2018-06-13 15:32:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቺለ ናይ ሰለስተ ብፁዓን ጳጳሳት ዘቕረብዎ ስንብታ ካብ ሰበኻዊ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ኣጽዲቖም


ኣብ ቺለ ናይ ሰበኻ ፑወርቶ ሞት ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቲያን ካሮ ኮረደሮን ናይ ሰበኻ ቫልፓራይሶ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጐንዛሎ ዷርተ ጋርሲያ ደ ኮርታዛርን ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ዘቕረብዎ ናይ ልሒቀ ጵጵስና ሕቶን ከምኡ እውን ናይ ኦሶርኖ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ባሮስ ማድሪድ ካብ ሰበኻዊ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘቕረብዎ ዓመታዊ ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሎም ኣጽዲቖም።

ኣብ ሃገረ ቺለ ናይ ሰበኻ ፑወርቶ ሞንት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክርስቲያን ካሮ ኮርደሮ ብሕገ ቀኖና መሰረት ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ዘቕረብዎ ናብ ልሂቀ ጵጵስና ናይ ምስግጋር ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሎም ናይታ ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብር ንኽዀኑ ናይ ማሕበር ካህናት መርቸዳሪ ኣባል ኣባ ሪካርዶ ባሲሊዮ ሞራለስ ጋሊንዶ ከምዝሰመዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕጂ እውን ኣብ ቺለ ናይ ሰበኻ ቫልፓራይሶ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጐንዛሎ ዷርተ ጋርሲያ ደ ኮርታዛር ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ዘቕረብዎ ናብ ልሂቅነት ጳጳስ ናይ ምስግጋር ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሎም ናይታ ሰበኻ ሓዋርያዊ መሰናብር ንኽዀኑ ናይ ቺለ ርእሰ ከተማ ሳንቲያጐ ደል ቺለ ሰበኻ ተሓባብሪ ጳጳስ ፐድሮ ማሪዮ ኦሳንዶን ቡልቸቪስ ከምዝሰመዩን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ከምኡ እውን ናይ ሰበኻ ኦሶርኖ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ባሮስ ማድሪድ ዘቕረብዎ ካብ ሰበኻዊ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ስንብታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምኽንያታዊ እዩ ቢሎም ሕቶኦም ኣጽዲቖም ናይታ ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብር ንኽዀኑ ናይ ቺለ ርእሰ ሰበኻ ሳንቲያጐ ደል ቺለ ሰበኻ ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾርገ ኤንሪከ ኮንቻ ቫዩንከሮ ከምዝሰመዩ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.