2018-04-25 17:03:00

ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣጉይረ፥ ዘይንገረሉ ርሱዕ ውግእ


ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ሰበኻ ባናጋሱ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ኾሰ ኣጉይረን ናይ መቕተልቲ ምፍርራሕ ከምዝበጽሖምን ካቴድራሎም እውም ከምእተዓጸወን ልዕሊ 2 ሺሕ ዝግመቱ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ጅምላዊ ቕትለት ሓደጋ ብቤተ ክርስቲያን ከምዝደሓኑን ሓደ ካህን እውን ንሞት ከምእተዳረጉን ብዙሓት ካብ ሞትን ስግኣት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ይመዛበሉን ይስደዱን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ እዞም ዝሳቐዩን ዘኽታማትን ህሙማን ኤይድስን ኣረጋውያንን ብምቛም ኣብ ደገፎም ትርከብ። ነዛ ሃገር እዚኣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመንፈሳውን ብሰብኣዊ ድጋፍን ቀረባ ምዃኖም ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ብወግዒ ንምብጋስ ካብታ ብውግእን ዓመጽን ዝተሓመሰት ሃገር ደሞክራሲያዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምካያድ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ብወግዒ ዘበገሱን ሎሚ እውን ብዘይ ምቁራጽ ዘረጋግጽዎ ቅርበትን ሓልዮትን ቀጻሊ ከይኑ ኩሉ ምእንቲ እተን ኣብ ውግእን ዓመጽን ምግምማዕን ዝርከባ ሃገራት ክጽለይ ከየቋረጹ ጻውዒት የቕርቡ።

ብፅዕ ኣቡነ ዅዋን ኾሴ ኣጉይረ ኣብ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከም ዕዱም ተሳቲፎም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገሮም ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሰፊሕ መግለጺ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሲልቮነይ ፕሮትዝ ሓቢሮም።

ረፓብሊክዊት ማእከላይ ኣፍሪካ ብዕጡቓት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምናን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጥርዎ ዕግርግ ብዝተዀላለፈ ዝቕጽል ንሕድ ሕዳዊ ግርጭት ተዳሪጋ ትርከብ። እቶም ዕጡቓት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኢሃይማኖታውያን ጸረ እግዚኣብሔር እያቶም፡ ሃይማኖት ተጐልቢቦም ዘለዓዓልዎ ውግእ ናይታ ሃገር ብሃብቲ ተፈጥሮን ጸዓትን ሃብታም ዝዀነ ከባቢ ንምቁጽጻር ዝሓቀነን ገዛእ ርእሶም ብሃብቲ ንምድላብ ዝጠመተ እዩ፡  ናይ ሰበኻኦም ካቴድራል መንበረ ጳጳስ ከምእተዓጸወን ናይ ክንቐትለካ ኢና ዝብል ናይ መፈራርሒ መልእኽቲ እውን ይበጽሖም ከምዘሎን፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ሓደ ካህን ከምእተቐትሉን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ እውን ናይ ሰበኻኦም ካህን ተሓባባሪ ጳጳስ ከምዝቖሰሉን ሓቢሮም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሕማማት ኢየሱስ እትነብር እያ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፕሮትዝ ኣስዒቦም፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 2 ሺሕ ዝግመቱ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ጅምላዊ ቕትለት ከምዘድሓነትን ብዙሓት ዝተፈላለያ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያን ዓለም ሓቆፍ ናይ ረድኤት ማሕበራት ብምኽንያት ኣስጋኢ ኩነት ጸጥታን ካብታ ሃገር ክወጹ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሕዝቢ ቆይማ ኣብ ምእላዩን ምድጋፉን ትርከብ፡ ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ህልውቲ ዝዀነት ሃገር እያ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ኣብታ ሃገር ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተበገሰ ውግእ መራኸቢ ብዙሃንን ዘይዛረባሉ እናዀነ ዝተረስዔ ውግእ ኰይኑ ኣብ ዘለሉ እዋን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ኣናተረኸበት ናይቲ ድምጺ አይብሉ ሕዝቢ ድምጺ ብምዃን ንናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ቆይማ ዓለም ሓቆፍ ማሕብረሰብ ኣብ ረፓብሊካዊት ማኣከላይ ኣፍሪቃ ሰላም ኣብ ምምጻእ መርሓ ግብሪ ተጊሁ ክዓዪ ጻውዒት ከምእተቕርብ ዝገለጹ ምስ ቫቲካን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ቃለ መሕትት ዘካየዱ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ኾሰ ኣጉይረን ኣስዒቦም፡ ኣብ ምንጐ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይሊ ሰለቓ ዝበሃል ኣብ ውሽጡ ብዘለዉ ዝተፈላለዩ ካልኦት 14 ዕጡቓት ሓይሊ ናይታ ሃገር ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንምውናንን ዝሓለነ ግርጭት ይካየድ ከምዘሎን፡ ሕዝቢ ካብ  ሓደጋ ሰለካ ንምድሓን ብዝብል ድላይ ቃልሲ ጸረ ሰለካ ዝጀመሩ መንእሰያት ኣብ ምጅማሮም ንሕዝቢ ኣብ ብጋዜኦም ንህዝቢ ደሓር ግና ኣብቲ ናይ ምውናን ተፈጥሮ ሃብቲ ሃገር ተዋፊሮም ናይቲ ነታ ሃገር ዘድምይ ዘሎ ዕግርግር ተዋሰእቲ ኰይኖም ከምዝርከቡ ይሕብሩ።

ክርስቲያን ይኹን እስላም ብዘየገድስ እታ ኣብ ሕማማት ክርስቶስ እትነብር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ምሕረት መምርሒእ ገይራ ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ኣገልግሎት ዝሳቐዩ እናተጸመደት፡ ጸዋዕታኣን ተልእኾኣን ትፍጽም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብዘይ ረብሓይን ረብሓኻን ብዘይ ምግምማዕን ምእንቲ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ሓደ ቆይሙ ንኸምዚ ዓይነ ዝኣመሰሉ ምስሕሓባትን ግርጭንትን ብቑዕ መልሲ ክህበሉ ይግባእ ምስ በሉ፡ ናይታ ሃገር ሕዝቢ ቤተ ክርስትያን ተድልዮ እያ፡ እቲ ሕዝቢ እውን ንቤተ ክርስቲያን የድልያ፡ ቅርበት ቅዱስ ኣቦና ዘይፍለያ ሃገር ምዃና ኣረጋግጽ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.