2018-05-26 16:40:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ቤት ትምህርቲ ናይ ምርኻብን ዕብየትን ሕንጸት ዓውዲ ይኹን


ዓርቢ ዘምሕረት፥ ቅዱስ ኣቦና ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከባቢ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኤሊዛ ስካላ እተሰምየ ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ተመሃሮም መሃራንን ብጠቕላላ ምስ ሰራሕተይናታት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተራኽቦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ምሕረት መቓን ዝሳዃዕ ወትሩ ዓርቢ ብዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ መደብ ዓርቢ ዘምሕረት ምኽንያት ብጀካ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮም ኣብ ቤት ትህርቲ ኤሊዛ ስካላ ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ተሰንዮም ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ናይ መጻእነት ቀንደይና ተዋሰእቲ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ቀጽሪ ምስ በጽሑ ተመሃሮን ሰራሕተይናታትን መምሃራንን ቤት ትምህርቲ ኤሊዛ ስካላ ንደገ ብምውጻእ ሓጐስ ብዝገልጽ ድሙቕ ኣቀባብላ ምስ ገበሩሎም፡ እቲ ምብጻሕ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ዝተሓስበ እውን እንተነበረ ተመሃሮን ወለዳቶምን ብዛዕባ እዚ ምብጻሕ ከይተነገሮም ስለ ዝጸንሔ ድማ ነቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ከም ዓቢይ ህያብ ከምእተቐበልዎን ኣዚዩ ምኽንያት ሓሴት እውን ከዝኾኖምን፡ ኣብ ቃለ ምዕዳኖም እውን ኣባይቲ ትምህርትን ተመሃሮን ናይ መጻኢ ቀንደይና ተዋሳእቲ ምዃኖም ከምዘተሓሳሰቡ ናይቲ ቤት ትምህርቲ መርሓ ስነ ትምህርቲ ሓላፊት መምህር ክላውዲያ ጀንቲሊ ምስ ቫቲካን ንውስ ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ።

ቤት ትምህርቲ ናይ መራኸብን ዕብየትን ሕንጸትን ዓውዲ

ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት ናይ ወንጌል ሓሴት እዩ፡ ወንጌል ናብ ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ብሓፈሻዊ ናብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ሕልውናን  ትስብእታውነት ምንባር ዝብል እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ እውን፡ ቤት ትምህርቲ ነቶም ኣብ ወሰናስን ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ንዝነብሩ ዜጋታት ፍሉይ ናይ መራኸብን ምዕባለን ሕንጸት ዓውዲ እዩ፡ እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ነዚ ብጽንዓት ዘመላኸተን ዘተባብዕን እውን ምዃኑ የመልክታ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ 2015 ዓ.ም. ጀሚሩ ምስ ታሪኽ ሕይወት ሕጻን ኤሊዛ ስካላ ዝተኣሳሰረን፡ ኤሊዛ ኣብ 11 ዓመት ዕድመኣ ብህማም መንሽሮ ደም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየት ተመሃሪት ናይ ቤት ትምህርቲ እያ ዝነበረት። ኣፍቃሪት መጽሓፍ ብዙሕ ምንባብ እተፈትው ኣብነታዊት ሕጻን እያ ዝነበረት፡ ተመሃሮን ሕጻናትን ብሓፈሻኡ ኵሎም መንእሰያት መጽሓፍ ከፍቅሩን ከንብቡን ብስም ኤሊዛ ስሩዕ መደብ ጐስጓስ እውን ከምዝግበር ጀንቲሊ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ይገልጻ።








All the contents on this site are copyrighted ©.