2018-05-03 15:59:00

መጻኢ ካብ ተራኽቦነት ዳግም ምሕሳብ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኤውሮጳ መንነታ ዳግም ንምርካብን እዋናውያን ብድሆታትን ንምግጣምን ናይ ተስፋ ጐዳና ምልላይን ኣብ ዝብል ደረት ተመክሮ ዘተኰረ ብዛዕባ ኤውሮጳ ዘማእከለ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘስምዕዎ መደረ መጻኢ ካብ ተራኽቦነት ዳግም ምሕሳብ፡ መደረ ኣብ ዛዕባ ኤውሮጳ ብዝብል ኣርእቲ ቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ዕለት 11 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ኣብ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ምርኢት መጻሕፍት ክቐርብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ምርኢት መጽሓፍ ቶሪኖ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ሉሲዮ ኣድሪያን ሪዊዝን ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣንቶኒያኑም ናይ ክፍሊትምህርቲ ፍልስፍና መምህር ፕሮፈሰር ዳሪዮ ኣንቲሰሪን ናይ ቫቲካን ኢንሳይደር ጋዜጠይና ሉቻ ሮላንዲን ዘሳተፈ ብናይ ቤት ማሕተም ቫቲካን ሓላፊ ሓው ጁሊዮ ቸሳረኦ ብዝመራሕ ዓውደ ጉባኤ ንንባብ ክበቅዕ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

መደረ ቅዱስ ኣቦና ንኤውሮጳን ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተፈላለዩ መዋቕራትን

ናይቲ መጽሓፍ መቕድም መሰረታት ኤወሮጳ ዘዘኻኽር ብዝብል ኣርእስቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተደርሰ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኤውሮጳ ዝተዛረብዎን ዝገለጽዎን ዘመሓላለፍዎን መልእኽትታት ከከም ኣርእስታቱን ትሕዝቱኡን ሰሪዑ ዘቕርብ ምዃኑ ኣመልኪቱ፡ ቅዱስነቶም ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ፖሊቲካ ኣካላትን ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረትን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶን ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ስትራስበርግ ዕለት 25 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ዘስምዕዎ መደረን ዕለት 6 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ስልማት ካርሎ ዓብይ ኣብ ዝተቐበልሉ ዕለት ዘስምዕዎ ዘረባን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ውዕሊ ሮማ ዕለት 24 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ንዘካየዱ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኤውሮጳ ዳግም ምሕሳብ ኣብ ዝብል ዓውደ ጉባኤ ተሳተፍቲ ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃል ዘጠቓለል መጽሓፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መቕድም ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኤውሮጳ ኣብ ተቕዋማት ኤውሮጳ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘስምዕዎ መደረ ቅዉም ሓሳቡን መልእኽቲ ፈልዮም ብምቕራብ ካብ ሻምናይ ክፍለ ዘመን ንነጀው ንመጀመሪያ ጊዜ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ዝተሓርዩ ዘይኤሮጳዊ ር.ሊ.ጳ. ከምዝዀኑ ኣዘኻኺሮም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ብዛዕባ እታ ጥንታዊት ክፍለ ዓለም ዝዀነት ኤውሮጳ ዓቢይ ተገዳስነት ከምዘለዎም እናረአዩ ታሪኽን መንፈስን ኤውሮጳ ብምዝኽኻር ነቲ ኣብታ ክፍለ ዓለም ዘጋጥም ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖሊቲካውን ብድሆታት ከመይ ምግጣምን ምፍታሕን እናሓበሩ ዝዀነ ይኹን ቅልውላው ሳዕቤን እዩ፡ ቅልውላው ስለ ዝዀነ ድማ ዘይስገርን ዘይብዳህን ከምዘይኰነ እናሓበሩ ቅልውላው ንብሉጽ መጻኢ መሰጋገሪ ምዃኑ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዕቑር ሓይሊ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ዕቑር ሓይሊ ምልላይ ከምዝግባእን ከመይ ክልለይ ከምዘለዎን ዘመላኽቱ ምዃኖም ብሰፊሕ ኣብቲ መቕድም የመልክቱ።

ቅዱስ ኣቦና ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊኒ ከምዝብልዎ፥ ሰብኣውነት ሰብ ዘማእከለ ባህሊ ዘነቓቕሑ ምዃኖም ኣብሪሆም፡ እዚ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ፈለማ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ላምፔዱዝ ብምክያድ ላምፐዱዛ ናይ ኤውሮጳ ህርኵታውነትን ምትሕብባርን ወጅህን ንብዙሓት ናብ ተስፋ እተሰጋግር ደሴት ኢጣሊያ ምዃና ብምግላጽ የረጋግጽዎ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ከኣ ብረቒቕ ሓሳብ ዘይኰነ ብጭቡጥ ኣብነት እዮም ዝገልጽዎ፡ ኣብ ናይ ፍጥረት ሰብ ጸገምን ዕለታዊ ሕይወትን ገዛእ ርእሶም ዘንብሩ ምዃኖም ካብ መልኽቶም ስብከታቶምን ኣስተምህሮኦምን ተስተውዕል፥

ፍጥረት ሰብ ምስ ኩሉ መሰረታዊ ድልየታቱን ርክባቱን ሰብኣውነት ሰብ የማእክሉ። ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኤውሮጳ ኰነ ነቲ ኣብ ዓለም ዝቀላቐል ጸገም ኵሉ መፍትሒ ዝህቡ ዘይኰነስ ንምፍታሕ ዝድግፍ መገዲ ከምዝሕብሩ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ብምሕባር፡ ቅዱስ ኣቦና ንሕዝቢ ኤውሮጳ፥ ሰብ ካብ ዝዀነ ይዅን ማሕበራውን ስነ ሰብእን ኩነታት ወጻኢ ከም ሓደ ንጹል ነጥቢ ወይ ነገር ገርካ ምርኣይ ከምዝኸውን ብምሕባር፡ ሰብ ኣብ ማሕበረሰብኣዊ ትስኩዕቱ ብተራኻብነት ደረት ትርኢቱ ምጥማት ከምዘድሊ የተሓሳስቡ፡ ሰብ ደሴታዊ ኣይኰነን። ምስ እዚ ኣተሃሒዞም ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊኒ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ዓውሎማዊ ሸለልተይናነት ወይ ዘይተገዳስነት ፈልዮም ብምትንታን፡ ነዚ ካብ ኢጐነት ዝምንጭው ዘይተገዳስነት ንምስናፍ ሓላፍነት ዝስምዖ ነጻነት ኣብ ሓቅን ክሳብ ሕይወት ንምኽፋል ስንድውነት ዝብል ጭቡጥ ተሓባባርነትን ባይታ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም የመልክቱ።

ኤውሮጳ መበቆላ ዳግም ከተለልይ

ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ ጊዜ ናይ ሕሉፍ ተመክሮ ህልው ምግባር ንብሩህ መጻኢ ፍኖት ምዃኑ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ኣምር፡ ስለዚህ ናይ ሕሉፍ ተዘክሮ ህልው ምግባር ንህላዊ ሕይወታዊ ምንጪ ኪፍኪፍታ እዩ፡ ናይ ሕሉፍ ተዘክሮ ንህልውነት ይምስንው፡ ንናይ ሎምን ጽባሕን ብድሆ ንምግጣም ተዘክሮ ህልው ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ዘነጽር ከምዝዀነ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝደረስው ምቕድም ኣብሪሆም፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ፡ ንሓድሽ ሰብኣውነት ሕይወት ንምሃብ ተዘክሮ ምትሕልላፍ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ምስግጋር ወሳኒ እዩ ይብሉ።

ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ኤውሮጳ ሕመረት ንምዃን ዝተጸውዑ እያቶም

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዝደረስዎ መቕድም እንከጠቓልሉ፥ እታ መጻኢ ካብ ተራኽቦነት ዳግም ምሕሳብ፡ መደረ ኣብ ዛዕባ ኤውሮጳ ዘርእስታ መጽሓፍ ኤውሮጳ ህልዮታውን መንፈሳውን ውርሻኣ ዳግም ክትረኽቦን ክትራኸቦን እተተባብዕን፡ ኤውሮጳ ፈልዩ ዝገልጻ ንሱ ኸኣ ሰብ ካብቲ ደረት ሰገር ዝዀነ ክብሩ ተበጊስካ ምርዳእ ዝብል እዩ፡ በዚ መንጽር’ዚ ኣበርክቶ ናይቲ ናይ ኤውሮጳ ሕመረት ንኽኸውን ዝተጸውዔ ማሕበረ ክርስቲያን ኤውሮጳ ኣገዳሲ ምዃኑ ይትንትኑ።








All the contents on this site are copyrighted ©.