2018-06-19 16:39:00

ክስትንተንን ክትግበርን ዝግብኦ ቃል ቅዱስ ኣቦና ዛዕባ ስድራ ቤት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጉብኤ ኣባይቲ ስድራ ተቐብሎም ምስጢረ ተክሊል ወይ መርዓ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ምዃኑን ከምኡ እውን ጻዕዳ ጓንቲ ብዘጥለቑ ኣእዳው ብሜላ ሕክምና ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዝፍጸም ግብረ ቅትለት እዩ ብዝብል ሓሳብ ተንቲኖም ክውገዝ ዝግብኦ ተግባር እዩ ዝብል ቃል ዘማእከአ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክስትንትንን ክትግበርን ይግብኦ።

እቲ ቃለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ንጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ብዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ዓቢይ ትኵረት ተዋሂብዎን ዳርጋ ናብ ኵሉ ዝበጽሔ ኰይኑን ብፍላይ ካብቲ ብጹሕፍ ኣሰናድዮም ክስምዕዎ ሓሲቦምዎ ዝነበረ ቃለ ምዕዳን ወሲኾም ብቓል ዝሃብዎ ተወሳኺ ምዕዳን ኩሉ ብጠቕላላ ንኣባይቲ ስድራ ዓቢይን መሰረታውን መትከል ምዃኑ ናይ ሕጊ ሊቅ ናይ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣባል ቪንቸንዞ ባሲ ብዛዕባ እቲ ቃለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስድራ ቤት ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ዝጸንዕ ውህደት

ኣብቲ ቃለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ክስትንተን ዝግብኦ፥ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል ኣብ ሓደኣውነት ዝብል ዓሚይቕ ስልጣናዊ ትምህርቲ ንረክብ፡ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ሕጂ እውን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምዃኑ ባሲ ኣዘካኺሮም፡ ከም ርእየት ዓለም ወይ ከም ክልሰ ሓሳብ ዘይኰነ፡ ኣብ እዋናውን ጭቡጥን ኩነት ስድራ ቤት ማለት ኣብ ጭቡት ሕይወት ፍሉይ ኣተኵሮ ገይሮም ዘቕረብዎን፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ባህርያዊ ዕማም ስድራ ቤት (ሕይወት ዝወልድ፡ ንኣባላቱን ንሕብረተሰብ ደገፍን ዝብሉ) ብፍሉይ ዘመላኽትን፡ እዚ ዝኽወን እቲ ስድራ ቤት ኣብ መንጐ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ምስ ዝቐውም ከምዝዀነ ንምግላጽ እዩ፡ እዚ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ወይ እቲ ንሶም ኣጽኒዖም ዝገለጽዎ ትምህርቲ ጭቡጥ እምበር ዘዳልው ኣይኰነን፡ ካብዚ ዓይነት ወጻኢ ስድራ ቤት የሎን፡ ስድራ ቤታውነት ዝረጋገጽ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ሓሳብ ዘጠቓልል ምስ ዝኸውን እዩ፡ ካልእ ዓይነት ስድራ ቤት የሎን ኢሎም።

ጽንሲ ምንጻል፡ መቕተቲጻዕዳ ጓንቲ ብዘጥለቓ ኣእዳው እዩ

እቲ ካልእ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ዓቢይን ኣብ ልብኻ ተሓቲሙ ክተርፍ ዘለዎ ትምህርቲ ዛዕባ ስድራ ቤት፡ ጽንሲ ምንጻል ኣማእኪሎም ዝበልዎ ሓሳብ እዩ፡ ኣብ ታሪኽ ከምእንዝክሮ ስርዓት ናዚ ንጹሕ ዓሌት ብዝብል ርእየተ ዓለም ተመሪሑ መረጻ ዓይነተ ሰብ ብምክያድ ዝተፈጸመ ምንጻት ሰብኣዊ ፍጡር ምኽንያት ዘይተዓንቀፈን ዘይሰንበደን ዘይነበዔን ሓደ’ኳ የልቦን፡ ኩላትና ዘይንርስዖ ታሪኽ ኰይኑን ተመሳሳሊ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ከይክሰት ብተዘክሮ ህያው ንገብሮ ታሪኽ እውን እዩ፡ እቲ ዘሕዝን ግና ሎሚ ብተመሳሳሊ መገዲ ጻዕዳ ጓንቲ ብዘጥለቓ ኣእዳው ብሕክምናዊ መገዲ ዝፍጸም ምንጻል ጥንሲ እዩ፡ ወይ እቲ ከም ንሱነቱ ክውለድ ዝግብኦ ሕጻን ኣቐዲምካ ናይ ኣካለ ወይ ና ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምልላይ፡ ክውልደን ወይ ክንጸልን ዝፈርድ ውሳኔ ዘመሓላልፍ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳብ’ዚ ዝገለጽዎ ኣብ ቅድሚ እታ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ እዩ፡ ብዙሓት ናይ ኣካል ወይ ከኣ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎም ውላድ ዘአንገዱ ኣባይቲ ስድራ ዝርከብዎን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሕጻናት ኣውን እዩ፡ ስለዚህ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳውን ወንጌላውን ትውፊታውን ትምህርቲ ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ዘማእከለ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝእውን እዩ፡ ጽንሲ ምንጻል ዓቢይ ገበን እዩ፡ መቕተልቲ ንጹሓን ሕይወት እዩ ቢሎም ክኹንኑ እንከለዉ ንብዙሓት ደቀንስትዮ ንኽፈርዱ ዘይኰነስ እታ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ስንኵል ውላድ ኣባል ዘለዋ ስድራ ቤት ንገዛእ ርእሳ ክይትሕደግ ዝብል ኰይኑ ኩሉ ንሕይወት ብዘይ እንተን እተዀነን ክፉት ምዃን  ይግብኦ ዝብል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.