2018-05-15 16:30:00

ቫቲካንን ተቛም ናይ ሃገረ ዮርዳኖስ ክብሪ ሰብኣዊ ሕይወት የቃልሑ


ናይ ዮርዳኖስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘጽንዕ ተቕዋምን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብሓባር ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 10 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዮርዳኖስ ርእሰ ከተማ ኣማን ዛዕባ ክብሪ ሰብኣዊ ሕይወት ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሮቢን ጎመዝ ሓቢሮም።

ቫቲካንን እቲ ናይ ዮርዳኖስ ዛዕባ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ፍሉይ መጽናዕቲ ዘካይድ ተቕዋም ብሓባር ድሕሪ እቲ ኣብ ክብሪ ሰብኣዊ ሕይወት፡ ብፍላይ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ብዝተፈላለዩ ሓደስቲ ጊልያነት ናይ ዝተጥቕዑን ዜጋታት ሕይወት ዘተኰረ ሓምሻይ ናይ ሓባር ዘተ ኣተኵሮኡ ሃይማኖታትን ክብሪ ሕይወትን፡ ርእየት ክርስትናን ሃይማኖት ምስልምናን ዝብል ከምዝነበረ ዝሓብሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሮቢን ጐመዝ ኣስዒቦም፥ ኣብ ፍጻሜ እቲ ናይ ሓባር ዘተ፡ ተጋባእያን ብሓደ ድምጺ

ሕይወት ጸጋ እግዚኣብሔር ንኹሎም ኣባላት ሰብኣዊ ስድራ ቤት እዩ፡ ስለዚህ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባሕርያዊ ሞት ክኽበርን ክዕቀብን ኣለዎ፡ ሰብእ ፍጥረት ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ግብረ ፈጣሪነት ሱታፌ ዘለዎን ክብሪ ዝተጸገወን መሰልን ክቡእን ዘለዎ ብምዃኑ፡ ብዅሉ መጋበርያ ንዝተኸብረ ሕይወት ብቑዕ ከምዝዀነን ክኽበርን ክፍቀርን ከፍቅርን ክድገፍ እለዎ 

ዝብል ኣምር ኣጽኒዕም ኣብቲ ናይ ሓባር ሰነድ ከምዘስመሩሉ ገሊጾም፡

ስድተይናታትን ተመዛበልትን እቶም ብዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት ንሓደስቲ ጊልያነት ዝተቓልዑ ፍሉይ ቆላሕታ ተገይሩሎም፡ ሕይወቶምን ክብሮምን ናይ ስቃይ ስነ ሰብኣዊ ጉድኑ ግምት ብምሃብ ክኽበረሎምን ካብቲ ዝወደቕሉ ናይ ስቓይ ሕይወት ክላቐቑ ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ ከምዝበለን፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዘሎ ኣሉታዊ ጐድኒ ሕብረተሰብ ዓለም ግምት ብምሃብ መንእሰይ ወለዶ ፍጥረትን ተፈጥሮን ክብሪ ሕይወትን ኣብ ምኽባር ክሕነጽ ይግባእ ዝብል ሓሳብ ኣብ ናይቲ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምእተመልከተ ኣፍሊጦም።      








All the contents on this site are copyrighted ©.