2018-06-15 16:54:00

ብፁዕ ካርዲናል ሞሰንግዎ ፓሲንያ፡ መጻኢ ኣፍሪቃ መናእሰይ እያቶም


ኣብ ሕንጻ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሎማዊት ኣፍሪቃ”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ርክብ ኣብ መንጐ እቶም ካብ ትስዓቱ መማክርት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓደ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ናይ ክኒሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞሰንግዎ ፓሲኒያን ጋዜጠይናታትን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ዕለት 14 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዓውደ ጉባኤ ተኻይዱ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ንመንእሰይ ወለዶ እትብሎ ዘለዋ እያ፡ ኣቲ ኣትብሎ መልእኽቲ ናይ ተስፋ ንመጻኢ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ትስፍዉ መጻኢ ምጉዓዝ ትብዓት ይሓትት፡ እዋናዊ ዓለም ዘቕርቦ ብድሆታት ድዩ መስዋዕትነት እውን ዝሓትት ይዅን ኣብ ትስፍው መጻኢ ንቕድሚት ምስጓም፡ እዚ እያ እትብሎ፡

ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ብፁዕ ካርዲናል ሞንሰንግዎ ፓሲንያ ክዀኑ እንከለዉ፡ እዞም ኣባል መማኽርቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት፡ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ውዳቤ ክፍሊ ኣፍሪቃ ብዘቕረበሎም ዕድመ ተረኺቦም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ብምስታፍ፡ መንእሰይ ኣፍሪቃ ብፍሉይ ብምርኣይ፡ መንእሰይ ናይ ኣፍሪቃ መጻኢ እዩ፡ ፍልጠትን ሕንጸትን ሰራሕን ዝሓልሙ፡ ነገር ግን ሓለምቲ ኣይኰኑ፡ ምሕላምን ሓላማይን ምዃን ዝተፈላለየ እዩ፡ ስለዚህ መንእሰይ ኣፍሪቃ ዝሓልም እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ሕልሙን ክበጽሖ ዝደልይ ዘተዓናቕፉ ተደራራባ ሽራት ኣከምዘሎ ዘይከሓድ ምዃኑ ገሊጾም፡ ከጋጥም ዝክእል ጸገም ክስገር ከምዘለዎ ምእማን እምበር ጸገም ፈሪሕካ ካብ ምስጓም ብኹር ምዃን ኣየድልን፡ ኣብ ምንጽጻርን ሓሳብ ምልውዋጥን ኣብ ብዙህነት ዘሎ ሃብትን ክኣምኑን፡ መሻሎኺ ወይ ኣቋራጽ መገዲ ማለት ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ከም መጋበርያ መተሓላለፊ ምጥቅማ ኣይፋል ክብሉ ኣለዎም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ኣፍሪቃ መጻኢ ዝዀነ መንእሰይ ወለዶ ዘማእከለ ብዝተፈላለየ መደብ ሕንጸትን ሙያዊ ሕንጸትን ብዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መናብርተ ጥበብን ዝተፈላለዩ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣቢላ ብምድጋፍ ናይ ገዛእ ርእሱ መጻኢ ብሩህ ገይሩ ናይ መላእ ኣፍሪቃ መጻኢ ትስፍውን ብሩህ ዝገብር ብቑዕ ዜጋ ክኸውን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ፡ ዓመጽን ምፍሕፋሕን ኣብ ኣፍሪቃ ልሙድ ክኸውን የብሉ፡ ሰላማዊ መንእስይ ብምሕናጽ ኣፍሪቃ ምድረ ሰላም ንምግባር ቤተ ክርስቲያን ኣጽኒዓ ትዓዪ ከምዝበሉ ካስተሊ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.