2018-05-16 16:29:00

መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ናብ ጀነቭ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን


ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ቅዋመ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጀነቭ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱን፡ ኣብ መላእ ነዘርላንድ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ማሕበረ ክርስቲያን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ምስ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ጸሎት ከዕርጉን ምስ ናይ ጀነቭ መንግስትን ናይ መንግስትን ኣካላት ክራኸቡ ምዃኖም ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ማርኰ ጉወራ ሓቢሮም።

እቲ ቅዱስነቶም ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ካብ 110 ሃገራት ዝተዋጽኣ 500 ሚሊዮን ምእመናን ዝውክላ 348 ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣንግሊካውያንን ወንጌላውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ዝሓቁፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ዘካይድዎ ምብጻሕ ታሪኻዊ ከምዝዀነን ብዛዕባ እዚ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ዕለት 15 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይትን ናይ ሎዛናን ጀነቭን ፍሪበርግን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሞረሮድ ብሓባር ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጉወራ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ውህቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽብምኽንያት ናይ ጥዕና ጉድለት ብዘይምስታፎም ብናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ በዓል መዚ ኣባ ኣንድርዘይ ኮሮማንስኪይ ከምእተወከሉ ገሊጾም።

ብሓባር ምጉዓዝን ምጽላይን ምትሕብባርን

እቲ ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዝምስከር ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓባራዊ ከይዲ፥ ብመጀመርታ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ምስረታ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ በዓልን ፍልይ ዘብሎ ከኣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሳቲፉ ዝካየድ ምዃኑ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ መጋበ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይት ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝጠቐሱ ጉወራ ኣስዒቦም እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ምጉዓዝን ምጽልያን ምትሕብባርን ብዝብል ቃል ዝምራሕን ካልኣይ ውግእ ዓለም ሳዕቤታቱን እናዘከሩ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚተን ዘካይድኦ ናይ ሓባር ጉዕዞ ንናይ ኤውሮጳን ንናይ ዓለምን ሰላም ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ሓቦሮም።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ተዓዛቢት እምበር ብምሉእ ኣባልነት ጽንብርቲ ከምዘይኰነንት እዚ ኸኣ ቲዮሎጊያውን ግብራውን ምኽንያት ዘለዎ ከምዝኾነ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ኣባ ኮርሞንስኪይ ኣብሪሆም፡ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ምትሕብባርን ኣብ ዝብሉ መደባት ሓባራውነት ከምዘለወንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊካውያን ንዘይኰኑ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባላት ናይ ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምእትልግስን እውን ጠቒሶም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይዚ ቤት ምኽሪ ምልኡ ኣባል ዘይምዃና ብዙሕ ቲዮሎጊያዊ ምኽንያት ዘለዎ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ መጻኢ ምሉእ ብምሉእ ኣባል ክትኸውን ዝከኣል እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን ኣባል ክትከውን ፍቓድኩም ይኹን ዝብል ሕቶ ከምዝቐርብ እውን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከምዝሓበሩ ኣፍሊጦም።

ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ ኣርማ እውን ሓንቲ መርከብ ኦይኩመነ ናይ ሓባር ቤት ወይ ሓባራዊ ምንባር ዝብል ግሪካዊ ቃል ዝተነብሮን እታ መርከብ ቤተ ክርስቲያን እትውክል ኰይና እቲ ናይ ምንቅስቓስ ዕሴት ማለት ናይ ተጓዓዝነት ዕሴት እተመላኽትን ምዃና ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ጉወራ ኣፍሊጦም።

ትጽቢት መላእ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዝዊዘርላንድ

ብኻልኣይ ደረጃ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ነጀቭ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ መላእ ስዊዘርላንድ ካቶሊካውያን ምርኻብ ዝብል መደብ ዘጠቓለለ ምዃኑ ናይ ፍሪበርግን ሎዛናን ጀነቭን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሞረሮድ ሓቢሮም እታ ኣብ ዝዊዘርላንድ እትርከብ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ኣቢይተ ክርስቲያን ዘለዋ ሰናይ ርክብ ዝምስክርን እዩ ቢሎም ጀነቭ ዓለም ሓቀፋዊትን ኣብ መንጐ መንግስታውያን ተቕዋማት ናይ ዘተ ከተማ ምዃና ዝምስክር እውን እዩ፡ ኣብ ፓላአክስፖ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሓባር ምንባር ዘረጋግጽ እዩ ከምዝበሉ ጉወራ ኣፍሊጦም።

ሳልሳይ ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደት ዕላማ ምስ ናይታ ሃገር መንግስትን ኣባላት መንግስትን ንምርኻብ ዝብል ምዃኑ ናይ ስዊዘርላንድ መንግስቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሮም፡ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ምንጐ ሃገሮምን ቅድስቲ መንበርን ሰናይ ስነ ሜላዊ ርክብ ከምዘሎን ቅዱስነቶም ብናይ ኮንፈረድረሽን መንግስቲ ርእሰ ብሔር ኣላይን በርሰትን ናይ ፈረደራላዊ መንግስቲ ኣማኻሪ ኢግናዚዮ ካሲስን ብናይ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዶሚኒክ ደ ቡማን ኣቀባብላ ክግበረሎም እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጉወራ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.10 ደቓይቕን ጀነቭ ክኣትውን ሰዓት 10.30 ኣብ ዝኣተውሉ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ቤተ መግንስቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ምስ ናይ ኮንፈረደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር በርሰት ክራኸቡን ሰዓት 11.15 ኣብ ሕንጻ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣብ ዝካየድ ናይ ሓባር ጸሎት ክሳተፉን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ገዳመ ቦሰ ናይ ምሳሕ መኣዲ ክቋደሱን ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ኣብ ፓለክስፖ ልዕሊ 40 ሺሕ ዝግመቱ ካቶሊክ ምእመናን ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.