2018-05-22 17:03:00

ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣብ መኽፈቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ብወግዒ እንከጀምሩ፡ ኣዚዮም ዘተሓሳስቡ ጉዳያት ዝብልዎም፡ ቅልውላው ጸዋዕታን፡ ወንጌላዊ ድኽነትን ግልጽነት ኣብ ምሕደራ ኤኮኖምን፡ ብዝሒ ሰበኻታት ብምውህሃድ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ምንካይን ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ቫቲካ ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፒዮሞንተ ዋሕዲ ጸዋዕታ ኣሎ፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ከኣ ብዝሒ ጸዋዕታ ኣሎ፡ ስለዚህ ነዚ መሰረት ብምግባር Fidei donum – ህያብ (ጸጋ) እምነት ምክፋል ብዝብል ኣገባብ ካህናት ምክፋል፡ እተን ቡዙሓት ካህናት ዘለወን ሰበኻታት ናብተን ብዋሕዲ ካህናት ናብ ዝተጠቕዓ ሰበኻታት ክልእኻ ይግባእ፡ ሰበኻታት ኣብ ምሕደራ ኤኮኖሚ ወትሩ ግልጽነት ክነብራን … ከምቲ ኣብ 1964 ዓ.ም. ጳውሎ ሻድሻይ ዝብልዎ ዝነበረ፥ ብዝሒ ሰበኻታት ነቲ ዘሎ ህልው ኩነት ኣብ ግምት ብምእታው ብምውህሃድ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ምንካይ ከምዘድሊ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመላኺቶም፡ እዚ ክብል እንከለዅ፥ ንኽወቅስ ኢለ ዘይኰንኩስ፡ ብሓቂ ዘተሓሳስበኒ ጉዳይ ስለ ዝዀነ እዩ ዝሕብር፡ ኣብ ልዕለይ እትብልዎ ነቐፈታ እውን እንተሎ ብግልጺ... ምንቃፍ ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ዋሕዲ ጸዋዕታ፥ ዝሁም ምስክርነት ዘተኣታተዎ ቅልውላው እውን እዩ

ኣብዛ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ብጸዋዕታ ዝተዓደለትን ልኡካነ ወንጌል ናብ ብዙሓት ሃገራት ብምልኣኽ ለጋስ ዝነረት ሃገር ኢጣሊያን ከምኡ እውን ኤውሮጳ እቲ ዝነበረ ፍርያም ጸዋዕታ ብናይ ግዚያውነት ባህልን ኩሉ ሓደ እዩ ምእማን ዘይምእማን ዝብል ዕሴታት ዘባድም ተዛማድን ገንዘብ መላኺ ብዝገብር  ባህሊ መሰረት ተመሪዙን እዚ ኹሉ ምስቲ ዝፍጠር ዕንፋትን ዝሁም ምስክርነትን ተደሚሩ መንእሰያት ካብ ሕይወት ውፉይነትን ገዳማዊ ሕይወትን ክርሕቑ ይገብር ኣሎ። ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ Fidei donum – ህያብ (ጸጋ) እምነት ምክፋል ብዝብል መንፈስ ካብተን ብዝሒ ጸዋዕታ ዘለወን ናብተን ብዋሕዲ ጸዋዕታ ዝተጠቕዓ ሰበኻታት ምክፋል፡ በዚ መሰረት መሃዝነት እውን ብምንባር ምክፋል የድሊ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኒውስ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ናይ ሰበኻ ሃብቲ ገንዘብ ንውልቃዊ ረብሓዅም ኣይተውዕሉ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ወጌላዊ ድኽነትን ግልጽነትን ኣብ ዝብሉ ቃላት ኣማእኪሎም፥

ድኽነት ኣደን መከላኸልን እዩ፡ ኣደ ሓዋርያዊ ሕይወት ስለ ዝወልድ፡ ዕርዲ ስለ መከላኸል፡ ብዘይ ድኽነት ሓዋያዊ ቀናእተይናነት የሎን፡ ከም ፈርዖን እናነበርካ ብዛዕባ ድኽነት ምዝራብ ቀሊልን ዝከኣል እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ጣዕሚ እናበርካ ብዛዕባ ድኽነት ምዝራብ ጸረ እውነተይና ምስክርነት እዩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ከም ውልቃዊ ንብረት ምምሕዳር ጌጋ እዩ፡

ሓደ ኣባል ውሉደ ክህነት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ብዝዀነ ኵነት ገዛእ ርእሱ ከወንን ብዝገደደ ኸኣ እታ መበለት ዛርካባ እትህቦ ምጽዋት ብዘይ ቅኑዕ ኣገባብ ከመሓድሮ ከባኽኖን ክርእይ እንከለኹ የጕህየንን ብዙሕ የሕዝነንን፡ ምእንቲ’ዚ ግልጽን ናይ ሓባርን ስርዓትን ሕግን የድልይ፡ ናይ ሰበኻ ድዩ ናይ ቁምስና ሃብቲ ገንዘብ ንናይ ቁምስና መጋበርያ እምበር ንናይ ግሊ ወጻኢ መዓላ ኣይኰነን፡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሕዳሴ ሓዋርያዊ መዋቕሩን ውሽጣዊ ኣሰራርሓኡን ዘሕጉስ እዩ፡ ድኽነትን ግልጽነትን ዘማእከለ ሕድሳቱ ብሓቂ ደስ ዘብል እውን እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ካብኡ ንላዕሊ በሪኽና ክንቕጽል እዩ ዝግብኣና፡ ንዝበለጸ ኣናማዕደውና በቲ ዝበጻሕናዮ እንዓግብ ኣይንዅን፡ ወትሩ ንዝበለጸ እናማዕደውና ንቕድሚ ንበል ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ውሑዳን ግን ዓበይቲ ሰበኻታት ብዝበለጸ ኣገልግሎት ንምውዳብ

ካብ ነኣሽቱ ግን ብዙሓት ሰበኻታት ውሑዳን ዓበይቲ ሰበኻታት ምፍጣር እዩ ዝበለጸ፡ እዚ ኸኣ ንናይ ሰበኻ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንዝበለጸ ውዳቤ ዓቢይ ድጋፍ እዩ፡ ብርግጽ ሰበኻታት ንኽንክያ ገርካ ኣብ ውሁሕዳት ሰበኻታት ምጥርናፍ ቀሊል ኣይኰነን ግን ዝከኣል እዩ፡ ድሕሪ እዚ ሓሳብ’ዚ ዕለት 23 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1964 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ 1966 ዓ.ም. ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም ብዋሕዲ ምእመናን ድዩ ብዘጋጥም ዋሕዲ ጸዋዕታ ገለ ገለ ሰበኻታት ከይህልዋ ዝከኣል እዩ፡ ስለዚ ነዚ ሕቶ ኣልዒሎም ሰበኻታት ክጠራነፋ ግድን ይኸውን፡ ከምቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ብዛዕባ እዚ ኣብ ምጥርናፍ ሰበኻታት ኣብ ዝብል መደብ ኣሚቱ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መራሓ ግብሪ ሕዳሴ ክሕንጸጽ ሓቲቶም እውን ምንባሮም ዘኪሮም፡ ብነጻነት ዝስምዓኩም ክትብሉንን ከተማኽሩንን ብምድላይኩም ብሓቂ እመስግነኩም ቢሎም ምስ ኣብቅዑ ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ዕዱማት ተሰናቢቶም ማዕጾ ናይቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተዓጽዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣባላት ቤት ምክሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያን ኣኼባኦም ከምዝቐጸሉ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣኼባ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ማርያም ኣመ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ዝተጀመረ ምዃኑ ዘኪሮም ማርያም መንፈስ ኣደነትኪ ኣይፈለየና ናይ እመ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ክስምዓና ግበሪ፡ ከምቲ ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዝብሎ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ክትከውን ማርያም ትደግፍ፡ መንፈስና እውን መንፈስ ኣደነት ክነብር ደግፍና፡ ሰለስተ ኣዴታት፡ ማርያምን ቤተ ክርስቲያንን መንፈስናን ሰለስተ ኣደነት ብዝል ቃል ዘረባኦም ከምዘበገሱ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡

ድሕሪ ጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ ፈጣሬ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ መኽፈቲ ቃሎም ንኽልግሱ ዘረባ ብምስማዕ ዝዓደምዎም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ኣብ 1979 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ፊረንዘ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል በነሊ ናይ ቶስካና ክፍለ ሃገር ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ክመርሑ ኣብቲ እዋን ዝሃብዎም ሓላፍነት እናዘከሩ፡ እንታይ እየ ዝገበር ከመይ ገይረ እየ ኸ ዝመርሖ ቢለ ንብፁዕ ካርዲናል በነሊ ምስ ሓተትክዎም ፍሽኽ እናበሉ፡ ደሓን ክበጽሓኩም ክመጽእ ንእከለኹ ኣብ ቤተይናከምዘለኹ ክስምዓኒ ጥራሕ ግበር ቢሎም እዮም ዝመለሱለይ፡ እምበኣር ከስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ገዛኹም ከምዘለዅም ክስምዓኩም ኢና ንደልይ፡ ኣቦን ሓውን ዓርክን ኢዅም ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ናይ ኣክይላ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ፐትሮኪን ከምኡ እውን ንትኵእ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ኣንጀሎ በቺዩ  ካብቶም ካርዲናላት ንኽዀኑ ዝሓረኹምዎም ብምዃኖም ንቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ክትዕድሉዋ ብምዃንኩም ነመስግነኩም ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ነርባዕተ መዓልቲ ዝቕጽል ሓፈሻዊ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ፡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ሕንጸትን ልኡኽነትን ኣብቲ ብዕደ ጥበብ መራኸቢ ብዙሃን ምጥቃም ባህሊ ዝነብር እዋናዊ ህዝቢ ውሽጥን፡ ናይ ኢጣሊያ ሰበኻታት ናብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብዛዕባ መንእሰይን ጸዋዕታን እምነት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሑ ናብ ዝካየድ ሲኖዶስ ዝካይድኦ ዘለዋ ምስንዳዋትን፡ መሰል ሰናይ ተፈላጥነትን ቁጥቡነትን ካልኦት ዛዕባ ሕጋዊ ምሕደራዊ ከይድን፡ ኣጠቓቕማ ሸሞንተ ሺሓዊ መክሊት 2018 ዓ.ም. ዝብሉ ነጥብታት ከምዝመያየጥን ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ዘሳተፈ ጋዜጣዊ መግለጺ ክወሃብ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.