2018-06-25 17:50:00

ኣብ ቤተመቅደስ ሕይወት ወለዲ ምስ እግዚብሔር ተሓባበሪቲ እዮም! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣብ ዕለተ ተዘኪሩ ንዝወዓለ በዓል ልደት ዮሓንስ መጥምቅ ተመርኲሶም ብዛዕባ ሕይወትን ኩነታቱን ብምግላጽ ብዛዕባ ሓጐስ ምትሕልላይን ሃንደበትን ምስጋናን ሰፊሕ ስብከት ኣቅሪቦም ኣብ ኡራግዋይ ብፅዕናኣ ንዝተኣወጀ ማርያ ፈሊቻ ዲ ጀሱ ሳክራመንቶ ዘኪሮም፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ሥርዓተ ኣምልኾና በዓለ ልደት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ክንዝክር ይዕድመና፣ ልደቱ ናይቶም ዝሸምገሉ ወለዱ ኤልሳበጥን ዘካርያስን ሕይወት ዘብረሄ ንኣዝማዶምን ጐረባብቶምን ኣብ ታሕጓስ ዘተሓባበረ ፍጻሜ ነበረ፣ እዞም ዝሸምገሉ ወለዲ ነዛ ዕለት እዚኣ ሓሎሞማ ተሰናድዮምላ እውን ነሮም ኮይኑ ግን ኣብዚ ደረጃ ዕደመ ኩሉ ትጽቢቶም ተጸንቂቁ ዝተገለሉን ዝተዋረዱን ዝተረሰዑን ኮይኑ ክስምዖም ጀሚሩ ነሩ ከመይ ውሉድ ስለዘይነበሮም፣ ኣብ ሉቃ 1.13 እንተተመልከትና ‘እቲ መልኣኽ ግን ዘካርያስ ጸሎትካ ተሰሚዑ እዩ እሞ ኣይትፍራህ ኤልሣቤጥ ሰበይትኻ ወዲ ኽትወልደልካ እያ ስሙ እውን ዮሓንስ ቢልካ ክትሰምዮ ኢኻ ሓጐስን ተድላን ከኣ ኪኾነልካ እዩ ብልደቱ ድማ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም ከመይሲ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ዓቢይ ኪኸውን እዩ።’ እንኪብል ምስ ኣበሰሮ ዘካርያስ ኩሉ ጋን ኮኖ ምእማን ሰኣነ ከመይ ሕጊ ተፈጥሮ ኣጸቢቁ ይፈልጦ እዩ ሸምጊሎም ኣሪጎም እዮም፣ ከም ሳዕቤን ናይ ዘይምእማኑ ከኣ ጐይታ ክሳብ ዕለተ ልደቱ ኪዛረብ ዘይክእል ዓባስ ኮነ፣ እዚ ከም ምልክት እዩ ተዋሂብዎ፣ ኮይኑ ግን ሽሕ`ኳ ሕጊ ተፈጥሮን ኣተሓሳስባናን ከምኡ እንተኾነ እግዚብሔር ክንዮኡ እዩ ዝሰግር፣ ኣብዚ እታ ተዋጽኣና ነቲ ንሱ ዝብለና ክንሰምዕን ብኣኣኡ ምትእምማን ተማሂርና ኣብ ቅድሚ ምሥጢረ እግዚአብሔር ሱቊ ምባል በትሕትናን ብጸጥታን ከኣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ግዜ ከኣ ክንዮ ሕልምታትናን ኣተሓሳስባታትንን ዝሰግር ተግባራት እግዚብሔር ምስትንታን የድሊ።

ዕለተ ልደት በጺሑ ኩሉ ከምቲ መልኣኽ ዝበሎ ምስ ኮነ ኸስ ኤልሳቤጥን ዘካርያንስ ‘ንእግዚብሔር ዝሰኣኖ የልቦን’ (ሉቃ 1.37) ከስተማቅሩ ይጅምሩ ሓጐሶም ከኣ ወሰን ኣይነበሮን፣ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃ 1.57-66.80)  ብዛዕባ ልደት ዮሓንስ መጥምቅ ጠቂሱ ኣብ ኣውጻጽኣ ሽሙ ይሰግር፣ ኤልሣቤጥ ኣብ ባህሊ እቲ ሥድራቤት ዘየሎ ሽም ትመርጽ ‘ዮሓንስ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ’ (60) እንክትብል ነተን ብባህሊ መሠረት ብስም ኣቦኡ ዘካርያስ ክብልዎ ዝደናደኑ ዝነበሩ ኣዝማዳ ትኾልፎም፣ ትርጉም ናይቲ ስም ከኣ ‘እግዚአብሔር ጸጋ ገበረ` ስለዝኾነ ብነጻ ዝተዓደለን ዘይተጸበይዎን ምዃኑ ገለጸት፣ እቲ ሕጻን ከኣ ኣበሳሪ ኣዋጂ  ናይ’ዚ ነቶም ብትሑት እምነት ድሕነት ጸጋ እግዚአብሔር’ዚ ዚጽበዩ ምስክር ክኸውን እዩ፣ ዘካርያስ እውን ብሃንደበት ኣብ ሰሌዳ ነቲ ምርጫ ስም የጽድቆ፣ ዝጽሕፈሉ ሰሌዳ ዝሓተተሉ ከኣ ጌና ዓባስ ስለዝነበረ ክዛረብ ይኽእል ኣይነበረን፣ ሽዑ ንሽዑ ግን ‘ብኡ ንብኡ ኸኣ ኣፉ ተኸፍተ ልሳኑ ከኣ ተፈትሐ ንኣምላኽ እናመስገነ ይዛረብ ነበረ’ (64)።

ብምሉኡ ፍጻሜ ልደት ዮሓንስ መጥምቀስ ሓጐስ ዝዓሰሎ ሃውሁ ከማኡ እውን ሃንደብነትን ምስጋናን ዝመልኦ ነበረ፣ ኣድናቆት ሃንደበትነት (ኣግራሞትን) ምስጋናን። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ቅዱስ ፍርሓት እግዚኣብሔር መልኦም፣ ንሶም ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ‘ኣብ ኩሎም እቶም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ሓደረ ኣብ ዝባውንቲ ይሁዳ ብመላኡ እን ብዛዕባ እቲ ነገራት ኩሉ ይዝረብ ነበረ’ (65)። ኣሕዋትን ኣሓትን እቲ ኣማኒ ሕዝብን ሽሕ’ኳ ብትሕትናን ስቱርን መንገዲ እንትኾነ ሓደ ዓቢ ነገር ከምዝኾነ ይግንዘቡ ‘እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኮን ኪኸውን እዩ’ (66) እናበሉ ከኣ ይሓቱ፣ ኣብ እግዚብሔር ዚኣምን ሕዝብኸስ ነቲ እምነቶም ብታሕጓስን ብመንፈስ ኣንክሮን ከምኡ እውን ብኣግራሞትን ብምስግናን ይነብርዎ፣ ነዚ ነገር’ዚ ብምምልካት ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ንበል እሞ  እምነተይ ከመይ እዩ? ሓጐስ ዝመልኦ እምነት ድዩ! ወይስ ወትሩ ኣብ ዘለዎ ዝነብር ዘይንቀሳቀስ እምነት እዩ! ተግባራት ጐይታ ክርኢ ከሎኹ ብዛዕባ ስብከተወንጌል ክዝረብ ክሰምዕ ከሎኹ ወይውን ናይ ሓደ ቅዱስ ኣደናቂ ታሪኽ ክሰምዕ ከሎኹ ወይውን ብዙሓት ብጣዕሚ ሕያዎት ሰባት እንክርኢ ናይ ኣንክሮ ስምዒት ኣሎኒዶ! ነቲ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ውሽጠ እሰምዖዶ ወይስ ልበይ ብምንም ተኣምር ኣይንቀሳቀስን! ምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጠይ ይስምዓንዶ ወይስ ዕጽው እየ! ሓደራኸስ ነፍሲወከፍ ናብ ሕልናና ተመሊስና እምነተይ ከመይ እዩ እናበልና ናይ ሕልና መርመራ ንግበር! እምነተይ ሕጉስ ድዩ! ንኣደናቂ ተግባራት እግዚብሔር ክፉት ድዩ! ክንብል ነስተንትን ከመይ እግዚብሔር ናይ ኣደነቅትን መስተንክራት ዝኾኑ ነገራትን ጐይታ እዩ፣ ካብዚ ቀጺልና ነቲ ህላዌ ኣምላኽ ኣብ ከባቢኻ ንዝፈጥሮ ናይ ኣንክሮ ስምዒትን ምስግናን ይስመዓኒዶ! ብማለት ነስተንትን፣  

ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ነፍሲወከፍ ፍጥረት ወዲሰብ ኣሰር ናይቲ ምንጪ ሕይወት ዝኾነ እግዚብሔር ከምዘሎ ንምርዳእ ትሓግዘና፣ ኣደ ኣምላኽን ኣደናን ዝኾነት ድንግል ማርያም ኣብ ልደት ሓዲስ ሕጻን ወለዲ ከም ተሓባበርቲ እግዚብሔር ምዃኖም ዝርድእሉ መንፈስ ትዓድል፣ ናይ ወላዲ ተልእኮ ንነፍሲወከፍ ስደራቤት ቤተመቅደስ ሕይወት ዝገብርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልደት ሕጻን ከኣ ሓጐስን ኣንክሮን ምስጋናን የነቃቅሕን፣ እንክብሉ ትምህርቶም ምስ ፈጸመ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ደጊሞም፣

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኡራግዋይ ብፅዕናኣ ንዝተኣወጀ ማርያ ፈሊቻ ዲ ጀሱ ሳክራመንቶ ዘኪሮም ከምዚ ኢሎም፣

‘ኣብ መፋርቅ መበል 20 ክፍለዘመን ዝነበረት ኣብ ካቶሊካዊ ተግባር ተጸሚዳ ንዝሸምገሉን ሕሙማትን እሱራትን ብዓቢ መንፈሳውነት ኣገልጊላ፣ እዚ ብሱል ተመኲሮ እዚ ብዕለታዊ ቅዱስ ቊርባን ተሰንዩ ንጐይታ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምውፋይ ኣብጺሕዋ፣ ጓል 34 ዓመት እንከላ ነቲ ዝተዓደላ ሕማም ብዓቢ ቅሳነት ተቀበላ ዓረፈት፣ ናይ’ዛ መንእሰይ ብፅዕቲ ምስክርነት ንኩሎም መንእሰያት ብፍላይ ከኣ ነቶም ናይ ፓራጉዋይ ንሕወቶም ብልግስን ወፈያን ሓጐሳን ክነብርዋ ዝቀርብ ዕድመ እዩ። ነዛ ሓድስ ብፅዕቲ ቺኲቱንጋ ንመላእ ሕዝቢ ፓራጉዋይን ብጣቅዒት ሰላም ንበሎም እንክብሉ ቃሎም ሂቦም፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.