2018-06-08 16:49:00

ብንግድ ሰብ ናይ ዝሳቐዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣውያት ሕቶ ሓገዝ ዝሰምዑ ንዅን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ሰነ 2018 ዓ.ም. ጸረ ንግድ ሰብ ብዝብል መርሕ ቃል ዝበዓል መዓልቲ ሕይወት ምኽንያት ንናይ እንግልጣርን ወይለስን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ፥ ብንግድ ሰብ ናይ ዝሳቐዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘስምዕዎ ኣውያት ሕቶ ሓገዝ ዝሰምዑ ንዅን ዝብል ሓሳብ ዘማእከል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ እንግልጣርን ወይለስን በቢ ዓመቱ ዕለት 17 ሰነ ዝበዓል መዓልቲ ሕይወት ምኽንያት ናይ ለምዘበን መዓልቲ ሕይወት 2018 ዓ.ም.  ኣብ ምቅዋምን ምውጋድን ንግድ ሰብ ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዘብዕሎ ምዃን ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ሕይወት ሰብ ትርጉሙን ክብሩን ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ዘይንክን ዘይቀያየርን ምዃኑ ኣርጊጾም ብምምልካት፥

ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደገይና ንግድ ሰብ የዕንትና ኣይንዕጸው

ኣብ መልእኽቶም ናብ መሓሪ እግዚኣብሔር ጸሎት ብምቕራብ፡ ብኣማላድነት እታ ሓላዊት ብንግድ ሰብ ንዝሳቐዩን ብእዋናዊ ሓድሽ ዓይነት ጊልያነት ዝተተቕዑን ቅድስቲ ጆሰፊነ ባኪታ፥ እቶም ብሓድሽ ጊልያነት ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሕትናን ካብ ምቑሕ ጊልያነት ክላቐቑ፡ ዝተኣሰሩሉ ሰንሰለት ንኽብተኽ ንጸልይ፡  እቶም በዚ ንግድ ሰብን ተግባራቱን ዝሳቐዩን፡ ካብዚ ጸረ ስብኣዊ መቑሕ ንዝላቐቑን ምጽንናዕ ካብ ምሕረት እግዚኣብሔር ክረኽቡ ተማልድ፡ ኣንሕና እውን ናይዞም ኣሕዋትናን ኣሕትናን ስቓይ ዝርእይ የዕንቲ ክህልወናን ናይቶም ክብሮምን ነጻነቶም ዝተጋህሱ ዘቕርብዎ ናይ ሓገዝ ኣውያት ዝሰምዑ ንዅንከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ቆላሕታና ነድኻታትን ነቶም ብእዋናዊ ሓድሽ ዓይነት ጊልያነት ንዝሳቐዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም እታ “Gaudete et Exsultate-ተፈስሁ ወተሃሰዩ  ዘረእስታ ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን እተብርህን እትጣብቕን ሓዋርያዊት ምዕዳኖም ጠቒሶም፡ ገና ናይ ዘይተወልደ ሕይወት ክብሪ ብግልጽን ብትረትን ክረጋገጽ ኣለዎ፡ ስለምታይ ሕይወት ወትሩ ዝተባርከ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ድኻታትን ናይቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ዝተናዕቁን ክንክን ጥዕና ዝተሓርሞምን ብዝተፈላለየ ዓይነት ግብረ ጊልያነት ናይ ዝሳቐዩን ብሓፈሻኡ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ሕዳገት ናይ ዝርከቡ ኣሕዋት ሕይወት እውን ብማዕሬኡ ዝተባርከ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ ኣስዒበን፥

ጸረ ንግድ ሰብ ዝዓዪ ጉጅለ ቅድስቲ ማርታ

ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ጸረ ንግድ ሰብን ሓድሽ እዋናዊ ጊልያነትን ኣብ ዝብል መደብ ዝንቀሳቐስን ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለዩ ንኽብሪ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተጸሚዱ ዝተፈላለዩ መደባት ዘነቓቕሕን ዘሳልጥን ክኸውን እንከሎ፡ ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኵላስ እውን ናይቲ ምስ ዓለም ሓቆፍ ሓይሊ ጸጥታ ላዕለዎት ኣዘዝትን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን መንፈሳውያን ማሕበራት ዝሓቁፍ ብጠቕላላ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ዝዓዪ ጉጅለ ቅድስቲ ማርታ ኣቦ መንበር እውን ምዃኖም ኣዘኻኺረን፡ እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተረኽብሉ መድረኽ ዝተመስረተን ድሮ ኣብ 30 ሃገራት ጨንፈር ዘቖመ ኰይኑ www.santamartagroup.com ዝብል ወግዓዊ ኣድራሻ መርበብ ሓበሬታ እውን ከምዘለዎ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.