2018-05-25 16:27:00

ናይ ዕለት 25 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርሓ ፍጻሜታት


ናይ ዕለት 25 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርሓ ፍጻሜታት

25 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትዊተር ብእተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex - ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ምፍቃር ንእግዚኣብሔርን ንብጻይናን ናይ ሕይወትና ክልተ ዓንዲ እያቶም ዝብል መዓልታዊ መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ንሕብር፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 25 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 10.30 ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ቡልጋሪያ መራሔ መንግስቲ ቦይኮ ቦሪሶቭ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ሰዓት 11.00 ኣብ ቦሊቪያ ናይ ሰበኻ ኤል ኣልቶ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤውጀኒዮ ስካርፐሊኒ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ሰዓት 11.15 ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ዝርከቡ ናይ ረፓብሊካዊት መቀዶኒያ መራሔ መንግስቲ ዞራን ዛኤቭ ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ፡ ልክዕ ፍርቂ ምዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብኣባይቲ ስድራኦም ዝተሰነዩ ናይ ሮማ ከተማ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ማእከላይ ናይ ክንክን ጥዕና ጉዳይ ዝከታተል ክፍሊ ሓይሊ ጸጥታ ኣዘዝትን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.