2018-05-29 15:42:00

ከተማ ኦስትያን ብድላይ ናጽነትን ሓሴትን ተሰንያ ቅዱስ ኣቦና ንምእንጋድ ትቀራረብ


ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦስቲያ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልውን ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ሰነ 2018 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ዓመታዊ በዓል ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚእነ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ኣብታ ከተማ ሓውጾተ ኖልዎን ከካይዱ ከምዝዀኑን ምእመናን ኦስቲያ ቅዱስነቶም ንምእንጋድ ይቀራረብ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ከተማ ኦስቲያ ብውዕውዕ ስምዒት ቅዱስ ኣቦና ንኸተእንግድ ብዓብይ ሃንቀውታ ትጽበይ

ሰንበት ዕለት 3 ሰነ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚእነ ምኽንያት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦስቲያ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶምን መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረግሉን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ከተማ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱን ዓቢይ በዓል ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚኣነ ኣብ ሰበኻ ኦስቲያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኦስቲያ ዝተሓላለኸ ማሕበራዊ ኩነት ዝረኣየላ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝንቀሳቐሱላን በዞም ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ብዙሕ ዝደመየት ከተማ ምዃና ዝፍለጥ ኰይኑ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ንሕዝብን ከተማ ኦስቲያን ብሓድሽ መንፈስ ናብ ሰናይ ግብርን ፍትሕን ሰላምን ዘነቓቕሕ ምዃኑ ድሮ ናይታ ከተማ ሕዝብን ምእመናን ብዓቢይ ሓጐስን ሓንቀውታን ቅዱስነቶም ንምእንጋድ ይቀራረብ ከምዘሎን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ሞኒካ መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ምዕራጐም ክሳብ ቁምስና ቅድስቲ ቦናሪያ ብቕዱስ ቁርባን ኣብ ዝምራሕ መንፈሳዊ ዑደት ክሳተፉ ምዃኖም ጂሶቲ ሓቢሮም፥

ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኦስቲያ፡ ትእምርቲ ቅርበትን ፍቕርን እዩ

ኣብ ኦስቲያ ናይ ቅድስቲ ሞኒካ ቁምስና ቆሞስ የኔታ ጆቫኒ ፋልቦ ይብሉ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኦስቲያ ንኦስቲያ ዘለዎም ቅርበን ፍቕርን ዝምስክር እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ኦስቲያ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዝረአይ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ገበን ክነየው ኣብታ ከተማ ዘሎ እወታዊ ጐድኒ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎቃለ ምሕትት ገሊጾም፥ ኣብታ ቁምስና ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 9 ግንቦት 1983 ዓ.ም. ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ኣብ ቅርዓት ናይታ ቁምስና መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ከምዘዕረጉ ዘኪሮም፡ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክትብጻሕ ጸጋ እዩ ኢሎም።

ዓቢይ ምትእስሳር ኣብ መንጐ ቁምስና ቅድስቲ ሞኒካን ጳውሎ ሻድሻይን

ሕዝቢ ኦስቲያ ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኽራኸቡ ዓቢይ ሃረርታ ከምዘለዎም ዘይከሓድ እዩ ይዅን ደኣ እምበር ቅዱስ ኣቦና ሓደራ ዝብልዎ  ኣብቲ ዕለት 3 ሰነ ብላቲን ስርዓት ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚእነ ክትኰር ዝብል ምዃኑ ዝገለጽ ናይ ቅድስቲ ሞኒካ ሰበኻ ቆሞስ 74 ዓመት ዝዕድሜኦም የኔታ ፋልቦ ኣስዒቦም፡ ዕለት 3 ሰነ 1964 ዓ.ም. ኦስቲያን ሓውጾተ ኖልዎ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተዓደለት ምንባራን፡ እታ ዕለት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ ቁርባን እተብዕለሉ ዕለት እውን ምንባሩ ዘኪሮም ኣብቲ እዋን እዩ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ቅድስቲ ሞኒካ ቁምስና ሕንጸት ባሪኾም ናይ መጀመሪያ መሰረተ እምን ከምዘንበሩ እውን ዘኪሮም፡ ስለዚህ እታ ዝተሓንጸት ቁምስና ምስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓቢይ ምትእስሳር ዘለዋ እያ፡ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ሞኒካ ደጋዊ ገጽ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ትእምርቲ ከምእተነበረ የመልክቱ።

ዓመታዊ በዓል ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚኣነ ስም ቅዱስ ኣቦና ንኦስቲያን ሕዝብን ንሕዳሴ ዘተባብዕ እዩ

ብርግጽ ካብ ቀረባ እዋን ኦስቲያ ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር መራኸቢ ብዙሓን ማእከል ኰይና ትርከብ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጸረ ሰብኣዊ ተባርን ምኽንያት ምዃኑ ኣባል ቁምስና ቅድስቲ ሞኒካ ሮዛ ሚሊታኖ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፡ እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ቁርባን ብምዃኑ ብሓቂ ኦስቲያን ተቐማጦ ኦስቲያን ንለውጥን ሕዳሴ ዘነቓቕሕን ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ክተግህ ዝድርኽ ሰናይን ቅዱስን ኩነት እዩ ኢለን።

ኣብታ ቍምስና ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ማውሮ ኮላንቱዎኒ እውን ብወገኖም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኦስቲያን ንኦስትያን ተቐማጦ ዓቢይ ጸጋ እዩ ኩሉ ብሓድሽ መንፈስ ተለዊጡ መገዲ ሓቅን ፍትህን ሰላምን ከበግስ ዝድርኽ እዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.