2018-04-28 17:05:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ንኻልእ ለዋህን ርህሩህን ጭቡጥ ቅርበት ምቕራብን ምንባርን


ክሳብ ዕለት 1 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ሎሚ ዕለት 28 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፐሳሮ ናብ ዝተኸፍተ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ካቶሊካዊ ማሕበር ምንቅስቓስ ተሓድሶ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል፥ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 10, 30-37 … ኢየሱስረኣዮ እሞ ደንገጸሉ .. ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሰዶ . . .  እምበኣር ኪድ ንስኻውን ከምኡ ግበርዝብል ምዃኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ነዚ መርሕ ቃል ጠቒሶም ድንጋጸን ለውሃትን ነሕዋትን ኣሓትን ብጭቡጥ ተግባር ንነብር ንዅን፡  ኣብ ኩሉን ብዅሉን ገዛእ ርእስና ምስ ኢየሱስ ነነጻጽር፡ ናይ ተግባራትናን ርክባትናን ምንባርናን ግብርናን ሚዛን ኢየሱስ ንግበር ቢሎም፡

ሕያዋይ ጓሳ ተክለ ሰብእነት ኢየሱስ እዩ

ኵሉ ኣብ ጐዳና ሕያዋይ ሳምራዊ ክመላለስ ጽዉዕ እዩ፡ እዚ ሕያዋይ ጓሳ’ዚ ልክዕ ከምቲ ዘፍቀረና ከነፍቅርን ንኻልእ እንነብሮ ፍቕሪ መምዘኒ እቲ ንሱ ንኣና ዝገለጾን ዘለዎን ፍቕሪ ምዃኑ ዘነጽር ናይ ኢየሱስ ተክለ ሰብነት መግለጺ እዩ፡ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ሓቅነት ብእውነተይና ምሕረት ዝተንቀሳቐሰን ናይቲ ወዲቑ ዝነበረ ሰብ ኣቝሳል ሰፊፉን ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሲሱን ብምክንኻን ቀረቦን ደገፎን። እዚ ዝገበረ ኢየሱስ ትማልን ሎምን ንስኻትኩም እውን ብግልን ብማሕበርን ኪዱ ክምኡ ግበሩ ይብለና ኣሎ። እዚ ምስክርነት’ዚ ካብ ነፍሲ ወከፍና ይጽበይ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ናብቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ማሕበር ተሓድሶ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል፥ ንስኡናንትን ድኻታትን ቀረባ ብምዃን ዝንበር ኢየሱስ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ምስክርነት ናይ ኩሉ ክርስቲያን ጸዋዕታ እዩ፡ ንኢየሲስ ዘሎና ፍቕሪ መምዘኒ ንብጻይና ዘሎና ፍቕሪ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ናይ ፐሩጃን ከተማ ፒየቨን ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ኣውን ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ ንዘይፈልጡ ዘፍልጦም ኢየሱሳዊ ፍቕሪ ጥራሕ ኢዩ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተነብረሉን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮን ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ እውን፥ ወንጌላዊ ልኡክነት ወይ ተወንጊልካ ምውንጋል ማለት ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ፍቕሪ ምብሳር ማለት ምዃኑ ዘብርህ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.