2018-06-06 16:42:00

ክሪስቲያን ክራይገር ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድሽ ኣቦ መንበር


መጋቤ ክርስቲያን ክራይገር ካብ ዕለት 4 ሰነ 2018 ዓ.ም. ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድሽ ኣቦ መንበር ኽዀኑ እቲ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ሰርቢያ ከተማ ኖቪ ሳድ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ከምዝወሰነን ምኽትሎም ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣብ ሽወደንን መላእ ስካንዲናቪያን መጥሮፖሊታ የኔታ ክለኦፓስ ስትሮንግይሊስን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እንግልጣር ጳጳስ ብፁዕቲ ኣቡን ኩልናር ፍራንሲስ ደህቃኒ ከምዝሓረየ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተን ርክብን ናይዚ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ሓድሽ ላዕለዋይ ምሕደራ ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ ከምዝዓዪ ናይቲ ጉባኤ ሓድሽ ኣቦ መንበር ክቡር መጋቤ ክራይገር ከምዝገለጹን፡ ማሕበራዊ መዳይን ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላውን ጸኣት ስደተይናታትን ዝብሉ ጉዳያት እውን ናይ ኣገልግሎቱ ቀንዲ ዝክረ ነገር ምዃኑ ከምዘብርሁ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣልሳዚያን ሎረናን  ናይ ሕዳሴ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ኣቦ መንበርን ኣብ ፈረንሳ ናይ መላእ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን ምኽትል ኣቦ መንበር መጋቤ ክርስቲያን ክራይገር ናይ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉብኤ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዝተሓርዩ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ምሕደራ

ስምረትን/ሓድነትን ኣብ መዳይ ጸዓት ስደተይናታት ህርኩት ኣገልግሎትን

ከም ኣካለ ክርስቶስ ንብሉጽ መጻእን ንብሉጽ መጻኢ ኤውሮጳን ብፍላይ ንናይ መንእሰይ ብሉጽ መጻኢ፡ ናብ ሓድነት ብምምራሕ ስምረት ክረጋገጽን ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዘተኰሩ ጉዳያት ብቐዳምነት ከምዝዓዪ ምኽትል ኣቦ መንበር የኔታ ክለኦፓስ ስትሮንግይሊስን ብፅዕቲ ኣቡነ ኩልናር ፍራንሲስ ክደሃቃኒ ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.