2018-05-21 18:06:00

መንፈስ ቅዱስ ንልብታትናን ንኩነታትን ይቅይር! ር.ሊ.ጳ ኣብ ቅዳሴ ጰራቅሊጦስ


ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትማሊ ብጴንጠቆስጤ ወይ ጰራቅሊጦስ ዝፍለጥ በዓል ሓምሳ ከምዘብዓለት እንክምልከት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብብዙሓት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንዮም ናይ ክብረ በዓሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ እንክምልከት ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ‘መንፈስ ቅዱስ ናብ እግዚብሔር የብጸሓና ኣብ ዓለም እውን ከምእንለኣኽ ይገብረና፣ ንሱ ሕይወት ዘቍውም ስለዝኾነ ንቤተክርስትያን ወትሩ ከምእትሕደስን ከምእትጉብዝን ይገብራ’ እንክብሉ ሰበኾም ሰላም ኣብ ቅድስት መሬት ኵወርድ እውን ጸሎት ኣዕሪጎም፣

ንፍጻሜ ጰራቅሊጦስ ብዝርዝር ዝገልጽ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግሐ 2.1-11 ዝተወስደ ኮይኑ ‘በዓለ - ሓምሳ ምስ ኣኸለ ድማ ኲላቶም ኣብ ሓደ ተኣኪቦም ከለው፥ ሓደ ድምጺ ከም ናይ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ መጸ እሞ፡ ንብዘላ እታ ተቐሚጦምዋ ዝነበሩ ቤት መልኣ። ከም ልሳናት እሳት ዝተኻፋፈለ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ኪዓልብ ተራእዮም። ኲሎም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ መልኡ እሞ፡ ከምቲ መንፈስ ኪናገሩ ዝዓደሎም ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ሽዑ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዋ ሃገራት ዂለን ዝመጽኡ መንፈሳውያን ኣይሁድ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብሩ ነበሩ። እዚ ድምጺ እዚ ምስ ኰነ፡ ውዮ ሕዝቢ ተኣከበ እሞ፡ ነፍስወከፍ ብገዛእ ቋንቋኡ ኺዛረቡ ስለ ዝሰምዖም ከኣ ዚብልዎ ጠፍኦም። ብኣድናቆት ተዋሒጦም ከኣ፤ ‘እንሆ እዞም ዚዛረቡ ዘለው ዂሎምዶ  ገሊላውያን ኣይኰኑን፧ ከመይ ደኣ’ዩ ነፍስ ወከፍና ብብገዛእ ቋንቋኡ ኺዛረቡ ዚሰምዖም ዘሎ፧ ንሕና ጰርጣውያን ሜድያውያን ኤላማውያን ኣብ መሶጲጣምያ ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጰንጦስን እስያን ኣብ ፍርግያን ጰንፍልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ከባቢ ቀረኔ ወገን ሊብያ እንነብርን ሮማውያን ነጋድያንን ኲልና ኣይሁድን ናይ ኣይሁድነት ዝተመለስናን ቅረጤላውያንን ኣዕራብን በብቛንቋና ዕቤት እግዚአብሔር ኬዘንትው እንሰምዖም ዘሎና’ እንበሉ ብኣድናቆት ተዋሕጡ፣’ ዝብል ነበረ፣

ቅዱስነቶም ነዚ ተግባር መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ኣብ ምልዋጥ ዘለዎ ግደ መለኮታዊ ሓይሊ ኮይኑ ኣብ ልብታትን ኩነታትን እናኣተወ ንኩሉ ክልውጥ ክሕድስ ዝኽእል ምዃኑ ቀንዱ ስሕበቱ ከኣ ናብ ማእከል ገጹ ኮይኑ ንኩሉ ናብ ማእከል ገጹ እናሰሓበ ውህደትን ሓድነትን ከምዝፈጥር ኣመልኪቶም፣ ናብቲ ሰብ ክግምቶ ዘይክእል ወሰናስን ብምኻድ ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይስሕበና፣ እዚ ለዋጢ ሓይሊ እዚ ናይቶም ፈራሓት ዝነበሩ ሓዋርያት ልቢ ከም ቅጽበት ከመይ ገቢሩ ከምዝለወጦን ብትብዓት ሰበኽቲ ወንጌል ክኾኑ ከምዘኽኣሎምን እውን ኣዘኻኺሮም፣

መንፈስ ቅዱስ ነተን ብፍርሒ ተኣሲረን ዘለዋ ነፍሳት ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ፈቲሑ ካብቲ ርግጽነትን ውሕስነትን ክህበን ተሓቢአናሉ ዝነበራ ንክ ወጻ ይደፍአን፣ ነቲ ንኩሉ ፈጺመ እየ ኢሉ ኰፍ ዝበለ ተንሲኡ ጉዕዞኡ ንኽቅጽል ነቲ ብድንዛዜ ደቂሱ ንዘሎ ከኣ ሰናይ ሕልሚ ንክሓልምን ተበግሶ ንክወስድን የነቃቅሖ፣ እዚ ለውጢ እዚ ክንዮ ዝኾነ ሰብኣዊ ሕልምን ናይ ሓሶት ተስፋን ዓለማዊ ሕይወትና ንምምሕያሽ እንገብሮ ቃልስን ሓሊፉ ንልቢ ደቂ ሰባት ዘዕግብን ዝልውጥን ዝመርሕን እዩ፣

‘ናይ መንፈስ ቅዱስ ለውጢ ፍሉይ እዩ! ኣብ ከባቢና ንዘሎ ነገር ኣይኮነን ዝገማጥል እንታይ ደኣ ንልብና ይልውጥ። ካብ ዓገብን ጸገማትን ሓራ ኣይገብረናን እንታይ ደኣ ንክንቃለሶምን ንከነሸንፎምን ውሽጣዊ ሓርነት የልብሰና፣ ንዝደለናዮ ነገራት ብኡንብኡ ኣይህበናን እንታይ ደኣ ተኣማሙና ከምእንጐዓዝ ይገብረና፣ ነዚ ከኣ ኣብ መዋዕል ሕይወትና ምሉእ ከይደኸምና ንክንገብሮ የኽእለና፣ መንፈስ ቅዱስ ልብና ወትሩ ሓዲስን ጐበዝን ኮይኑ ከምዝነብር ይገብሮ፣ ልብና ብምሕዳስ ከስ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሓጢኣተኛታ ናብ ዝተማሕሩ ብምቅያር ሓቀኛ ሓርነት የልብሰና፣ ምናዳ ኸኣ ብናይ ሕይወት ቃልሲ ደኺምና ባይታ ዘቢጥና ኣብ ዘሎናሉ ግዜ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ንቅድሚት ምግስጋስን ምፍቃርን ክውን ይገብሮ፣

‘ስለዚኸስ ንሓይልና ዳግም ዝመስልስ ሓያል መድሓኒት እንተኣድለየና ሓይሊ እግዚብሔር ዝኾነና መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት እንደግሞ ንሱ ሕይወት ይህበና፣ ዕለት ዕለት ነዚ ንሕይወትና ሓይሊ ዘልብስ መንፈስ ቅዱስ ክንቅበሎ ክንደይ ይጥዕም፣ ወትሩ ካብ ድቃስና እንክንትንሥእ ‘ኦ መንፈስ ቅዱስ ነዓ! ነዓ ኣብ ልበይ! ነዓ ንመዓልተይ ለውጥ’ ኢልና ምልማን የድሊ፣ መንፈስ ቅዱስ ንልብና ንውሽጥና ጥራይ ዘይኮነ ንነገራት እውን ክልውጦም እቶም ኣይከኣሉን እዮም ዘይብጽሑ እዮም ንእንብሎም ኩነታት ከይተረፈ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ክሳብ ጫፍ ዓለም በጺሑ ርእይዎምን ሓሲብዎምን ንዘይፈልጦም ሰባት ወንጌል ዝሰበኸን ተኸተልቲ ክርስቶስ ዝገበሮምን ክጥቀስ ይከኣል፣ ወይውን ናይቲ ንኢትዮጵያዊ ዘጠመቀ ዲያቆን ፊሊጶስ ኣብዚ ሎሚ ደም ንጹሓት ዝፈሰሉ ዘሎ ዶብ ወሽመጥ ቃዛን እስራኤልን ከመይ ከምዝመርሖ ክንዝክር ንኽእል፣

‘ብሓደ ምድረበዳ ዝኾነ ካብ ኢየሩሳሌም ንጋዛ ዝወስድ መንገድ ንክኸይድ ይድርኾ፣ ሎሚ እዚ ሽም እዚ ክንደይ ዘሳቂ እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ንልቢ ናይቶም ኣብዚ ጥፍኣት እዚ ኢድ ናይ ዘሎዎም ይለውጥ እሞ ሰላም ኣብ ቅድስት መሬት የምጽእ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዘስተንፍሰሉ ቦታ ኩሉ ግዜ ሓዲስ ነገር ኣሎ፣ እዚ ብከምኡ ከምኡ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ንሕና ናይ ከምኡ ከምኡ ኢና እንደሊ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ክንደይ ካብዚ ዝጽልምት ኩነታት መንፈስ ቅዱስ ዓበይቲ ነገራት ክገብር ዘይተዓዘብና፣

‘ ከምቲ ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ሓደ ሕጻን ክውለድ ከሎ ንሰዓታት ፋሕ ዘብሎን ድቃስ ከምዝጠፍእ ዝገብርን ኮይኑ ግን ንሕይወት ዘሐድስን ብፍቅሪ ተደፊእካ ንቅድሚት ከምእትስጉምን ዝገብር ናይ ሕይወት ተሓድሶ የምጽእ፣ እነሆ እምበአር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተክርስትያን ከምዚ እዩ ዝገብር ናይ ሕጻንነት ሓዲስ ሕይወት ይፈጥር፣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝነብር ከስ ናብ እግዚብሔርን ናብ ዓለምን ገጹ ምስ ተወጥረ እዩ፣ ጸሎትናኸስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ከስተንፍስ እሞ ርሕራሔ እግዚአብሔር ክነስተንፍስ ከምኡ እውን ቤተክርስትያን ብዘይካ እግዚብሔር ካልእ ከይትሓስብ መንፈሱ ከስተንፍስላ እዛ ዓለምና እውን ናይ ሰላም መቀረትን ናይ ተስፋ ትንሳኤን ክትረክብ መንፈስ ቅዱስ የስተንፍሰላ እንክብሉ ስብከቶም ደምደሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.