2018-06-05 16:02:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ደጋውነትን ሓቅን ተስፋን ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ንጋዜጠይናታት


ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ ምግጣምን ከምኡ እውን ዝረአይ ዘሎ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ለውጥታትን ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ጋዜጠይናነት ዘጋጥሞ ብድሆታትን ዝቐርበሉ ጠለባትን ብዙሕ እውን እተዀነ ካብቲ ንሓድሽ ወለዶ ምሕናጽ ካብ ዝብል ሓላፍነቱ ከንሳሕብ የብሉን ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ርሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዓለም ሓቆፍ ናይ ምሩጽ ጋዜጠይና ሸላሚ ቢያጆ ኣኘስ ማሕበር ልኡካን ጋዜጠይናታት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠና ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎ ዜና ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ደጋውም ሓቅን ተስፋን ዝብል ቃላት ትንታነ ዘማእከለ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ሓበሬታ ዘቕርብ ይሓንጽ

ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ለውጢ ቅርጽታት ዝርጋሔ ሓበሬታን ሓበሬታ ዝጥቀመሉ ቋንቋን ኣገግሎት ዝርጋሔ ወይ ፈነወ ሓበሬታ ዘለዎ ናይ ምሕናጽ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ከምዝግብኦ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይሴባሕ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቶም ተወኪሶም እንከተሓሳስቡ፥  

ዝሓለፉ ጥበባውያን ሎሚ እንተዝህልዉ ኣብ ውሽጢ እቲ ፋሕ ዝብለን ዝበታትን ጫውጫውታ ጥራሕ ዝዀነ ፈነወ ሓበሬታ ጥበቦም ናይ ምዕፋን ሓደጋ ከምዘጋጥሞ መስተውዓሉ ነይሮም። ካብዚ ንምድሓን ህልው ዝዀነ ምንም ዓይነት ናይ ሓኪም ትእዛዝ የለን፡ ኰይኑ ግና ወሰናስን ደጋውነትን ሓቅን ተስፋን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ከተኵር እፈቱ፥

ደጋውነት

ናይቶም ኣብ ደጋውነት ዝነብሩ ኣብ ርሑቕን ራሕቕን ደጋውን ዘለዉ ታሪኽ፡ ገለ ገለ እዋን ታሪኽ ስቓይን ውርደትን መከራን ገለ ገለ እዋን እውን ናይ ምትሕብባርን ምቅርራብን ምትሕልላይን ታሪኽ ብኣግራሞት እንርእዮ ጭቡጥ ታሪኽ ኣሎ፡

ሓቅነት

ሎሚ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብዚ ኩሉ ሕጹጽን ቅጽበታውን ፈጣንን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ካብ ምጉዳእ ትም ምባል ስቕታ ዝመረጸሉን ወይ ሓደ ኵነት ንምንሻውን ኢኣምክንዮኣውን ገርካ ንምቕራብ ኣብ ዝጐዪ ዓለም ዓሚዩቕ ድልይን መጽናዕትን ምርመራን ምንጽጻርን ክሳብ ክንደይ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ተግባር ምዃኑ የገንዝብ፡ ስለዚህ እዚ ኸኣ ተበዓትን ነቢያትን ንምዃን ይዕድም፡

ተስፋ

ብዛዕባ ደጋዊ ዓለም ብትኽክል ከይስትውዓል ዘደናግር መሓልሞኣዊ ሓሳብ ዝህብ ዓይነት ኣገላልጻ ብሓፈሻኡ ጸገም ዘይብሉ ዓለም ኣምሲልካ ምቕራብ ምድንጋር እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ ብዛዕባ ደጋውነት ክትዛረብን ከተዘንትውን ክትሕብርን እንከለኻን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ውርደትን ሓሳርን መከራን ቀቢጸ ተስፋነትን ምቅላዕን ምኹናንን ናይ ተስፋ ቦታ ምኽፋት እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ሓደ ጋዜጠይና ናይ መዋጽኦን ናይ ትርጉምን ናይ ተስፋን ክፉት ንምግባር ዝተጸውዔ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ካምፓኒለ ኣስዒበን፥

ምሉእ - ሓበሬታ

ቅዱስነቶም ነቲ ነፍሰ ሄር ጋዜጠይና ኣኘዝ፥ ስነ ሕክምናውን ስነ ምርምራውን ዝምልከት ፈነወ ሓበሬታ ስነ ሕክምናን ስነ ምርምርን ኣዕሙይቕካ ምጽናዕን ምምርማን ከምዘድሊ ዘመላኽት እምበር ብይቀራረብ ዓይነት ኣሰራርሓ ዝፍነው ሓበሬታ ክኸውን ኣይግብኦን፡ ኣብ ዝብል ዕላማ ኣሞርኵይዞም ኣብ ምስፋሕ ሓበሬታ ዛዕባ ስነ ምርምራዊ ከይድታት ብዙሕ ዘገልገሉ ጠቒሶም፡ ሓበሬታ ስነ ምርምራዊ ድዩ ማሕበራዊ ይኹን ኣብ ሓቂ ተመርኵይዙ ነገራት ኵሉ ዘይሓባብእ ቆናጺቡ ኣብ ውልቃዊ ፖለቲካዊ ድዩ ኤኮኖሚይዊ ወይ ከኣ ርእዮተ ዓለማዊ ረብሓ እንከየማዕደወ ምሉእ ሓበሬታ ዘቕርብ ክኸውን ከምዝግብኦ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ተወኪሶም ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.