2018-05-18 16:25:00

ሰነድ ቫቲካን፥ ገንዘብ መጋበርያ እምበር ወናኒ ኣይኰነን


“Oeconomicae et pecuniariae quaestiones ዛዕባ ኤኮኖምን ቅጠባን ዝምልከቱ ጉዳያት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕቤት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ብሓባር፡ እዋናዊ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ኣገባብ ኣብ ገለ ገለ መዳያቱ ብፍላይ ብስነ ምግባር ልልያ ዘድልዮ ምዃኑ ዝትንትን ገንዘብ መጋበርያ እምበር ወናኒ ወይ ተመላኺ ክኸውን ከምዘይግብኦ ብሰፊሕ ዝትንትን ዘውጽእዎ ሰነድ ዕለት 17 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ናይ ውሽጥን ወጻእን መራኸቢ ብዙሃን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪኣ ፈረርን ከምኡ እውን ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ቡፁዕ ካርዲናል ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ብዝሃብዎ ጋዜጠዊ መግለጺ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥቕሚ ኣብ ዝኣመተን ጭቡጥን ኩለንተናውን ሰብኣዊ ዕብየት ናብ ዘረጋግጽ መገዲ ዘሰንይ ኤኮኖምን ቁጠባን ንምኽዋን ዝድግፍን ኣብዚ መሰረተ ሓሳብ’ዚ ክቐውምን ኣብ መሰረታዊ ስነ ምግባር ክጠብቕን እደ ጥበባዊ ፍልጠትን ሰብኣዊ ጥበብን ዘጣመረ ክኸውን ከምዘለዎ ዘብርህ ሰነድ ከምዝዀነ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥ ብኻልእ መዳይ ነቲ ዘሎ እዋናዊ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ሜላ ብስነ ምግባር ብጥልቂ ምሕዳሳ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝብል ኰይኑ፡ እቲ ሰነድ ንቕዱስ ኣቦና ቀሪቡን ብኣኦም እውን ተራእዩ ይትሓተም ዝብል ፍቕድ ተዋሂብዎ ንሕትመት ዝበቕዔ ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ሰነድ ንንባብ ንምቕራብ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኢጣሊያ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ናይ ኤኮኖሚ መምህር ናይ ስነ ኤኮኖምን ቁጠባን ሊቅ ፕሮፈሰር ሎረንዞ ቻፕሪዮ፡ ኣብ ሮማ ቶር ቨርጋታ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ኤኮኖምን ቁጠባን መምህር ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ፕሮፈሰር ለዮናርዶ በከቲ እውን ተረኺቦም ኣብቲ ሰነድ ዝተደገፈ ትንታኔ ከምዘቕረቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠያን ቫቲካን ነውስ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥

ናይ ዕብየት መፍትሕ ፍቕሪ ኰለንተናዊ ጥቕሚ እዩ

እቲ ስነድ ነታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሱ፥ ፍቅሪ ንሕዝብን (ማሕበረሰብን) ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ፍቕሪ ስራሕን (ግብረ ሰናይነትን) ውሽጣዊ ቅርጺ ምዃኑ ዝግንዘብ እዩ፡ ማለት ንግላዊ ርክባት ጥራሕ ዘይኰነስ ደቓቕቲ ርክባትን ማሕብራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲክውን ርክባት እውን ዝምልከት እዩ፡ ስለዚህ ናይ እውነተይና ምዕባለ መፍትሕ ካብ ፍቕሪ ንሓቂ ዘይፍለይ እዩ፡ ፍቕሪ ንኵለንተናዊ ረብሓ ዝብል እዩ፡ ምዕባለ ንምንቕቓሕ ስነ ምግባራዊ ልልያ ወሳኒ እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ዝትንትን ሰነድ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

መኽሰብ ዘጣዕስን ጓህን እዩ

ዘለካ ውልቃዊ ደረጃ ማዕርግ ናይ ካልኦት ዘይሓለፋነት ንናይ ገዛእ ራእስኻ ሓለፋ ብምጥቓም ምኽሳብን ምህባታምን ወይ ከኣ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝህውኽ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ዓይነት ከይዲ ምንባር ዘጉህይ ተግባር እዩ። ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንናይ ገዛእ ርእሲ ረብሓን ንምህብታም እቲ ዘፍስስዎ ሃብቲ ገንዘብ ናይ መላእ ሃገር ኤኮኖሚ ኵነት ግምት ዘይህብ ኣብ ተጸናጻኒ ኤኮኖሚ ምውዓል ዘሕዝንን ንመላእ ሕዝቢ እውን ዝጐድእ ምዃኑ ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ጠቒሶም ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሎሞናኰ ኣተሓሒዞም፡

ኤኮኖምን ናይ ምንጻል (ምጉሓፍ) ባህልን

እቲ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ ጊዜ ዝገልጽዎ ንኻልእ (ሰብ) ዝንጽል ከም ጓሓፍ ዝድርብይ ባህሊ ዝብል ኣምር ምስ ኤኮኖሚ ብምትሕሓዝ፡ እዚ ባህሊ‘ዚ ኣብ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ከይዲ ሰለይ እናበለ ብምእታው ኣዚዩ ዘተሓሳብ ከምዝዀነ ተንቲኑ፡ እዚ ኣሉታዊ ባህሊ ናይ ብዙሓን ረብሓ ዝብል ዕሴት ዝሕርግ ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሓት ይንጽልን የግልልን። በዚ ዓይነት ከይዲ’ዚ ብዙሓት ካብ ምዕባለን ካብ ጭቡጥ ሃብቲ ይንጸሎ፡ ውሑዳት ተጠቕመትን ናይ ኵሉ ዝዀነ ሃብቲ ክውንኑ ዝገብር ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ብሰፊሕ ክም እተተንተነ የመልክቱ።

ኢጐነት (ስስዐ/ንኣይነት) ንኹሉ ከቢድ ዋጋ የሕትት

ኣብዚ ብጥልቂ ኢማዕርነት ምልኩት ዝዀነሉ እዋናዊ ኵነት፡ ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ ኣብነት ወይ ሜላ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚህ ሓቅን ሰናይነትን ዝጠልቦ እውነተይና ስብኣውነት ዝገልጽ ኩርናዕ ንምስትውዓል ልብን እኣምሮን ምዕባይን ምስፋሕን ከምዘድሊ እቲ ሰነድ ብሰፊሕ ዘብርህ ኰይኑ፡ ኢጐነትን ንኣይነትን ወይ ከኣ ስስዔ ንኹሉ ከቢድ መስዋዕትነት ወይ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ የነጽር። ኤኮኖሚ ከም መጋበርያ ኣገልግሎት እምበር ናይ ስልጣን መጋበርያ ከምዘይኰነ ብምስትውዓል ሃብቲ ገንዘብ ዘገልግል እምበር ገዛኢ ወይ መላኺ ክኸውን የብሉን ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ሰነድ ከምእተመልከተ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ ኣገባብ

ናይ ኤኮኖሚ ሰብ ሙያን ሓለፍትን ሓድሽ ዓይነት ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ኣገባባት ከቑሙ ጽዉዓት ከምዝዀኑን፡ እዚ ኸኣ ናይ ሓባር ጥቕምን ሰብኣዊ ክብሪ ኣኽብሮት ዝብልን ናይ ሓባር ጥቕሚ ከማዕብል ዝኽእል መምርሕታትን ሓባሪ ትግባረታቱን ዘመላኽት ክኸውን ከምዘለዎ የተሓሳስብ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕብራዊ ትምህርቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ እውን ኣብቲ ሰነድ ተወኪሱ ከምዘብርሀ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ንድልያ ናይ ሓባር ጥቕሚ

ናይ እዋናዊ ኣገባብ ኤኮኖሚያዊ ቁጠባ ብሓድሽ መልክዕ  ቅርጺ ክሕዝብ ምግባር ወሳኒ እዩ፡ እብዚ ሓድሽ ቅርጺ ናይ ምትሓዝ ከይዱ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዓቢይ ግደ ኣለዎ፡ ብፍላይ ከኣ ማንም ካብ ምዕባለ ወጻኢ ከይርከብን ኣብ ምዕባለ ዘይጽንቡር ከይኑ ከይተርፍ ዝድግፍ ክኸውን እነክሎ፡ ኩሉ ኣብ ምርግጋጽ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክተግህ፡ ብውልቅን ብማሕበርን ኣብ ድልያ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝጽመድ ክኸውን ይግብኦ ዝብል ሓሳብ ናይቲ ስነድ መደምደምታ ምዃኑ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.