2018-05-25 17:10:00

ጽባቔ ጽምዲ ሓዳር ኣምሳል እግዚብአብሔር ምዃኑ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸክሶስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለወንጌል ተመርኲሶም ‘ርግጽ እዩ ኣብ ሕይወት ሰብ ሓዳርን ቤተሰብን ጸገማት ኣሎ ኮይኑ ግን ናይ ቃልኪዳን ጽባኤ እውን ክንርኢ ክንክእል ኣሎና፣ ናይ እምነት ህይወት ይከኣል እዩ ኣይከኣልን እዩ ኣብ ዝብል ኣምር ክነውርዶ የብልናን፣ ልዕሊኡ እዩ’ እንክብሉ ኪዳናዊ ሕይወት ብእግዚብሔር ዝተተኽለ ጽኑዕ ጽንባሬ ኮይኑ ክሳብ መወዳእታ ክጸንዕ ዘለዎ ጸዋዕታ ምዃኑ ገሊጾም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ናይ ቅዱስ ማርቆስ 10 ዝተወስደ ኮይኑ ‘ኢየሱስ ካብኡ ተልዒሉ ናብ ምድሪ ይሁዳን ናብ ስግር ዮርዳኖስን ከደ። ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ከምቲ ልማዱውን እንደገአና መሀሮም። ፈሪሳውያን ናብኡ መጺኦም፡  ምእንቲ ኺፍትንዎ ‘ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓ ግቡእዶ እዩ፧ እናበሉ ሐተትዎ። ንሱ ኸአ፡ ‘ሙሴ እንታይ ድዩ ኣዚዙኩም ዘሎ፧’ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ሰብኣይ ናይ መፍትሒኣ ጽሑፍ ሂቡ ኬሰናብታ ሙሴ ፈቂዱ ኣሎ፡’ በልዎ። ኢየሱስ ግን፡ ‘ብሰንኪ ትሪ ልብኹም እዩ ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሐፈልኩም። ካብ መጀመርያ ፍጥረት እንከ እግዚአብሔር፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ንኖኡን ሐዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጽንበር። ክልቲኦም ከአ ሓደ ሥጋ ይዀኑ፡፡ ካብኡ ንደሓርከስ ሓደ ሥጋ ደአምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ስለዚ ነቲ እግዚአብሔር ዝጸንበሮ፡ ሰብ ኣይፍለዮ’ በሎም። ኣብ ቤት ከኣ አርድእቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንደገና ሐተትዎ። ንሱ ድማ፡ ‘እቲ ንሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብ ልዕሊኣይዝሙ። ንሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እትምርዖ ሰበይቲ ትዝሙ’ በሎም።’ ዝብል ነበረ።

ኣብቲ ቅዳሴ ሸውዓተ ጽምዲ ናይ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል ቃል ኪዳኖም ከምኡ እውን ናይ 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤል ቃል ኪዳን ዝዝክሩ ነሮም፣

ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ዘመልክቶ ብፈሪሳውያን ዝቀረበ ፈተነ ኢየሱስ እወ ይከኣል ወይውን ኣይፋል ኣይከኣልን ክብሎም ይጽበዩ ነሮም፣ ንጉዳይ ሃይማኖት ኣብ እወ ወይ ኣይፋል ዝብል ኣምር ኣውዲቆሞ ማለት እዩ፣

‘እዚኦም ሓተቲ ካብ ወልደእግዚብሔር ክሰምዖ ንዝደልይዎ ዓቢ እወ ወይ ዓቢ ኣይፋል ኣይሰማዕናን፣ እወ ይከኣል ኣይፋል ኣይከኣልን ኣይበለን፣ ኣብ ኣተሓሳስባ እዞም ሰባት እዚኦም ሕይወት ክርስቶስ ከም ፍቃድ እግዚብሔር ክኸውን ንዝነበሮ ናብ እወ ይከኣል ኣይፋል ኣይከኣልን ኣብ ዝብል ፈኲስ ስነሓሳብ የውርድዎ፣ ካብኦምሲ ያኢ ንግዜኡ ዝኸውን ሓጺር መልሲ እዮም ይጽበዩ ነሮም ኢየሱስ ግን ክንዮዚ ከይዱ ኣብ መጀመርያ ፍጥረት ይምለስ እሞ መርዓ ብእግዚብሔር ዝተፈጥረ ሠናይ ነገር ምዃኑ ይገልጸሎም፣ እግዚአብሔር ተባዕታይን ኣንስታይን ገሩ ከምዝፈጠሮም እሞ እቲ ሓደ ምስ ሓንቲ ተጸንቢሩ ሓደ ከምዝኾኑ ብምግላጽ ነታ ምፍታሕ ትብል ሕቶ ገዲፉ ብዛዕባ ጽባቄ ሓዳር ይምህሮም፣ ንሕናውን ከምዞም መማህራን ሕጊ ኣብ ይከኣልዶ ኣይከኣልን ኣብ ዝብል ሕቶ ደው ከይበልና ናብቲ ጽባቄኡ ክነተኩር ነቲ ኣዎንታዊ ጐድኒ ክንርኢ ክንክእል ኣሎና፣ ናይዚ ኣመለኻኽታ እዚ ጉድለት እዩ ኣብ ፍትሕን ሁከትን ዘእቱ’ ኢሎም፣

ቅዱስነቶም ኣብ ጒስነቶም ዘጋጠሞም ናይ 60 ዓመት ኪዳኖም ዘብዕሉ ንዝነበሩ ‘ሕጉሳት ዲኹም’ ቢሎም ምስ ሓተትዎም ዝሃብዎም መልሲ ኩነታትን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ ‘ነዛ ሕቶ ምስ ኣቅረብኩሎም እቶም ዝሸምገሉ ሰብኣይን በዓልቲ ቤቶምን ዓይኒ ንዓይኒ ተጠማሚቶም ከው ኢሎም ድሕሪ ምጽናሕ ንብዓት ንንብዓት ኮይኖም ‘ፍ

ቑራት ኢና ትኽ ትንፋስ ንፋቀር’ ኢሎምኒ፣

‘ርግጽ ጸገማት ኣሎ ምስ ውሉድን ኣብ መንጎ ተጸንበርትን ጸገማትን ክትዕን ባእስን ኣይሰኣንን ኮይኑ ግን ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ሓደ ሥጋ እንተኾንካ ዘይከኣል የሎን እሞ ኩሉ ክስገር እዩ፣ ምሥጢረ ተክሊል ነቶም ሰብ ኪዳን ጥራይ ዘይኮነ ንቤተክርስትያን እውን ከም ሰሓቢ ምሥጢር የገልግል፣ እዚ ኩሉ ፍቅሪ ዚከኣል ምዃኑ የመላኽት፣ እዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ ነቶም ተጻመድቲ ክሳብ መወዳእታ ሕይወቶም ብሓድነት ዘንብሮም፣ እዚ ሓድነት እዚ ኣብ ታሕጓስስ ይኹን ኣብ ጓሂ ኣብ ጸገማት ጽምድስ ይኹን ኣብ ጸገማት ውሉድ ከም ዕርዲ የገልግሎ። ስለዝኾነ ከኣ ወትሩ ንቅድሚት እዩ ዘገስግስ፣ እዚ ግስጋሰ እዚ ኣብ ጥዕናስ ይኹን ኣብ ግዜ ሕማም ዝቅጽል እዩ፣ ጽባቄ ሓዳር ከኣ እዚ እዩ፣ ከመይ ሰብኣይን ሰበይትን ብመልክዕን ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚአብሔር ስለዝተፈጥሩ ቃል ኪዳን ብዘይ ዘረባ ሓዲ ንካልኦት ከምዝውፈ ዘመልክት ምሥጢር እዩ፣

‘እቲ ዘሕዝን እዚ ሠናይ ዜና እዚ ኣብ ናይ ዕለታዊ ጋዜጣታትናስ ይኹን ኣብ ተለቪዥን ኣይርእዮን፣ እኳ ድኣ ብዘሕዝን መንገዲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝረኤስ ዕንቅፋትን ፍትሕን ምፍልላይን እዩ፣ ኮይኑ ግን ምስሊ እግዚብሔር ዜና ክኸውን ኣይንጽበን፣ እዝስ ይንበር ደኣ፣ እኳ ደኣ ብደስታ ይንበር እናስተማቀርካዮ ይንበር፣ ዜና ክርስትያንከስ እዚ እዩ፣ ኣብዚ ሕይወት እዚ ትዕግሥቲ ማእከላይ ቦታ ሒዛ ትርከብ ኣዝያ ኣገዳሲት እውን እያ፣ እግዚኣብሔር ነዚ ጽባቄ ኪዳን ንምርዳእ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.