2018-06-14 16:51:00

ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት፡ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ንድፊ ኣቕሪቡ


መበል 25 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ብፁዓን ካዲናላት ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ Praedicate Evangelium- ወንጌል ስበኹ ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ናይ ኵሪያ ሮማና ማለት ናይ ኵላዊት ቤተክርስቲያን መዋቕራት ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ንድፊ ዝእረምን ዝንከይን ዝውሰኽን እንተሎ ንውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ኣረኪቡ።

ንገዛእ ርእሱ እቲ ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት Praedicate Evangelium- ወንጌል ስበኹ ብዝብል ኣርእስቲ ንቕዱስ ኣቦና ዘረከቦ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ መዋቕር ሕዳሴ ንድፊ ንገዛእ ርእሱ ብፁዓን ካርዲናላት ዝሃብዎ መጸውዕ ግዚያዊ ስም ምዃኑ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2018 ዓ.ም. ብጀካ ዕለት 13 ሰነ ንጐሆ ብምኽንያት ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዝተኻየደ ምንባሩን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ግረግ ቡርከ ዕለት 13 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት መራኸቢ ብዙሓን ልኡካ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ሕዳሴ ምሕደራ ቁጠባን ኤኮኖምን

እቲ ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት እቲ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ንድፊ ኣማእኪሉ ዝመኸረ መበል 25 ኣኼባ ብተወሳኺ  ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ምኽሪ ሓልዮ ኤኮኖሚ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ብሪያን ፈርመ ናይ ቅድስቲ መንበር ህዳሴ ምሕደራን ውዳበን ቁጠባን ኤኮኖምን ጉዳይ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ኣምርኵይዙ እውን ከምእተመያየጠን እቲ ሓድሽ ምሕደራን ውዳቤን ጉዳይ ኤኮኖሚ ቅድስቲ መንበር ዕላማኡ ምብኻን ከይሁሉን ግልጽነትን ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ከይዲ ዝኽተሎ ቀጥዒ ምኽባር ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ መሰረታዊ ሕግታት ዘመላኽት እውን ከምዝነበረ ቡርከ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዝሓበሩ ሎሞናኮ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት ቀጻሊ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንምካየድ ኣብ መበል 25 ኣኼባኡ ክምዝወሰነ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቡርከ ኣስዒቦም፡ Evangelii gaudium-ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ  ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ መዋቕራት ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ኣባይቲ ጽሕፈትን ሕዳሴ ኣስተንፍሶ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ኸኣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያውያን መዋቕራት ንተልእኾን ኣገልግሎትን ቤተ ክርስቲያን ወጌላውነት ኣብ እዋናዊ ዓለም ብቑዕ መትረብ ክዀኑ ዝገብር እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ሎሞናኮ ሓቢሮም።

እቲ መደብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘነቓቕሕዎን ብቤት ምኽሪ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላ ዝሕንጸጽ ዘሎ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን፥ ብቐዳምነት ንናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ትውፊትን እሙንን ቀጻልነቱ ዘረጋግጽን፡ ብኻልኣይ መዳይ ንእዋናዊ ዓለም ብቑዕ ንምግባርን ብሳልሳይ ደረጃ ጥርኑፍ ውዳቤን ኣብ ስነ ምሕደራዊ ኣፈጻጽማኡ ምትሕልላኻት ዘይብሉ ቀሊልን ግልጽን ክኸውን ኣብ ዝብሉ መሰረታዊ መትክል ዝቖመ እዩ እንክብሉ ግረግ ቡርከ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝዛዘሙ ሎሞናኮ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.