2018-05-25 16:37:00

ብፁዓን ጳጳሳት ኮንጐ፡ ኣብ ሰሜን ኪቩ ንምብትታን ዝድርኽ ዘሎ እዋናዊ ኩነት ኮኒኖም


ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዞባ ሰሜን ኪቩ ዝገማምምዕ ፖለቲካዊ ኣንፈት ይቐላቐል ምህላዉ ናይ ኣውራጃ ቡካቩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ብፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መግልጺ ይሕብር።

ኣብ ሰሜን ኪቩ ዝረአይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣንፈት ነቲ ዞባ ዝገማምዕን ካብ ዝርከበሉ ኣውራጃ ቡካቩ ዝንጽል ካብታ ሓድነታ ዘረጋገጸት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝፈላልይ ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ናይ ቡካቩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 14 ክሳብ ዕለት 20 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ጎማ ድሕሪ ዘካየዱ ሓፈሻዊ መደበይና ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘመልከተ ፊደስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ኣፍሊጡ።

ናይቲ ከባቢ መሬታዊ ኩነት

ሰሜናዊ ኪቩ ኣብ ምብራቕ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝርከብ በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዘለዉ ዝተፈላለዩ ገሊኣቶም ዕሱባት ናይ ወጻኢ ዜጋታት ዝርከብዎም ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሃብቲ ማዕድን ዝምዝምዙ ዕጡቓት ሓይሊ ምኽንያት ኣብ ዘይምርግጋእን ይርከብ ምህላዉ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብሪሆም ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሃብቲ ተፈጥሮ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ንኽፈልይዋ ብዙሕ ይጽዕሩ ምህላዎም እውን ጠቒሶም፡ እዚ ጸረ ሃገር ፖለቲካ’ዚ ንመላእ ሃገር ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ ከምዝበሉ ነቲ መግለጺ ብፁዓን ጳጳሳት ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፥

እቲ ናይቲ ከባቢ ገማማዒ ፖለቲካ ነቲ ኅብረ ዓሌት ናይቲ ከባቢ ንሓደጋ ዘቃልዕን ዓመጽን ኣድልይዎ ኣብ ዘርእን ዓሌትን ፈጢሩ፡ ዓሌታዊ ዓመጽን ምንጻት ዓሌትን ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘተባብዕ ነቲ ኣብ ካታንጋ ሰሜናዊ ካባቢ ግዝኣተ በኒ ኣብ ዝርከብ ኢቱሪ ቅድሚ ሕጂ ተኸሲቱ ዝነበረ ዓሌታዊ ግርጭትን ህልቂትን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝረአይ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ዘዘኻኽር እዩ ከምዝበሉ ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ግብረ ጨወያን ጠቒሶም ብዙሓት ሃለዋቶም ዘይፍሉጥ ከይኖም ዝተረፉ ንጹሓን ዜጋታትን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ስሞን እናጠቐሱ ብፁዓን ጳጳሳት ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ሕጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ ዋሕዲ ዝተመጣጠመ መግቢ ዓቢይ ምኽንያት ስቓይ ከምዝዀኖምን ማሕበራውን ሰብኣውን ስቓይ ሃገሮም ገሊጾም ነቲ ዕለት 23 ታሕሳስ ንኽካየድ ዝተወሰነ ሕዝባዊ ምርጫ እናሓሰቡ ሕዝቢ ናይ ዜጋ ሓላፍነቱ ከነቓቕሕን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርቲ ኣምሪሑ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ክተግህን ፍትሕን ሰላም ብምንቕቓሕ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር እውን እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ክተግሁ ብምትሕስሳብ፡ ኢየሱስ ንሞት ስዒሩ እዩ እሞ ካብ ናይ ሞት ፍርሒ ገዛእ ርእስና ንሓርር፡ ናይ ናጽነትን መስዋዕትነትን ክርስቲያናዊ ዕሴታት ነዕብይ፡ ኣብ ጸሎት ወትሩ ንትጋህ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.