2018-05-29 15:45:00

ኣብ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ እደ ኣታውነት ባዕዳውያን ክውገድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ጻውዒት የቕርቡ


ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣባላት ኣብ ናይ ሓባር መርሓ ግብሪ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሮም መዕለቢ ዘይረኸበ ቅልውላው ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዝረአይ ዘሎ ባዕዳውያን ሓይልታት ዝፍጽምዎ ኢደ ኣታውነት ክውገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ዕለት 1 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ክፍለ ከተማ ባንጉይ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ፡ ኣባ ኣልበርት ቱንጉማላ ባባን ካልኦት ልዕሊ 20 ዝግመቱ ናይታ ቍምስና ኣባላት ከምእተቐትሉ ዘዘኻኸረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገግሎት ኣስዒቡ፥ እቲ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላው ካብ ጉድለት ብቕዓት ምሕደራን ምግባረ ብልሽውናን ዘይምዕሩይ ምክፋል ሃብቲ ሃገርን ኣማራጺ ፖሊቲካ ካብ ምንጻግን ካብ ዝሰፍሕ ዘሎ ድኽነትን ሓሳርን መከራን ዘይምርግጋእን ስንኩፍ ኩነት መንግስታውያን መዋቕራትን ዝነቐለ ጥራሕ ዘይኰነስ ኢደ ኣታውንት ባዕዳውያን ሓልታት እውን ጥብቂ ከምዝዀኑን ናይታ ሃገር ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንውልቃዊ ረብሓ ንምውዓል ዝኣለመ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘጓሃህርዎን ሃገር ንምግምማዕ ናይ ዝሓቀነ እከይ ተግባራቶም እውን ዝንቅሎ ምዃኑ ናይ ባንጕይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዲውዶነ ንዛፓላኢንጋ ከምዝሓበሩ የመልክት።

እቲ ዘሎ ቅልቅላው ናይዚ ኵሉ ወጽኢት ክነሱ ዓሌታውን ሃይማኖታውን መንቀሊ ከምዘለዎ ገርካ ምቕራብን ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ቤተ እስላምን ዝካየድ ግጭት እዩ ቢልካ ምግለጹ፡ ነቲ ዘሎ ውጥረት ብዅለ መዳዩ ክሰፍሕ ምቱኽታኽ እዩ ዝኸውን፡ ካብ ጫድን ሱዳንን ዝመጹ ዕሱባት ብብዝሒ ዝተዋፈረሉ ዕግርግር እውን ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ዓይነት ኢደ ኣታውነት ከኣ ነቲ ዓመጽን ግጭትን ኣዚዩ ክተሓላለኽ ይገብሮ ኣሎ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ እውን እቲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተባሪዑ ዘሎ ዕግርግር፡ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንምውናን ዝኣለመ ምዃኑ ገሊጾም፡ ናይቲ ቅልውላው ኣናስር ፖሊቲካዊ እምበር ሃይማታዊ ኣይኰነን፡ ካብቲ ግጭትን ዕግርግርን ንምልቓቕ ብፍላይ መንእሰያት ሃማኖትም ዓሌትን ዘማእከለ ናብ ውጥረት ዝመርሕ መገዲ ከይስዕቡን ናይ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይሊ መጋበሪያ ከይኰኑ ሓደራ ከምዝበሉ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.