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ከኣ ብዙሕ ከምዚሳቐን ከምዚቕተልን ብሣልሳይ መዓልቲ ድማ ከም ዚትንሥእን ኪገልጸሎም ጀመረ’ (ማቴ 16.21)ይብል። በዚኸምዚከስ እቲ ቅቡዕ ናይ እግዚብሔር ክሳብ መሥዋዕትነት ዘበጽሕ ሳዕቤን እናተቀበለ ናይ እግዚብሔር ኣቦ ፍቅርን ምሕረትን የምጽኣልና፣ እዚ ምሕረት ዝመልኦ ፍቅሪ እዚኸስ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ተዘርጊሑ ናብ ሕይወት ኩሎም ንክበጽሕ ሽሕ`ኳ እዚ ጽቡቅ ሽምን ጣዕምን ቦታን ሰጊሩ መስዋዕትነት እውን ዝሓተት እንተኾነ ክበጽሕ ኣለዎ፣

ኣብዚ ሃንደበታዊ ዝኾነ መግለጺ ኢየሱስ ቅዱስ ጴጥሮስ `ኦ ጐይታይ የጽልልካ እዚስ ኣይውረድካ` (ማቴ 16.22) እንክብል ከይተረደኦ ይቃወም፣ ናብ መዔንቀፊ ከውሒ ተቀየሩ ኣብ መንገዲ እቲ ክምስክሮ ዝጸንሐ መሲሕ ይዂየጥ! እዚ ዝገበረሉ ከኣ ንመሰል እግዚብሔር ንክከላኸል ብዝብል ሓሳብ እዩ ኮይኑ ግን ናብ ጸላኢ ይቅየር ኢየሱስ ከኣ ሰይጣን ይብሎ። ሕይወት ቅዱስ ጴጥሮስን ምስክርነትን ምስትንታን ከስ ንሕይወት ሓደ ረድኢ ዘሰንዩ ፈተናታት ንምፍላጥ ምምሃር እውን እዩ፣  ልክዕ ከም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቤተክርስትያን እውን ንሕና በዚ ሕሹኽታ ጸላኤ ሰናያት ክንፍተንን ንተልእኯኣ መዐንቀፊ እምኒ ክንከውን ንኽእል፣ እዚ ሕሹኽታ ዲያብሎ ዝብሎ ዘሎኹ ንሱ ወትሩ ብስውር እዩ ከስደዓና ዝፍትን ከምዚ ብምግባሩ ከኣ ነቲ ኣፍራሲ ሓሳቡ ይሃብኦ! ክንፈልጦ የጸግመና፣ ከምቲ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ዝብሎ ‘ንከይፍለጥን ንከይጋለጽን ወትሩ ከም ሓደ ዘይፍሉጥ ኮይኑ ክቀርብ ይፈቱ’ ይብሎ። ኣብ ቅብዓት ክርስቶስ ምስታፍከስ ኣብቲ ክብሩ ምስታፍ እዩ፣ እዚ ክብሪ እዚ ከኣ መስቀሉ እዩ፣ ኣቦ ንወዱ የኽብሮ ‘ኣቦ ስምካ ኣኽብር`’ (ዮሓ 12.28)፣ ክብርን መስቀልን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓባር እዮም ዝጐዓዙ ክንፈላልዮም ኣይንኽእልን፣ ወላውን ኣብ ዘብለጭልጭ ክብሪ ንእቶ ንመስቀል ኢየሱስ እንተገዲፍና ንጋገ ምኽንያቱ እዚ ከምዚ ክብሪ ናይ እግዚብሔር ዘይኮነስ ናይ ጸላኤ ሰናያት ምትዕሽሻው እዩ፣

ካብ ቊስልታት ጐይታ ርሒቅካ ክርስትያን ንምዃን ምጽዓር ናይ ወትሩ ፈተና እዩ፣ ኢየሱስ ንምስኪንነት ደቂ ሰባት ብኢዱ ይትንክፎ ንዓና ከኣ ምሳኡ ክንከውንን ነቲ ዝቈሰለ ሥጋኡ ኣብቶም ዝሳቀዩ ዘለው ክንትንክፍን ይዕድመና፣ ብከናፍርናን ብልብናን እምነትና ንምምስካርከስ ከምቲ ንቅዱስ ጴጥሮስ ዝተባህለ ንሕሹኽታ ጸላኤ ሠናይት ኣለሊኻ ምኽኣል የድሊ፣ ነተን ነናይ ግልናን ናይ ማሕበራትናን ሽፋናት ኮይነን ነቲ ሰውራዊ ዝኾነ ሓይሊ ርሕራሔ እግዚአብሔር ካብ ምፍልጥን ኣብቲ ህልው ዕለታዊ ናብራ ናይ ካልኦት ከይንሳተፍን ካብ ድራማ ደቂሰባት ክንርሕቅ ዝፈታተኑና ንክንረኽቦምን ክነለልዮን ክንመሃር ኣሎና። (ታሕጓስ ወንጌል ቊ.270 ረአ)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንክብሪ ካብ መስቀል ከይፈለየ ንሓዋርያቱን ንቤተክርስትያኑን ካብ ባዶሽ ዝኾኑ ዓወታትን ፍቅርን ኣገልግሎትን ርህራሔን ሕዝብን ከድሕን ይደሊ፣  ካብቲ መሠረቱ ኣብ ሕይወት አመንቲ ዘይኮነስ ብዝገደደ ንኣገልግሎት ጐይታ ካብቲ ደሮና ዝመልኦ ታሪኽ ደቂ ሰባት ክኣልዩ ንዝፍትኑ ካብቲ ደረት ኣልቦ ህውታተ ንከድሕን ይደሊ ኣሎ፣ ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስትንታንን ምኽታሉንከስ ልብና ንእግዚብሔር ኣቦን ንክግለጸሎም ዝደልዮም ደቂሰባትን ምኽፋት እዩ፣ ነዚ ከኣ ንሕዝቡ ብምንም ተኣምር ከምዘይገድፍ ብርግጽነት ብምፍላጥ እዩ ዝግበር፣

ዝተፈቶኹም ኣሕዋት! እታ ‘እቲ ክመጽእ ዘለዎስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ’ (ማቴ 11.3) እትብል ሕቶ ኣብ ገጽታ ሚልእዮናት ትቅጽል ኣላ፣ ብከናፍርናን ብልብናን ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ እዩ’ (ፊሊ 2.11) ኢልና ንመስክር፣ እዚ ናይ ወትሩ መዝሙርና ኮይኑ ዕለት ዕለት ንክንዝምሮ ንዕደም፣ ገርሀይና ብዝኾነ መንገድን ብርግጽነትን ብታሕጓስን ‘ቤተክርስትያን እተንጸባርቆኸስ ብብርሃና ዘይኮነ  ብብርሃን ክርስቶስ እዩ፣ ብርሃና ካብቲ ናይ ጽድቂ ጸሓይ ዝኾነ ብምውሳድ ‘ኣነ ኣይኮንኩን ዝነበር ዘሎኹ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነበር ዘሎ’ (ገላ 2.20) ክትብል ትኽእል፣’ ንዝብል ምፍላጥ የድሊ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣    








All the contents on this site are copyrighted ©.