2018-05-15 16:25:00

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ሕንጻ ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ርእይቶ ብፁዕ ኣቡነ ማርኩዝን


እቲ ብሞትን ማህሰይትን ዝተሰነየ ካብ ተል ኣቪቭ ናብ ኢየሩሳሌም ዘግዓዘ ናይ ሕቡራት መንስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ሕንጻ ወግዓዊ ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ኣመልኪቶም ንናይ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤምን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ምኽትል ብፁዕ ኣቡነ ጃቺንቶ ቡሎስ ማርኩዞ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ኣዚዩ እናረሓቐ ዘሎ እዩ ዝመስል ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውሳኔ ብምቅዋም ጋዛን ሃገረ ዕብራዊ ኣብ ዘዳቡው ከባቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ኣብ ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያንን ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻልን መንጐ ብዝተፈጥረ ግጭት 55  ፍልስጥኤማውያን ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥሞም እንከሎ ሎዕሊ 2,400 ዝግመቱ ማህሰይቲ ከዝወረዶም ማኣን እተሰምየ ፍልስጥኤማዊ ናይ ዜና ኣገልግሎት ካብ ዝሃቦ መግለጺ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ ኣህጉራት ዓረብን ፍልስጥኤምን ካብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ብጠቕላላ ካብ ኣብላጺ ማሕበረሰብ ዓለም ብዙሕ ተቓውሞ ዝተገብረሉ ውሳኔ እውን እንተነበረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ሃገሮም ልኡከ መግስቲ ሕንጻ ካብ ተል ኣቪቭ ናብ ኢየሩሳሌም ክግዕዝ ኣብ ዝብል ውሳኔኦም ጸኒዕም እነሆ እቲ ሓድሽ ናይ መንግስቶም ሉኡኽ ሕንጻ ዕለት 14 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝኺሪ መበል 70 ዓመት ምስረታ ሃገረ እስራኤል ብወግዒ ከምእተመረቐ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅድስቲ መሬት ሕጂ እውን ናይ ዘሰንብድ ምፍሕፋሕን ውጥረትን ምልክታ ኰይና ሰላም ዘይብጻሕ ረቒቕ ሓሳብ ዘምስል ኵነት ኣብ ልዕሌኣ የዘንብይ ከምዘሎ እዩ ዝረአይ።

ኣብ ጋዛ ዝርከባ መሳጊድ ፍልስጥኤማዊ ጉዕዞ ምምላስ ናብ ሃገር ኣብ ዝብል መደብ ተጠራኒፉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ ጻውዒት ከምዝቕረበን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ትራምፕ ዓቢይ ዓርኪ ሃገረ እስራኤል ምዃኖም ዝገልጽ ጭርሖታትን ምልክታን ናይ እስራኤል ባንደራን ከምእተመልኤት ክፍለጥ እንከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ኩሉ ውጥረትን ግርጭትን ኣመልኪቶም ንናይ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ምኽትል ብፁዕ ኣቡነ ጃቺንቶ ቡሎስ ማርኩዞ ምስ ቫታካን ነውስ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ሎሚ ኣብ ኢየሩሳሌም ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያንን ፍልስኤማውያንን ብጠቕላላ ብሓደ ዘሕብሮም ስምዒት እንተሎ ጓሂ እዩ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ዝረአይ ዘሎ ኩነት ናብ ሰላም ዘሰንይ ዘይኰነስ ናብ ውጥረትን ሁከትን ዘእትው እዩ፡ እዚ ብሓቂ ዓቢይ ስቓይ ይሕድረልናን ጭንቀት እውን ይፈጥረልና፡ ግጭት ደው ዘብል ናይ ሓባር ስምምዕ ክብጻሕ እዩ ቢልካ ናይ ምሕሳብ ተስፋ ዘርሕቕ እውን እዩ

ምስ በሉ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራፕ ዝወሰድዎ ውሳኔ ንታሪኽን ፍትሕን ንናይ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝጻረር እዩ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ዝግበረሉ ናይ ሰላም ዘተ ዘደስክል እዩ ኢሎም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ናይ መንግስቶም ልኡከ መንግስቲ ሕንጻ ካብ ተል ኣቪቭ ናብ ኢየሩሳሌም ከግዕዝ ዝብል ውሳኔኦም ብውግዒ ድሕሪ ምግላጾም ስዒቡ ኣብ ወርሒ ታህሳስ 2017 ዓ.ም. ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምእተበገሰን ገና ኣቲ ኵነት ገና ብዓንተውኡ ክመጽእ ዝኽእል ውጥረት ዝሕብር ምልክታ ክርአይ ከምዝገበረን ዝገለጹ ብፁዕነቶም ማርኩዞ፥ ካብቲ ኣዋን ኣትሒዙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብዘይምቍራጽ ናይ ትራምፕ ውሳኔ ዝቃወም ሰላማዊ ስለፊ ክካየድ ከምዝጸነሓን ሞትን ማሕሰይትን እውን ኣስዒቡን ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ስድራን ቤት ዕዮን ዕዮን ኮታ ነቲ ማሕበራዊ ጸገም ከተኣታትው ዝኽል መተዓናቕፎታት እውን ጠሊቡ እዩ ምስ በሉ፥

ዕለት 14 ግንቦት 2018 .. ክልተ ተገራጫዊ ዝኽሪ ዝንበረሉ ክኸውን እዩ፡ ብወገን እስራኤል ድጋፍ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣዚዩ ዘድልዮ ዝነበረ ድላይ ዝረወየሉ ዕለት ዝበዓለሉ ክኸውን እንከሎ ብኻልእ ብወገን እቲ ብጠንቂ ውግእን ብናይ ትራምፕ ውሳኤ ኣዚዩ ንዝተጐድአ ፍልስጥኤማዊ መዓልቲ ስቓይ ኣዩ፡ ስለዚህ እዚ ክልተ ተገራጫዊ ዝኽሪ ዝንበሮ ዕለት ክኸውን እዩ፡

ቤተ ክርስቲያን ጻዕራን ጸዋዕታኣን፥ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነት፥

ኣብ ኢየሩሳኤም ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን እቲ ቅዱስ ኣቦና ፍሉይ ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ዝጽለየሉ መራሓ ግብሪ ዘጠቓልል ኣብ ባሪ ዕለት 7 ሓምሌ 2018 .. ንኸካይድዎ ብመደብ ዝተተሓዘ ሓውጾተ ኖልዎ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣበርቲዔን የቃልሓ ኣለዋ፡

ምስ በሉ፡

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጠቕላላ ከም ክርስቲያን ሰላም ዝከኣል ምዃኑ ዘረጋግጽ ተስፋ ኣብ ምስፋሕ ንርከብ፡ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ብርታዔ ኰይኑና ኣሎ። ኣብ ልቢ ዘርኢ ሰብ ተስፋ ንኽንዘርእ መተባባዒ ከይኑና ኣሎ። ብናይ ክሉ ጽቡቕ ድላይ ውጥረት ደው ከምዝብል ንኣምን። ምእንቲ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ኣይሁዳውያንን ፍልስጥኤማውያንን ካብ ፖለቲካዊ ራየት ብምርሓቕ ንህልዉ ኩነታት ብምርኣይ ናብ ሰላም ንብጻሕ ዘለዎም ድላይ ክድግፍ ንሓትት

እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.