2018-06-02 15:56:00

ናይ ዕለት 2 ሰነ 2018 ዓ.ም. መርሓ ፍጻሜታት ቅዱስ ኣቦና


ሎሚ ዕለት 2 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝነበሮም መርሓ ዝክረ ነገር ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ንናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ሰዓት ዓሰርተን ፍረቓን ከኣ ኣብ ፖርቱጋል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ኖቫ ዘቸሳረ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፓሲጋቶ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ናይ ማስትሪኽ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ኒካራጉዋይ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ስታኒስካው ሶመርታግን ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ፈረቓን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ቦስኒያን ኤርዘጎቪናን ልኡኽ መንግስቲ ዝነበራ ናይ ተልእኾ ዘመነን ኣብቅዔን ንሃገረን ንዝምለሳ ዘለዋ ልኡከ መንግስቲ ስላቪቻ ካራቺክ ንስንብታ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ቀጺሎም እውን ንፍርቂ መዓልቲ ሰላሳን ሓሙሽተን ደቓይቕ ጐደል ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ፕሮፈሰር ሉውጂኖ ብሩኒ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ኢጣሊያ ሕማም ልምሰት መትኒ ጅማውቲ ንምጥፋእ ዝዓዪ ብሔራዊ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ኣፍሊጡ።

ሎሚ ዕለት 02 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትዊተር ብእተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex - ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ኣብ ጸሎት ነቲ ዝጸውዓካ ጐይታኻ ድለዮ  ዝብል መዓልታዊ መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ንሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.