2018-06-01 18:42:00

ሠይጣናሲ ክብርኻ ኣዕንዩ ጥሜትን ባርነትን እዩ ዘምጸአልካ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዘመንና ኣጋጢሙ ዘሎ ስደት ክርስትያንን ናይ ኩሎም ደቀሰባትን ብሰንኪ ባህላዊ ዕብለላ ዝስዕብ ካብ ዲያብሎስ ዝመንጨወ ውግእን ጥሜትን ባርነትን ዘኸተሎ ምዃኑ ገሊጾም፣

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ 1 መልእኽቲ ጴጥሮስ 4 ዝተወስደ ኮይኑ “ናይ ኲሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ፣ ስለዚ ጸሊኹም ምእንቲ ኽትክእሉ፣ ገዛእ ርእሶም ዝገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ። ፍቕሪ ብዙሕ ኃጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቕድሚ ዂሉ ንሓድሕድኩም ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ። ብዘይ ምዕዝምዛም ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ። ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህበት ጸጋ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። . . . ኦ ፍቑራተይ ናይ ስደት ባርዕ እንተተላዕለኩም ከምዚ ሓዲስ ነጠባ ዝወረደኩም ጌርኩም ኣይትገረሙ እዚ ንምፍታንኩ ዝመጸ እዩ፣ ኣብ ስቅያት ክርስቶስ መጠን ዝተኻፈልኩምዎ መጠኑ ደስ ይበልኩም፣ ከመይ ብኽብሩ ኪግለጽ እንከሎ ክትሕጐሱን ክትሰራሰሩን ኢኻትኩም፣ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ምስ እትዋረዱ ዕውታት ኢኻትኩም ከመይ መንፈስ ክብርን መንፈስ እግዚብሄርን ሓዲሩኩም ኣሎ ማለት እዩ፣ ካባኻትኩም ነፍሲ ቀቲሉ ወይ ሰሪቑ ወይ ክፍኣተ ነገር ሠሪሑ ወይ ኣብ ሥራሕ ካልኦት ጣልቃ ኣትዩ ሓደ’ኳ ሓሳረ መከራ ኣይጽገብ፣ ግና ሓደ ሰብ ክርስትያን ብምዃኑ ስቃይ እንተተቀበለ ንእግዚብሔር ደኣ በዚ ስም እዚ የመስግኖ ኣምበር ኣይሕፈር” ዝብል ስለዝነበረ ቅዱስነቶም ኣብታ ስደት ትብል ቃል ኣትኲሮም፣ ‘ሎሚ ከም ሎሚ ዓበይቲ ናይ ስደት ድራማታት ንከታተል ኣሎና፣ እዚ ስደት እዚ ተጻይ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ተጻይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ዘመና ብኣልማማ ናይ ባርነት ዓለም ክንብሎ እንኽእል ዘመን ንርኢ ኣሎና፣ እግዚአብሔር ነዚ ንክንቃለስ ጸጋ ይህበና ብቲ ኣባና ዝርከብ መልክዕን ኣምሳልን እግዚብሔር ዝኾነ ሓይሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንቃለስ ከኣ ይሓተና፣

‘ስደትከስ ክርስትያን ዘቦኡ ዝነብረሉ ኩነት ኮይኑ ሎሚ እውን ከም ክርስቶስ ስለፍቅሩ ዝስውዑ ብዙሓት ክርስትያን ኣለው፣ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ክርስትያን ምንም ሰብኣዊ መሰል የብሎምን፣ ማዕተብ ኣብ ክሳድካ እንተገርካ ናብ ቤት ማእሰርቲ ትድርበ፣ ወረ ገሊኦም ክርስትያን ብምዃኖም ጥራይ ንሞት ዝተፈርዱ ኣለው፣ ሕጂ ሎሚ እየ ዝብለኩም ዘሎኹ፣ ሎሚ ከም ሎሚ ደጋጊመ ከምዝበልኵዎ ካብቶም ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ናይ ክርስትና ዝሞቱ ሰማዕታት ንላዕሊ ስለክርስቶስ ብዙሓት ሰማዕትነት ይቅበሉ ኣለው። ኮይኑ ግን ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እውን ብዘይ ምኽንያት ብጽልእን ባርነትን ውግእን ይቅተሉ ኣለው፣ እዚ ዘመልክቶ ከኣ ክንዮ ክርስትና ነቲ ብኣምሳልን መልክዕን እግዚብሔር ናይ ዝተፈጥረ ክቡር ወዲሰብ ጽልኢ ኣሎ ማለት እዩ፣

‘ድሕሪ መጋረጃ ዝኾነ ስደትከስ ናይ ክርስትያን ይኹን ዘይክርስትያን ጸላኤ ሠናያት ከምዘሎን ብቀዳሞት ንእምነት ክርስቶስ ክድምስስ ድሕሪ ከኣ ነቲ መልክዕን ግርማን እግዚብሔር ሒዙ ዝጐዓዝ ወዲሰብ ከጥፍእ ዲያብሎስ ተዓጢቁ ይዋጋእ ከምዘሎ ግሉጽ እዩ፣ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት እንተተመልከትና ዲያብሎስ ካብ ጥንቲ ንሰብ ከጥፍእ ነቲ ኣብ ገነት ኤዶም ዝነበረ ሰላም ክዘርግ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚብሔርን ኣዳምን ሔዋንን ዝነበረ ውህደት ንምዕናው እዩ ይቃለስ ነሩ፣ ንሔዋን ኣጠፋፊኡ ከኣ ቀዳማይ ስጉምቲ ክዕወት ክኢሉ፣  ወትሩ ከኣ ነዛ ናይ ምጥፍፋእ መጋበሪቱ ተጠቂሙ ንጥፍኣት ወዲሰብ ይቃለስ ኣሎ፣ እዚ ንኩሉ ኣልማማ ዘጥፍእ ዘሎ ኢፍትሓውነት ማለት ውግእስ ይኹን ጥሜት ባርነትስ ይኹን ዕብለላ ናይ ዲያብሎስ ሥራሕ ኮይኑ ብዝተፈላለየ መንገድታት እናኣስወሮ ንጥፍኣት ወዲሰብ ይሰርሕ ኣሎ፣ ናይ ሎሚ ሰብዓ ዓመት ብ1948ዓምፈ ኩሉ ወዲሰብ ማዕረ ከምዝኾነን መሰሉ ሕልው ከምዝኾነን ዝገልጽ ንዝኾነ ዓይነት ባርነትን ዓመጽን ዘወገዝ ኣዋጅ እኳ እንተተኣወጀ ሎሚ ከም ሎሚ ነዚ ኩሉ ዘዕኑን ናብ ባርነትን ጭቆናን ክትነግሮ ዘስገድግድ ሥቃይን ይወርድ ኣሎ፣

‘ኣብ መወዳእታ እስከ ብዛዕባ እቲ ናይ ደቂሰባት ናይ ዕንወትን ህልቂትን ምኽንያት ዝኾነ ውግእ ንሕሰብ፣ እዚ ነቲ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚብሔር ንዝተፈጥረ ክቡር ወዲሰብ ዘጥፍእ ዘሎ ውግእ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ዘይኮነስ ኣብቶም ክንዮ መጋረጃ ኮይኖም ነቲ ውግእ ዝሕንጽጹን ንዕንወት ዝኸውን መጋበሪ ውግእ ኣጽዋር ንከፍርዩን ክነግዱን ላዕልን ታሕትን ዝብሉን ክንምልከት የገድደና፣

ምናልባት ሓደ ካባኹም ኣባቴ ነቶም ክርስትያን ሓራይ ብሰንኪ ክርስትና ንበል ነቶም ዘይክርስትያን ክንዛረበሎምዶ ይከኣል ክብል ይኽእል ኣነ ኸኣ እወ ከመይ እዚኦም ብኣምሳልን መልክዕን እግዚብሔር ዝተፈጥሩ ከማና ደቂሰባት እዮም፣ ነዚ ኩሉ ዝገብር ከኣ እቲ ጥንተ ጸላኢና ዝኾነ ጸላኤ ሠናያት ዲያብሎስ ኣዩ፣ ቀንዲ ውግኡ ነቲ መልክዕ እግዚብሔር ንምጥፋእ እዩ፣ ነዚ ንምርዳእ ቀሊል ኣይኮነን ንክንርደኦ ብዙሕ ጸሎት የድልየና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.