2018-06-22 15:54:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ኣስዳዕነት ማለት ኣይኰነን


ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘካየድዎ መበል 23 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ናብ ሮማን ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንኽምለሱ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንውህደት ዝኣመተ ዘተን ርክብን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ቅልውላው ምህላዉ ብሰፊሕ ኣብሪሆምን መሰል ተስፈይናነት ምብርታዕ የድሊ ይብሉ።

ኣስዳዕነት ዝብል ቃል ካብ መዝገበ ቓላት ክነውጽኦን ክንሓኰን ይግብኣና፡ ኣነ እንተዘየለ ንሱ ክህሉ ኣይክእል ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ምልስ ቢሎም ምስ መላእ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣባላት መንፈሳዊ መራሕቲ ብሓባር ኣብ ዝተቛደስዎ መኣድ ምሳሕ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብን ብዙሕ ስምምዕ ዝተራእየሉ ምንባሩን ካብቲ ዝፈላልይ እቲ ዘቀራረ ከምዝበዝሕ ናይ ሓባር ግንዛቤ ዘረጋገጸ ዘተ ምንባሩ ይሕብሩ። ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣስዳዕነት ዘይኰነ ዘተ እዩ ዘገድስ፡

ሻቕሎት መንእሰይ ትውልዲ

እቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተዛዘመ ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ዕለት 21 ሰነ ሓዋርያዊ መገሻኦም ጽዑቕ ምንባሩ እንክሕብሩ፡ ዝተፈላለዩ ርክባትን ምይይጥን መጸብ ጸሎትን ዓውደ ርክብን ናይ መዕጸዊ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ኩሉ ርኢኻ ብሓቂ ኣድካሚ ምንባሩ ዘይከሓድ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ርክብን ኣብ ርክብ ዘተን ዝብሉ ዕሴታት ዘማእከለ ብምንባሩ ምስ ኩሉ ሰብኣዊ ርክባት ዝነበሩሉ ካብ ወግዓውነት ርክብ ሜላ ውጽእ ዝበለ እዩ ኔሩ፡ ምስ ናይ ፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ብፁዓን ጳጳሳትን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕትን ዘካየድዎ ርክብ ኣድማዒ ምንባሩን ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ እውን እቲ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዘሎ ሻቕሎት መንእሰያት እውን ዘማእከለ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱን፡ እቲ ብዛዕባ ሻቕሎት መንእሰይ ትውልዲ እውን ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ እቲ ብዙሕ ዝርርክብ ዘካየድሉን ብዙሕ ሰዓት ዝወሰደ ኣርእስቲ ከምዝነበረን፡ እዚ ክኸውን ዝደረኸ ከኣ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ልልያ ጸዋዕታን መንእሰይን እምነትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽዝትይ ንዝተጸውዔ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መሰናዳዊ ብዙሓት ኣማንያንን ኢኣማንያንን ካብ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተዋጽኡ መንእሰያት እውን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ቅድመ ሲኖዶስ ዓውደ ጉባኤ ፈልዩ ዘመላኸቶ ሻቕሎት እውን ብምዃኑ ብሓቂ ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ብዙሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ኣርእስቲ ምንባሩ ገሊጾም።

ሕንፉጽ መርዓ (ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መእመናን ዝፍጸም) ዘሎ ሓቂ እዩ ብዕምቆት ክረአይ ይግብኦ

ካብቶም ጋዜጠይናታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ ውሳኔ ዛዕባ ሕንፉጽ መርዓን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ዝምልከት ነዘቕረቡሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ኣብ መንጐ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ምእመን ዝፍጸም መርዓ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ላዳሪያ ብዛዕባ እዚ ሕንፉጽ መርዓን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ዝምልከት ሰነድ ከመሓላልፉ ቅዱስ ኣቦና ከምዝወሰኑ እውን ኣዘኻኺሮም እቲ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣማእኪሉ ዘካየዶ ኣኼባ ዝነኣድ እዩ፡ እቲ ምፍቓድ ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ውሳኔ ናይ ሰበኻ ጳጳስ ዝብል ናብ ኵላውነት ምስግጋር ይድሊ። እዚ ከበሃል እንከሎ ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ክልኩል ንምባል ዘይኰነስ ሓፈሻዊ ውሳኔ ክኸውን ከምዘይግኦ ንምምልካት ኣዩ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕንፉጽ መርዓ ዝነብሩ ጉዳይ ምርኣይ የድሊ፡ ስለዚህ ከይዲ እምበር ንዅሉ ብድብድቡ ፍቑድ ዝብል ኣይኰነን ኢሎም።

ጸዓት ስደተይናታት ኣብ መንጐ መንግስታት ክመሓደር ዘለዎ ሰብኣውን ማሕበረሰብኣውን ክስተት እዩ

ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ጉዳይ ንቕዱስ ኣቦና ሕቶ ምቕራብ ልሙድ እዩ፡ ደጊሞም እውን እንክምልሱ፡ ካብ ጥምየትን ውግእን ዓመጽን ገዛእ ርእሱ ንኸድሕን ዝስደድ፡ ምእንጋድን ብቐረባ ምስናይን ተወሃሂዲ ንኽነብር ምድጋፍን ኣብ ዝብል ሓሳብ ብዘመእከለ መምርሒ እዩ ክመሓደር ዘለዎ፡ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ኣብቲ ዕጸ ፋርስ ዘዋውሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝእሰሩሉ ቤት ማሕቡስ ምድጓን ብሓቂ ጌጋን ጭካኔን እውን እዩ፡ መንግስታት ነቲ ማሕበራውን ሰብኣውን ክስተት ዘመሓድር ስምምዕ ክገብሩ ይግብኦም። ብፍላይ ነቲ ዝርአይ ዘሎ ናይ እዋንና ጸኣት ስደተይናታት፡ ኣብተን ኣብ ጸገምን ከቢድ ድኽነትን ዝርከባ ሃገራት መደብ ሕንጸት ምዝርጋሕን ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ዝኽእል መደብ ኤኮኖሚ ምኽዋን የድሊ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ጸኣት ስደተይና ከይህሉ ካብ ዝግበሩ ረቛሒታት ሓደ እዩ፡ እቲ ንስደት ዝዳርግ ውግእን ዓመጽን ካብ ማእከላይ ምብራቕ ስደት ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ደው ክብል መታን ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት እውን እንተዀነ ሰላም ምንቕቓሕን ናብ ሰላም ዘኽይድ መንገዲ ምሕራይ የድሊ፡ ኢጣሊያን ግሪክን ኣብ ደገፍ ስደተይናታት ብዙሕ ጻዕሪ ዝገብራ ብሓቂ ለጋሳት ሃገራት እያተን፡ ቱርክን ሊባኖስ ስፐይንን እውን ስለዚህ ነዘን ሃገራት ንበይነን ከይሓደግካ ካልኦት ሃገራት ክተሓባበራ ይግብኤን ምስ በሉ ብዛዕባ እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ስደተይናታት ኣብቲ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ ውሳኔ እሓብር ኢሎም።

ተዛታይ ምዃን፡ ኣይፋል ቃኤላውነት

ሓደ ጋዜጠይና ዝባዕባ ቅኑዕ ውግእን ዘይቅኑዕ ውግእን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣልዕሊን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ፕሮተስታት ኣቢያተ ክርስቲያን ክትሓብር ኣለዋ” እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶን ርእይቶም፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ውግእን ዓመጽን ጠቒሶም፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቅልውላው ምህላዉ ዘመላኽት ውግእ እዩ፡ ኩሉ ተዛማዲ እዩ፡ ስለዚህ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እውን ናይቲ ተዛማዲ ባህሊ ኣደዳ ኰይኑ ኣሎ። ኣልበርት ኣንስታይን ጠቒሶም፡ ራብዓይ ውግእ ዓለም ብበትርን ኣእንን ኣዩ ዝካየድ ምስ በሉ፡ ዝዀነ ይኹን ውግእን ዓመጽን ብቃኤላውነት መገዲ ንምፍታሕ ዘይምፍታን፡ እንታይ ደኣ ብዘተ ክከውን ኣለዎ፡ ንሓውኻ ብምቕታል ዘይኰነ ምስኡ ብምዝታይ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ፡ ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝረአይ ኣኽራርነት ሓደጋ እዩ፡ ከምቲ ሓደ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ዝብሎ፡ ቀዳማይ ናይ ስብኣዊ መሰልን ክብርን፡ መሰል ትስፍውነት እዩ እንክብሉ መሊሾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.