2018-05-14 15:54:00

ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ንሃገረ ኢንዶነዢያ ድሕሪ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ጸረ ኣቢያተ ክርስቲያን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመን ነጋዶ ብሓባር ጸሎት ንገስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ስም ኣብቆዑ ነቲ ኣብ ሃገረ ኢንዶነዢያ ኣብ ከተማ ሱራባያ ዝተፈጸመ ጸረ ክርስቲያን ዝሓቀነ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ጠቒሶም፡ ንማሕበረ ሰብ ክርስቲያንን ሕዝብን ኢንዶነዢያ ቅርበቶም ገሊጾም፡ ስለ እቶም ናይ ሞት ሓገጋ ዘጋጠሞም ከምዝጸለዩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ንሃገረ ኢንዶነዢያ እናሓሰቡ ዓመጽ ክውገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ነዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ማህሰይቲ ንዝወረዶም ከኣ ቅልጡፍ ምፍዋስ ተመንዮም፥

ዝተፈቐርኩም ኣሕዋተይ ኣሓተይን፡ በቲ ኣብ ከተማ ሱራባያ ኣብ ዝርከቡ ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራታት ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ እናሓሰብኩ ንሕዝብን ንማሕበረ ክርስቲያን ሃገርን ኢንዶነዢያን ቅርበተይን አረጋግጽ፡ ስለ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ስለ ኣባይቲ ስድራኦምን ጸሎተይ የዕርግ፡ ብሓባር ከምዚ ዓይነት ግብረ ዓመጽ ክውገድን ኩሉ ኣብ ልቡ ጽልእን ዓመጽን ቦታ ከይሃይበ ንዕርቅን ሕውነትን ክቕንዕ ብሓባር ጸሎት ልመናናብ እግዚኣብሔር ነቕርብ፡

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካፐሊ ኣስዒበን፥

እስላማዊ ሃገር እተሰምየ ሓይሊ ግብረ ኣሸበርቲ ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓታቲ እየ ይብል

ነቲ ኣብ ኢንዶነዢያ ዝተፈጸመ ጸረ ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን መጥቓዕቲ ወጣጥንን ፈጻምን ኣነ እየ እንክብል እስላማዊ ሃገር ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ሓይሊ ኣሸበርቲ ከምዘፍለጠን፡ ናይ ሃገረ ኢንዶነዢያ ርእሰ ብሔር ጆኮ ዊዶዶ ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኰኒኖም፡ ተሓተቲ ተለልዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ግብኡ ፍርዲ ንኽረክቡ ሓይሊ ጸጥታ ዘካይዶ ምርመራ ቅልጡፍ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፡ ተሓተቲ ንግብኡ ፍርዲ ዝብል ቃል ብትረት ከምዘስምዑ ኣፍሊጠን።

ካብቶም ለኪምካ ምጥፋእ ግብረ ሸብራዊ መጥቓቲ ፈጸምቲ ሓንቲ ኣደ ምስ ክልተ ደቃ ከም ዝርከብዎም ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ዝሃቦ ምንጪ ዜና ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ፥ ካለኤይቲ ጓለንስተይቲ እውን ከምእተሳተፈተን ሓደ ላምብሬታ ዝተወጠሐ እውን ናብ ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ቅርዓት ብምእታው ለኪምካ ናይ ምጥፋእ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸመን እቲ ለኪምካ ናይ ምፍጥፋእ ግብረ ሸብራ መጥቓዕቲ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ዝተፈጸመ ከምዝመስል ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሰን ይሕብራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.