2018-06-08 16:45:00

ዝክረ ነገር መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባሪ


ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ባሪ፡ ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎትን ርክብን ዘተን ምስ ዝተፈላለዩ ፓትሪያርካትን ዘተኰረ ከምዝኸውን ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

እቲ ናይ ዕለት 7 ሓምለ 2018 ዓ.ም.  ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባሪ ጽዑቕ ሓዋርያዊ መደባት ዘለዎ ኰይኑ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት ዝብል ኰይኑ ቅዱስነቶም ሰዓት 7 ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ብሄሊኰፕተር ክነቕሉን፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓትን ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቓይቕን ጉዕዞ ኣብ ናይ ፑሊያ ክፍለ ሃገር ማእከል ከተማ ባሪ ኣብ ዝርከብ ክሪስቶፈሮ ኮሎምቦ ኣደባባይ ክኣትዉ ምዃኖን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥

ምስ ፓትሪያርካት ናይ ሓባር ጸሎት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣደባባይ ክሪስቶፎሮ ኰሎምቦ ምስ ኣተዉ ብናይ ባሪን ቢቶንቶን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ካኩቺን ብናይ ፑሊያ ክፍለ ሃገር ርእሰ ብሔር ሚከለ ኤሚሊያኖን ናይ ባሪ ከተማ ከንቲባ ኣንቶኒዮ ደካሮን ናይ ባሪ ህየንተ መንግስቲ ማሪሊሳ ማኞን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ብቐጥታ ናብ ቅዱስ ኒኮላስ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ብምኻድ ካብቲ ከባቢ ፒሊያ ምስ ዝመጹ ፓትሪያርካት ብሓባር መደብ ምእንቲ ሰላም ከዕርጉ እዮም።

ጸሎት ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት ትሩፋት ቅዱስ ኒኮላ

ንሰዓት ትሽዓተ ርብዒ ጐደል ብሓባር ምስ ፓትሪያርካት ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት ትሩፋት ቅዱስ ኒኮላ ጸሎት ከዕርጉን ሰዓት ትሽዓተን ርብዕን ኣብ ባሪ ሉንጎ ማረ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ጐደና ናብ ዝርከብ ሮቶንዳ ክነቕሉን ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ናይ ሓባር ጸሎት ክፍጸሙ እዮም።

ድሕሪ ፍጻሜ እዚ ናይ ጸሎት መደብ ናብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ተመሊሶም ልክዕ ሰዓት 11.00 ዕጹው ናይ ሓባር ዘተ ኣካይዶም ሰዓት ሓደን ፈረቓን ንምሳሕ ናብ ናይ ባሪ መንበረ ሊቀ ጳጳሳት ክኸዱን ሰዓት 15.30 ምስ ፓትሪያካት ናይ ስንብታ ርክብ ኣካይዶም ሰዓት ኣርባዕተ ናብ ሄሊኮፕተር ቅድሚ ምድያቦም ብናይ ፑሊያን ባሪን ናይ መንግስትን ከባብያዊ ምሕደራ ኣካላት ናይ ስንብታ ሰላምታ ተለዋዊጦም ኣብ ባሪ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዛዚሞም ስዓት ሓሙሽተን ርብዕን ሃገረ ቫቲካን መዓርፎ ሄሊኰፕተር ክኣትው ምዃኖም ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.