2018-05-26 16:25:00

ናይ ቀዳም ዕለት 26 ግንቦት 2018 ዓ.ም. መርሓ ፍጻሜታት ቅዱስ ኣቦና


ሎሚ ዕለት 26 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትዊተር ብእተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex - ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ወንጌል ብዙሕ ግዜ ዕንቅፋት ንዝዀነ ሕይወት እዩ ዝጽውዓና፡ ስለምታይ ኢየሱስ ዝስዕብ ድኻታትን ዝተናዕቁን ትሑታት ስለ ዘፍቅር ዝብል መዓልታዊ መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ንሕብር፡

ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን

ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ኣሊፈን ካያዞን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቫለንቲኖ ዲ ቸርቦ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን

ሰዓት ዓሰርተ ናይ Opus Dei-ዕዮ እግዚኣብሔር ማሕበር ርእሰ ምሕደራ ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ኦካሪዝ ብራኛን ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን ኣብ ጀርመን ናይ በርሊን ከተማ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ኣመሓዳሪ ከተማ ሚካኤል ሚዩለርን ሰዓት 11 ኣብ ፐሩ ብናይ ሰበኻ ሁዋንካዮ ጳጳስ ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፐድሮ ሪካርዶ ባረሎ ኺመኖን ናይ ሰበኻ ቺክላዮ ጳጳስን ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ካልኣይ ምኽትል ኣቦመንበር ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስትን ናይዚ ብፁዓን ጳጳሳት ጉብኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ሰበኻ ቾሲካ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኖርበርት ክለመንስ ስትሮትማን ሆፐ ምስ ዝተሰነዩ ናይ ትሩኺዮ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስና ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሀክቶር ሚገል ካባረኾስ ቪዳርተን ተቐቢሎም ምስ ኣዘራረቡ፡ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ፈረቓን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብቲ ማሕበር ምእተ ዓመት ደጋፊ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ 500 ተጋባእያን ተቐቢሎም ምርሕ ቃል ለጊሶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.