2018-05-15 17:27:00

ኣቡናት ዝኸውን ንጉስነት ነፍሳት ንሥልጣንን ምጒይታትን ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንመምርሒ መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሉ ስለፍቅሪ መጓሰኡ ዝተኣዘዘ ንሕናውን ኩሎም ጓሶትና ማለት ኣቡናትና ወይ ጳጳሳትና ከምኡ ክገብሩ ንጸሊ እንክብሉ ‘ኣቡነነት ወይ ጵጵስና ኣገልግሎትን ጉስነትን እምበር ከም ዓለማዊ ሥልጣንን ክብርን ከምዘይኮነ ገሊጾም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ንሎሚ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግብረ ሓዋርያት 20  ኮይኑ “ጳውሎስ ካብ መሊጢ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ ነቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ናብኡ ጸውዖም። ናብኡ ምስ መጹ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ በሎም፦ “ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገጽኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፡ ኲሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከም ዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፣ ብውዲት ኣይሁድ ፈተና እንተ በጽሓኒ እኳ፣ ብኲሉ ትሕትናን ብብዙኅ ንብዓትን ንጐይታ ከመይ ገይረ ከም ዘገልገልኩ፣ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም፡ ኣብ ዋዕላ ኾነ፡ ኣብ ቤት ከይኃባእኩ ከም ዝመሃርኩኹም፣ ከምኡ ከኣ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ፡ ብጐታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ ከም ዘበሰርኩ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ኢየሩሳሌም እንታይ ከም ዝረኽበኒ ከይፈለጥኩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኸ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ። ብዘይካ እቲ መንፈስ ቅዱስ ‘ማእሰርትን ጸበባን ኪበጽሓካ እዩ’ ኢሉ ኣብ ፈቐዶ ኸተማታት ዝነገረኒ እንተ ዘይኾይኑ ዝፈልጦ የብለይን። ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳዕ ዝፍጽምን እቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳዕ ዝውድእን፣ ንሕይወተይ ኣየናሕስየላን እየ፣ ከም ኽብርቲ ገይረውን ኣይርእያን እየ። ኣገልግሎተይ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ።’ ዝብል ነበረ፣ ቅዱስነቶም ነዙ ተወፋይነት ቅዱስ ጳውሎስን ክሳብ መወዳእታ ተልእኮ ጐይታ ክፍጸም ስንድውነቱን ኣገልግሎቱን ጉስነትቱን ብምምልካት ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ከዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘እዚ ምዕራፍ እዚ ሓያል ምዕራፍ እዩ ካብ ልቢ ዝፍልፍል ክፍሊ ምዕራፍ እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ሓደ ነፍሲ ወከፍ ኣቡን ክኾኖ ዘለዎን ክገብሮ ዘለዎን እውን ምናዳ ከኣ ካብ ሓደ ሰበኻ ናብ ካልእ ሰባኻ ክቅየር እንከሎ ናይ ምፍናው ኩነታት እውን ስለዝገልጽ ሓያል ክፍሊ እዩ፣ ብካልእ ኣዘራርባ ነታ ምዕራፍ ጥቅልል ብዝበለ ኩነት እንክንዕዘባ ቅዱስ ጳውሎስ ቅድሚ ምስንባቱ ዝገበሮ ዓሚቚ ናይ ሕልና መርመራ እንከመልክት ምንም እኳ ቅዱስ ጳውሎስ ቊሩብ ብዛዕባ ዝገበሮ ነገራት ዝንየት እንተመሰለ እቲ ኩነት ብሩህ እዩ ባዕሉ ከምዝብሎ እውን ክንየት እንተኾይኑ ብክልተ ነገራት እዩ ዝንየት ብሓጢኣቱን በታ መድሓኒቱ ዝኾነት መስቀል ክርስቶስን እዩ ዝምካሕ፣ ምስ እዚ ኩሉ ግን ንቅዱስ ጳውሎስ ዝመርሖን ዝሕግዞን ሓደ ዓቢ ነገር ኣሎ፣ እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ንባብ ዘሎ ንሱ ኩሉ ግዜ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ኢሉ ብምስማዕ በቲ ዝተዋህቦ ምርሒት ምጒዓዙ እዩ፣ እዚ ግን ጥጡሕ መንገዲ ከምዘይኮኑ ማእሰርትን መከራን ጭንቅን ከምዝኾነ እውን ይፈልጦ ነሩ፣ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ብመንፈስ ቅዱስ ከምዝተገደድ እንክነግር ኣብኡ እንታይ ይጽበዮ ከምዘሎ እውን ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ነሩ፣ እዚ ንጳጳሳትን ኣቡናትን ዓቢ መምርሒ እዩ፣

‘እዚ ተመኲሮ ናይ ሓደ ኣቡን ክኸውን ኣለዎ፣ ሓደ ኣቡን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ንነገራት ኣለልዩ ክፈልጥ ዝኽእል እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ክዛረብ ከሎ ጽን ኢልካ ምስማዕ ነቲ ፈታኒ ዝኾነ መፈስ ዓለም ከየሸንፍ ከመይ ከም ዝከላኸል ዝፈልጥ መንፈስ ኣምላኽ እዩ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብመንፈስ ተመሪሑ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንከሎ ከም ጐይታኡ ናብ ሕማማት መስቀልን መግረፍትን ጭንቅን ይኸይድ ከምዝነበረ ኣይጠፍኦን፣ ኮይኑ ግን ንኩሉ ንጐይታ የወፊ ብመፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ይእዘዝ፣ ሓደ ኣቡን ክገብሮ ዘለዎ ከኣ እዚ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ንቅድሚት ክግስግስ ኣለዎ፣

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ምልስ ይብሉ እሞ ጳውሎስ ምስ ኩሎም ተጋቢኡ ምርመራ ሕልና ገሩ ብኩሉ ምስ ተረዳድኤ ደሓን ኩኑ ክብል ይፋኖ መጓሰኹም ሓልው ኢሉ ሓደራ ይብል፣ ምስንባት ቀሊል ኣይኮነን ሓደ ጓሳ ክፋኖ ከሎ ዝገድፎ ለበዋ ብዙሕ እዩ እዚ ግን ከም ናይ ዓለም ለበዋን ምኽርን ዘይኮነ መንፈሳውን ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ እዮም ዝወሃቡ፣

‘ቅዱስ ጳውሎስ እንክመክር ነዚ ውርሻ እዚ ገዲፈልኩም ኣሎኹ ነዚ ንእከለ ነዚ ከኣ ንእከላ ሃቡ ኣይኮነን ዝብል፣ እዚ ዓለማዊ ለበዋ እዩ፣ ናቱ ዝለዓለ ፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፣ ድሕሪ ኢየሱስ ብልቡ ዘፍቅሮ መጓሰኡ እዩ፣ ጳጳሳትከስ ኣብነቱ ተኸቲልኩም መጋሰኹም ሓልው ስለመጓሰ ኢኹም ኣቡናት ዝተሸምኩም ንክትሕልውዎም እምበር ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ መሳልል ስልጣን ክትድይቡ ኣይኮነን፣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ መጨረሻ ለበዋኡ ንቤተክህነት ናብ ኣምላኽ የምዕቁቦም ንሱ ከምዝሕልዎምን ከምዝሕግዞምን ከኣ የረጋግጸሎም፣ ኣብ መወዳእታ ናብ ገዛእ ርእሱ ምልስ ይብል እሞ ብሩር ኣይደለየ ወርቂ ኣይደለየ ክዳን ኣይደለየ እግዚብሔር ከምዝሓለየሉ ከኣ ይምስክር፣

`ለበዋ ቅዱስ ጳውሎስ ሓደ ዓቢ ምስክርነት እዩ፣ ሓደ ዜና እውን እዩ፣ ምስዚ ናብቶም ዝስዕብዎ ዝቀርብ ሓደ ዓቢ ብደሆ እውን እዩ፣ ንሱ ኣነ ነዚ ጉዕዞ እዚ ፈጺመ ዝተረፈ ንስኹም መልእዎ ይብል፣ እዚ ለበዋ እዚ ካብቲ ዓለማዋያን ዝገብርዎ ለበዋ ክንደይ ርሑቅ ምዃኑ ተዓዘቡ፣ ዓለማውያን ክንዲዚ ዝኸውን ንብረት ገነዝብ ካልእ ነገራትን የውርሰኩም ኣሎኹ ይብል፣ ቅዱስ ጳውሎስ ግን ብሩር ኮነ ወርቂ ክዳንውን ኣይነበሮን ጸጋ ኣምላኽን ሓዋርያዊ ትብዓትን ግልጸት ኢየሱስ ክርስቶስን ነታ ዝተዋህበቶ ድሕነት ጐይታን እዩ ዘውርስ፣ እንክብሉ ንመሳርሕቶምን ኣሕዋቶምን ጳጳሳት ምስ ኣዘኻኸሩ ናብ ገዛእ ርእሶም ምልስ ይብሉ ነዚ ክፍሊ ቃል ኣምላኽ እንከንብቡ ሰዓት ለበዋኦም ምስ መኣስ ኮን ይመጽእ ቢሎም ምሕሳቦም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘ነዚ ክፍሊ ቃል ኣምላኽ እንከንብብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ እሓስብ፣ ምኽንያቱ ከኣ ኣነ ኣቡነ እየ ሓደ መዓልቲ ክሰናበት ግዲ እዩ፣ ስለዚ ከኣ ንጐይታ ከምዚ ናይ ጳውሎስ ምስ መጓሰይ ክሰናበት ጸጋኡ ክህበኒ እልምኖ፣ ምልስ ኢለ ናይ ሕልና መርመራ እንክገብር ግን ከም ቅዱስ ጳውሎስ ዕውት ኣይኮነንኩን ኮይኑ ግን ጐይታ ሕያዋይን መሓርን እዩ። ጐይታ ንኩልና ብከምዚ ዓይነት ክንሰናበት ጥዑይ ለበዋ ክንገብር ብምርሒትን ሓይልን መንፈስቅዱስን ብፍቅር ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ መንፈስ ቅዱስ ብምትእምማንን ነዚ ጸጋዚ ይዓድለና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣   








All the contents on this site are copyrighted ©.