2018-06-12 19:00:00

ምስክርነት ክርስትያን ጨውን ብርሃንን ናይ ካልኦት ምዃን እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ጨው መመቐሪ መግቢ እንክኾን መብራህቲ ከኣ ንገዛእ ርእሱ ኣይኮነን ዘብርህ፣ በዚ ከምዚኸስ ናይ ሓደ ክርስትያ ዕለታዊ ተራ ምስክርነት ንካልኦት የመቅርን የብርህን፣ እዚ ከኣ ንክትዕበየሉ ዘይኮነስ ንከተገልግለሉ እዩ’ እንክብሉ ምስክርነት ክርስትያን መቐረትን ብርሃንን ካልኦት ምዃኑ ገሊጾም፣

 ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው መሠረት ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌል ማቴዎስ 5 ኮይኑ “ንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ኢኹም፣ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፡ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርብዩ፡ ብሰብ ኪርገጽ እንተ ዘይኮይኑስ ዚጠቕሞ የብሉን። ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም፣ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዂሉ ምእንቲ ኬብርህ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ ተንብሮ እምበር ኣብ ትሕቲ ኸፈር ከተንብሮ ኣይተብርሆን ኢኻ። ከምኡ ከኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኺመስግንዎ፣ ብርሃንኩም ኣብ ቕድሚ ሰብ ይብራህ።” ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ምስክርነት ክርስትያን ኣብ ዘተኮረ ስብከቶም እቲ ዝዓበየን መወዳድርቲ ኣልቦን ምስክርነት ክርስትያን እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበ ኮይኑ ሕይወትካ ስለካልኦት በጃ ምውፋይ ማለት ሰማዕትነት እንክኸውን ዕለት ዕለት ብናኣሽቱ ነገራት ዝግበር ምስክርነት ክርስትና እውን ከምዘሎ እዚ ንግሆ ካብ ንትንስእ ጀሚርና ክሳብ ጸሓይ ዓሪባ ናብ ምድቃስና እንኸደሉ ክንህቦ ዘሎና ምስክርነት ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመስሪቶም ገሊጾም፣

`ንካልኦት ዘገልግሉ ጨውን ብርሃንን ምዃን’ ቀሊል ይመስል ኮይኑ ጐይታ በቲ ንሕና እነቅርቦ ቁሩብ ቊራቦ ብናኣሽቱ ነገራት ዓቢ ተኣምር ስለዝገብር እዩ፣ ስለዚ ነዚ መንፈስ ትሕትና እዚ ተላቢስና ጨውን ብርሃንን ክንከውን ንጽዓር።

‘ንካልኦት ጨው ምዃን ንካልኦት ብርሃን ምዃን እዩ እቲ ቀንዲ ነገር ከመይ ንገዛእ ርእስኻ ክተመቀር ወይውን ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ክተብርህ ስለዘይከኣል ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ምጽማድ የድሊ፣ ንካልኦት ጨው ምዃን ማለት ከምቲ ቁሩብ ጨው ንብዙሕ መግቢ ከምዘመቅር ኣብ ዕብየትን ብዝሕን ዘይኮነ ኣብ መቀረት እዩ ቁምነገሩ ወላ ውሑድ ጨው እውን እኹል፣ ኣብ ድኳናት ብኩንታላት ይሽየጥ እቲ ዘድሊ ግን ቁሩብ ጨው እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ጨው ኣነ መመቀሪ ብጀካይ ኩሉ ከንቱ እዩ ኢሉ ኣይዕበን ምኽንያት ንገዛእ ርእሱ ኣይኮነን ዘገልግል ንካልኦት እዩ ዘገልግል፣ ምስክርነት ክርስትና እውን ከምኡ ወትሩ ንካልኦት ምግልጋል ንካልኦት መቅረት ምሃብ እዩ፣

ዕለት ዕለት ክርስትያን ኰንካ ምንባርከስ ንካልኦት ብርሃን ምዃን! ንካልኦት ምሕጋዝ ምናዳ ኣብ ናይ ጸልማት ሰዓታት ኣብ ዝርከቡሉ ግዜ ክነብርሃሎም ኣሎና፣

‘ጐይታ ንስኻ ጨው ኢኻ ንስኻ ብርሃን ኢኻ ይብለካ ኣሎ፣ ምናልባት እዚ ኣስኪሩካ እወ ጐይታ ኣነ ከምኡ እየ ብዙሓት ኣመንቲ ናባኻ ክስሕብ እየ ከይትብል እታ ምስክርነትካ ንዓኻ ዘይኮነ ነቲ ሠናይ ግብርኻ ርእዮም ንሰማያዊ ኣቦኻ ንከምስግኑ እዩ፣ ናባኻ ዝኸይድ ምስጋና የለን፣ ክንበልዕ እንከሎና ጥዑም መግቢ ኢና እንብል እምበር እቲ ጨው ጥዑም እዩ ኣይንብልን፣ ለይቲ ኣብ ገዛ ብርሃን ክንረክብ እዚ ብርሃን ጽቡቅ እዩ ኣይንብልን፣ ብሩህ ገዛ ንብል፣ ኣብዚ ምናልባት ነቲ ቀንዲ ብርሃን ዝህብ መብራህቲዶ ንዝንገዖ ኣሎና ክንብል ንኽእል፣ ከምኡ ዘይኮነሲ በቲ ዘብርሃልና ብርሃን ንነብር ኣሎና፣ ክርስትያን ክንገብሮ ዘሎናኸስ እዚ እዩ፣ ክንጥንቀቀሉ ዘሎና ንክንምንስገን ንክንነኣድ ኢልና ዝኾነ ነገር ከይንገብር እዩ፣ ምናልባት ከምቲ ናይቲ ፈሪሳዊ ጸሎት ከይንገብር ንጠንቀቅ፣

‘እዛ ናይ ፈሪሳዊ ጸሎት ክንሃልኽ ውዒልና ምሸት ክንጽልያ ንኩልና ጽቡቅቲ ጸሎት ምኾነት፣ ቅዱስ ኰይነ ስለዝወዓልኩ ኣመስግነካ ኣሎኹ ክንብል የብልናን፣ ኣብ መወዳእታ ሎሚ ከመይ ውዒለ ብርሃንዶ ኰይነ ውዒለ ኢልና ክንሓስብ ኣሎና እዚ ከኣ ናብ ናይ ዕለት ዕለት ዝግበር ናኣሽቱ ናይ ቅድስና ተግባራት ክመርሓና እዩ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.