2018-05-03 16:07:00

ዘተ ምስ ቻይና፡ ህርማ በትረ ሰራዪ ኣይኰነን


ዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዝግበር ስምምዕ ኣብ ሓጺር እዋን ዝብጻሕ ከምዘይኰነ እውን እንተሓበረ ምምሕያሽ ዘርእ ዘሎ ርክብ እዩ እንክብሉ ዝገለጾ ሓሳብ፡ ቻይናም ቅድስቲ መንበርን ኣብ ክሌኣዊ ርክብ ንቕድሚት ይስጉማ ከምዘለዋ ዝሕብር ምልክታ ይረአይ ክምዘሎ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሰርጆ ቸንቶፋንቲን ቫቲካን ራዲዮ መደብ ቋንቋ ጀርመን ሓላፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ በርንድ ሃገንኮርድ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብቲ ስልጣን ምስያም ብፁዓን ጳጳሳት ዝብል ጀሚሩ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ንዘይ ምርድዳእ ምኽንያት እያቶም ዝበሃሉ ገለ ገለ ጸገማት መዕለቢ ክረክብ ዝግበር ክሌኣዊ ዘተ ካብ ቀረባ እዋን ንነጀው ከምእተበገሰ ዝፍለጥ ኰይኑ ንዅሉ ረብሓ ዝብል ናይ ርክብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘማእከለ ምዃኑ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም፥ እዚ ከበሃል እንከሎ ግና ነቲ ዅሉ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዘሎ ጸገማት ዝፈትሕ ርክብ እዩ ማለት ኣይኰነን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ቅድም ክብል ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ ርክብ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ምምሕያሽ ከምዘሎ ምስ ናይ ኢጣሊያ ላ ስታምፓ ምስ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንክሕብሩ፡ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ብዙሕ ጸገምን ስቓይን ዝተራእየሉ ከምዝነበረን ካብ ሰማንያታት ንነጀው ምምሕያሽ እናርኣየ ከምዘሎን፡ ቅድስቲ መንበር ነዚ ጉዳይ’ዚ ብመንጽር ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ እያ እትርእዮ። ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. መልእኽቲ ናብ ናይ ቻይና ካቶሊክ ምእመናን ብዝብል ኣርእስቲ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ርክብ ንኽመሓየሽ ከምዝገበሩ፡ ኣብቲ መልእኽቲ ፍቕዲ ኣርባዕተ፥ “እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ቻይናን ዘሎ ዘይምርድዳእ ዝፍታሕ ብቀጻሊ ምስሕሓብ ኣይኰነን፡ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ብወገኖም፡ ነቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ፥ ብምክብባርን ሓናጽን ዘተ ተወኪሶም፡ ሓናጽን ገርሄይና ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ተኣማኒ ዝዀነ ዘተ የተባብዑ።

ካብቲ ናይ ማኦ ሰቱንግ ሓፋሽ ሕዝቢ ካብ ናይ ምዕራባዊ ዕበለላን ድኽነትን መሃይምነትን ካብ ጨቋኒ ኣረጊት ስርዓት ስልጣንን ካብ እግዚኣብሔርን ሃይማኖትን ከይተረፈ ናጻ ምውጻእ ዝብል ሰውራ ንብዙሓት ልኡካነ ወንጌልን ምእመናንን ብዙሕ ጸገም ኣስዒቡ እዩ፡ ካብዚ ሰውራ’ዚ ዝተወልደ ናይ ቻይና መንግስቲ ፖለቲካዊ ዴስነት እቲ ርክብ ንብዙሕ ዝተሓላለኸ ጸገም ዳሪጉ እዩ፡ ካብ ሰማንያታት ንነጀው ኣብ ቻይና ለወጢ ክረአይ ምስ ጀመረ ነዚ ስዒቡ ዋላ’ኳ ኣብ ጸጥታን ደሕንነትን ዝምልከትን ማሕበራዊ ባህላዊ ሕይወት ብርቱዕ ምቍጽጻር እውን እንተሎ እቲ ቻይና እትበጽሖ ዘላ ኤክኖሚያዊ ምዕባለ ሕዝባ ምስቲ ናይ መላእ ዓለም ሕዝቢ ድላይን ኣስተንፍሶን ክራኸብ ስለ ዝገበረ፡ ናይ ግድን ኣብ ርክባት ልወጥን ሕዳሴ ክህሉ ኣነቓቒሑ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ጥልቂ ዝዀነ ኣብ ናይ ሃይማኖታውነት ሕይወት ዝረአይ ዘሎ ለውጢ ካብቲ ኤኰኖሚያዎ ለውጢ ጥራሕ ዝመጸ እዩ ቢልካ ከተጽብቦ ምፍታን ጌጋ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ቅድስቲ መንበር ምክብባር ኣብ ዝዓሰሎ ዘተ ዘለዋ እምነት መሰረት ንናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሕዝብን ረብሓ ዘተ ብምንቕቓሕ ግዴኣ ከተበርክት ስንድውቲ እያ እዚ ከይዲ እዚ ንመላእ ካቶሊካውያን ዓለም ዝምልከት እዩ፡ ስለምንታይ ናይታ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ዝምልከት ምዃኑ ኣባ በርንድ ሃገንኮርድ ኣብ ዘመሓለፍዎ ጸብጻብ ሓቢሮም፥ እቲ ጻዕሪ ምስሕሓብ ዘየምጽእ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ዝተሰነየ ኣብ ተልእዀ ወንጌል ናይ ኢየሱስ ሰብኣውነት ናይ ኵሉ ሰብኣውን መንፈሳውን ደረት ተመክሮ መጻእተይና ኣይኰነን ብዝብል ልዑል ሰብኣውነት ባህሊ ዝተሰነየ ምዃኑ የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.