2018-05-14 15:51:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፥ ደለይቲ ክርስቶስ ኵኑ


ብላቲን ስርዓት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 13 ግንቦት 2018 ዓ.ም. በዓለ ዕርገት ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓትሉ ዕለት፡ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ዕለተ ሰንበት በዓለ ዕርገት ዘእግዚእነ ምንባብ ወንጌል ካብ ማርቆስ ወንጌል ምዕ. 16 ካብ ፍቕዲ 15 ክሳብ 20 ዝተወስደ ኣሞርኵይዞም ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ጉባኤ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ከምቲ ልሙድ ዝተፈተዅም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብዝብል ቃል ኣበጊሶም፥

ሎሚ ኣብ ኢጣሊያን ኣብተን ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን በዓለ ዕርገት ዘእግዚእነ ነብዕል ኣሎና፡ እዚ በዓል ከኣ የዕንትና ናብቲ ኢየሱስ ኣብ የማን ኢድ ኣቡኡ ናብ ዝተቐመጠሉ ሰማይ ከነብልን ብኻልእ መዳይ ከኣ ናብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ክንጥምት ይድርኸና፡ ስለዚህ ጠመተና ናብ ሰማይን ናብቲ ኣብ ምድሪ ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበለቶ ተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌል ከነንብል እንሕበረሉ በዓል ኢዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ሎ ሞናኰ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ኢየሱስ ቅድሚ ናብ ሰማይ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ ተልእኾ ወንጌል ብሓደራ ይህቦም፡ እዚ ተልእኾ ዶብ ኣልቦ ወሰን ዘይብሉ እዩ፡ ናብ ዓለም ኵሉ ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ” (ማር. 16,15) እንክብል ዝህቦ ናይ ተልእዀ ሓላፍነት ትብዓት ዝሓትት ክኸውን እነክሎ፡ ብብዙሓት እቲ ናይ ድዅማት ዕላማ ተገይሩ ዝሕሰብ ናይ ኢየሱስ ፍቕርን ምሕረትን ንዅሉ ዓለም ኣብጽሑ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡፡ ናይ ተልእኮ ወንጌል ሓይሊ ባዕሉ እቲ ነዚ ተልእዀ ዘነቓቕሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ እዚ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ባዕሉ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ

መንፈስ ቅዱስ ኣባኹም ምስ ዝሓድር ሓይሊ ክትጽገዉ ኢኻትኩም እንክብል ኣረጋጊጹሎም እዩ፡ ንሱ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኰኖም፡ ካብኦም ሓሊፍ ናብ ተካእቶም ይመሓላለፍ፡ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦ ተልእዀ ዘመን ይሰግር፡ ሎሚ እውን ይቕጽል ኣሎ። ናይ ኩላትና ምትሕብባር ዝጠልብ ተልእኾ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍና ምስ ተጠመቕና ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ብዝወሃበና ሓይሊ መሰረት ሰባኬ ወንጌል ንኸውን፡ ሓይልና ከኣ እቲ ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ መንፍስ ቅዱስ እዩ

ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ዕርገት ኢየሱስ፡ ንህላዌ ኢየሱስ ኣብ መንጐና ብፍሉይ መልክዕ ዘእትው ማዕጾ እዩ፡ ስለዚህ ንኣኡ ክንርእን ከነበስርን ፍሉይ ዓይንን ልብን ክህልወና ይግባእ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ እዋንና ንኢየሱስ ምድላይን ምስ ረኸብካዮ ንዓለም ንብዝሎ ፍጥረት ኵሉ ምቕራብን ምብሳርን ይሓትት፡ ኢየሱስ ኣብ ኣሕዋትናን ብፍላይ ኣብ ድኻታት ክንረኽቦ ባዕሉ ይገልጸልና፡ ከምቲ ንደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብመንፈስ ሓይሊ ተመሊኦም ብጭቡጥ ምልክታ ኣብሰርቲ ወንጌል ክዀኑ የተባብዖም፡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ በራት ሰማይ ከፈተልና፡ ተስፋና ንሱ እዩ፡ ከምቲ ኣብ ስርዓት ቅዳሴ፡ ልብና ናብ ሰማይ ክብ ነብል … ቢልና እንደግሞ ጸሎት ልብና ናብ ሰማይ ክብ ከነብል ናይቲ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ኣደ ዝዀነት ድንግል ማርያም ክትድግፈና ኣማላድነታ ንለምን ቢሎም ብጭቡጥ መገዲ ብሕይወና ኣብ ዘመንናን ታሪኽን ዘራእቲ ወንጌል ክንከውን ተድግፈና ቢሎም ጸሎት ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሎሞናኰ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.