2018-05-10 16:17:00

ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ዛዕባ መንእሰይ ዝዝትይ ሲኖዶስ መጋበሪያ ዕዮ ተሰኒዱ


ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላላ ዋና ጸሓፊ መደበይና ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 7 ግንቦት ክሳብ ዕለት 8 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥

ናይቲ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ንቕዱስነቶምን ተጋባእያንን ሰላምታኦም ብምቕራብ እቲ ናብቲ መበል 15 ዛዕባ መንሰይን እምነትን ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ውርሒ ጥቅምት 2018 ዓ.ም. ንኽካይድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝፍጸሙ ዘለዉ ምቕርራባት ኣሞርኵይዞም መግለጺ ከምዝሃቡን፡ ብፍላይ እቲ ናይቲ ሲኖዶስ መካየዲ ዕዮ ንምስንዳው ዝግበር ዘሎ ከይዲ ብጥልቂ ከምዘብርሁ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይቲ ሲኖዶስ መካየዲ ዕዮ ንምስንዳው ናብ መላእ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ሰበኻታት ዝተላእከ መሕትትን ዝተውሃቦ መልስታቱን ብመርበብ ሓበሬታ እውን ንመንእሰያት ተዘርጊሑ ዝተውሃቦ መልስታትን እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ዓቆፍ ጉባኤ ዘቕረቦ ናይ ፍጻሜ ሰነድን እዚ ሰነድ እውን ንክኢላታት ቀሪቡ ዝተውሃቦ ርእዮት ብምትእኻኻብን ካብ ዕለት 19 መጋቢት ክሳብ ዕለት 24 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ቅድመ ሲኖዶስ ዓውደ ጉባኤ መሰረት ዝተጠናቀረ ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘብርሁ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

እቲ ዝረቐቐ ናይ ሲኖዶስ መካየዲ ዕዮ ሰነድ ብፁዕነቶም ንተጋባእያን ኣቕሪቦም ኣብቲ ሰነድ ዝተመርኰዘ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ተኻይዱ፡ ተጋባእያን ነቲ ሰነድ ብምልኣተ ድምጺ ከምዘጽደቖዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ሲኖዶስ መካየዲ ዕዮ ሰነድ ንምጻድቕ ናይ ዲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ጽሕፈት መማኽርቲ ዘካየዶ ኣኼባ ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ከምዝነበረን ናይቲ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ፋበነ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግልጺ እቲ ኣኼባ ፍርያምን ብዙሕ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ርእይቶታትን ዝቐረበሉ ከምዝነበረ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ፍጻሜ እቲ ኣኼባ ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ንዝሃብዎ ኣበርክቶን ተወፋይነቶምን ብሕውነታዊ ሱታፌ ተመሪሖም ንዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ከምዘመስገኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.