2018-04-24 16:56:00

ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ስነ ሕብረተሰብ ሊቅ ዎልቶን ዝተኻየደ ዘተ እግዚኣብሔር ገጣሚ እዩ ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ


ዕለት 24 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ናይ ስነ ሕብረተሰብ ሊቅ ዎልቶን እትውከስ እግዚኣብሔር ገጣሚ እዩ ዘርእስቱ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቒዓን ኣብ መላእ ቤተ መጻሕፍቲ ኢጣሊያ ከምእተዘርገሔ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።

እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ፈረንሳዊ ሊቅ ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሓን ህልዮተይና (theorist) ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብምራኽብ ኣብ ሓደ ዓመት ውሽጢ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ዘተን ምልውዋጥ ሓሳብን ብዛዕባ ሰላምን ፖሊቲካን ዓውሎማነትን ጸንፈይናነትን ማሕበራዊ ኢማዕርነትን፡ ገንዘብ ዘምልኽ ምልካዊ ከይዲ ዓለምን ሰብ ዘማእከለ ኤኰኖምን፡ ስደተይናነትን ኤውሮጳን ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተን ኣብ ዝብል ዓበይትን ካልኦት ነኣሽቱ ኣርእስታትን ኣሞርኵይዞም ዝተለዋወጥዎ ሓሳብ ዘማእከለ መጽሓፍ ምዃኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥ ናይ ወንጌል ሓሴት ዝብልን ከምኡ እውን መንግስታትን ሕዝቢ ዓለምን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ውግእ ክቃወሙን፡ ብፍላይ ውግእ ከይኽሰት ዝብል ሓሳብ ደጋጊሞም ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣጠቃሊሉ ነቲ ዝተኻየደ ዘተ ብምሉእ እግዚኣብሔር ገጣሚ እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ኣወሃሂዶምን ኣሳዅዖምን ኣብ ሓደ ጠርኒፎም ዝደረሱ ናይ ስነማሕበረሰብ ሊቅ ዶመኒክ ዎልቶን እቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኸይደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለጹ የመልክቱ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ይብሉ ዎልቶን ሕዝባዊ ር.ሊ.ጳ. ዘይኰኑስ ናይ ሕዝቢ ጳጳስ ምዃን እዩ ድላዮም፡ ምስቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ኢፍትሓውነትን ኢጐነትን ናይ ውግእ ኣጽዋር ኣምረትቲ ኢንዳስትሪታትን ትካላት ንግድ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣዚዮም ዝቃወሙን እዚ ዅሉ ጸረ ሰብኣዊ ዝዀነ ዓይነት ምርጫ እውን ክውገድ ዝጽዕሩ እዮም፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ካብ 2016 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ን 12 ጊዜ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምእተራኸቡን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርክባት ከኣ ናይ ሓደ ሰዓት ዘተ ከምዘካየዱን፡ ነቲ ኹሉ ዘተ ኣወሃሂዶም ከከም ሓሳቡ ኣዛኒቖም 250 ገጽ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ወርሒ መስከረም ፖለቲካን ሕብረተሰብን ብዝብል ኣርእስቲ ተደሪሱ ንንባብ ከምዝበቕዔ ኣዘኻኺሮም፡ እነሆ ብቛንቋ ጣልያንይና እግዚኣብሔር ገጣሚ ብዝብል እርስቲ ተተርጒይሙ ንንባብ ከምዝበቕዓ እውን ኣዘኻኺሮም፡

ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎም ርክባት ብሓቂ ብሰብኣውነት ድዩ ብስነ ሓሳብን ፍልጠትን ክትመዝኖ ሃብታም ምንባሩ እውን ሓቢሮም ብፍላይ ከኣ ኣነ 50 ሚእታዊ ካቶሊክ እየ ምስ በልክዎም ብዙሕ ከምዘገረሞምን እቲ ርክብ ብስነ ፍልጠትን ስነ ሓሳብ ስሑልን ዓሚይቕ ኩነት ከምዝነበረን ይዅን ደኣ እምበር ዋዛ እውን ዝተሓወሶ እዩ ነሩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ ይብሉ ዎልቶን፥ ክትግምቶ ዘይትኽእል ሰብኣውነት ዝዓሰሎም እዮም ከምዚ ከምኦም ቀጥታዊ ርክብ ዘካይድ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ሰብ ኣብዚ እዋን’ዚ ምርካብ ከቢድ እዩ። ኣነ መጋቢ/ጓሳ እምበር ፕሮፈሰር ኣይኰንኵን ዝብሉ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዎልቶን ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣንቶነላ ፓለርሞ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ኣብ ... ፍራንቸስኮ፡ ምዕርግታውነት ምስ ኣትብል ግርማዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይኰነስ መጋቢት/ጓሳ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታትን ንሓጥኣትን እትብል ቤተ ክርስቲያን እየ ዝተራኸብኩ፥  ወንጌል ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን፡ ተወንጊላ እትውንግል (evangelized-evangelizing) ቤተ ክርስቲያ ኣብ ... ፍራንቸስ ህልውቲ እያ

ብዛዕባ ጦብያውያን ሕልምታት (ክጭበጥ ወይ ክብጻሕ ዘይከእል ትምኒት ከይኑ ዝተርፍ) ዝዛረብ እግዚኣብሔር ገጣሚ እዩ ዘርእስታ መጽሓፍ፥ እቲ መጽሓፍ ካብ ፍረንሳይና ፖሊቲካን ሕብረተሰብ ካብ ዝብል ኣርእስቲ ቅድም ቢሉ ዝተሓትመ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ጣልያን ምስ ተተርጐመ ዝሃብዎ ኣርእስቲ እግዚኣብሔር ገጣሚ እዩ ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፥ እዚ ኸኣ ቀጥታዊ ትርጉም ዘይኰነስ ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ካብ ዝብልዎ ዝነበሩ ዝተወስደ ምዃኑ ገሊጾም፡ ቅዱስነቶም ንእግዚኣብሔር ክሓስቡ ብዛዕባኡ ክዛረቡን ኣብ እግዚኣብሔር ዘርእይዎ ናብ ርትዓዊ ተመዛዝኖ መገዲ ኣገባብ ዝሃድም ወይ ዘምልጥ ካብቲ እዋናዊ ዓለም ዝህቦ ዓቢይ ግምት ዝረሓቐ እዩ፡ ገጣሚ ንገለ’ኳ ኣይረብሕን በንጻሩ ንዅሉ ግና ዝጠቅም እዩ፡ ግጥሚ ናጻዊ እዩ። ቦቕባቕነትን ቅዲውነትም ንኻልእን ኩነትካን ኵነት ካልእን ጽን ምባልን ምስትውዓልን ዝብል ምስጢር እዩ። መኽሰብ ዘይብል ብዛዕባ ክብጽሑ ዝኽእሉ ብዓለም ግና ጦቢያውያን ሕልማዊ ትምኒት ተገይሮም ብዛዕባ ዝሕሰቡ ይዛረቡ። ልዑል ሸቶን ዓሴታትን እዋናዊ ዓለም ዘይብጻሕ ቢሉ ጦቢያ ገይሩ እዩ ዝሓስቦ። ቅዱስነቶም ግና ዝጻሕ ጦቢያ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ንቤተ ክርስቲያን ሓሴትን ነጻነትን ገይሮም እዮም ዝርእይዋን ዝትርጉምዋን። ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ፍልስፍና ንሱ እዩ። ፍይዩ ዘብሎም ንሱ እዩ፡ ሓሴት ሓጐስን ደስታን ብሓፈሻኡ ተመሳሰልቲ ቃላት እያቶም ኣብ ስነ ትርጉምን ትንተናኦምን ግና ፍልልይ ከምዘለዎ ኣብ ቅዱስነቶም ተንብቦ ካብ ዝብልዎ ትርዳእ። ብዛዕባ ከበድቲ ሓጢኣት ዝበሃሉ ክዛረቡ እንከለዉ ኣገዳሲ ክነሱ ካብቲ ብዛዕባ ስነ ሕይወት ዝምልከት ሓጢኣት ንላዕሊ እዩ ዘተሓሳስቦም፡ ብዛዕባ ናይ መንፈስ ግትርነት፡ ምስሉይነት ዘይማዕርነት ምግምማዕን፡ ኢፍትሓውነት ዝብሉ ሓጢኣት ብዙሕ የተሓሳስቦም።

ካብ ኢየሱሳዊ ኣዚዮም ፍራንቸስካዎ ዝዀኑ ...

ንተራ ሕዝቢ ዘፍቕሩን ናይ መጋባእያን ካህናትን ናይ ባይቶ ነገስታት ሹማምንቲ ካህናትን ዕውልማትን (ናይ ዓለም ዝዀኑ) ዘይፈትዉ፡ ብሓጺሩ ፍራንቸካዊ ካህን ትብሎም። ባህሊ ልምዲ ምቕያር ከምዝክኣል እዮም ዝኣምኑ፡ ስለዚህ እዮም ድማ እትንቀሳቐስ ቤተ ክርስቲያን ዝብሉ፡ ካብ ኣብ ዘለኻሉ ኰለል ወይ ዕንኪላሎ ካብ ምዃን ቲዮሎጊያዊ መሃዝነት ዝመርጹ እዮም። ንጹህ ኣየር እተተንፍስ ቤተ ክርስቲያን፡ እታ ጥንታዊት ኤውሮጳዊት ቤተ ክርስቲያን መሓንደቕ ካብ ምዃን ርሒቓ እያ። እዚ ንዓኦም ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሕረዩ ቅዱስ ምኽንያት ከምዝዀነ እውን ይርድኡ፡ ስለዚህ ምንም ዘፍርሖም ነገር ከኣ ከምዘየለ በዚ ምኽንያት የነጽሩ። እታ መጽሓፍ ብጠቕላላ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ እተነጽር እያ እንክብሉ ዎልቶን ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፓለርሞ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 23 ሚያዝያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መጽሓፍ ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ምልእኽቲ፥ መጽሓፍን ንባብን ንማሕበረሰብኣዊ ሕውነት መጋበርያ ይኹን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሉዊዛ ኡርባኒ ሓቢረን።

ናይ ኢጣሊያ ናይ መጽሓፍን ንባብን ማእከል ኣቦ-መንበር ሮማኖ ሞንትሮኒ ካብ ቅዱስነቶም ዝተላእከ መልእኽቲ መጽሓፍን ንባብን ዓቢይ ዕሴት ምዃኑ ዘዘኻኽርን፥ ኣብ መላእ ዓለም ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ዋሕዲ ምንባብ መጽሓፍ ክውገድ መገዲ ይሕብሩ፡ መጽሓፍ ዘየንብብ ትውልዲ ብሓቂ ሓደጋ እዩ፡ ቃሎም ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መጽሓፍ ካብ ዝተኻየዱ መደባትን ዝተመሓላለፉ ናይ መንግስትን ተቛማትን መልእኽትታት ኣዚዩ ብትኽክል ናይ መጽሓፍን ንባብን ዓቢይ ዕሴት ዘነጽር እዩ ቢሎም፥ መጽሓፍ ብሓፈሻኡ ንባብ ሕውነት ዘስፍሕ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ዓቢይ ድጋፍ እዩ፡  እንክብሉ ቅዱስነቶም ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣቃሊሖም፡ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መጽሓፍ ኣብ 1996 ዓ.ም. ዝተበገሰ መደብ ምዃኑንሚያዝያ 23 ዝተመረጸሉ ከኣ ዕለት 23 ሚይዝያ 1616 ዓ.ም. ዓበይቲ ደራስያን ሚገል ደ ከርቫንተስን ዊሊያም ሸክስፒርን ኢንካርቺላሶ ደ ላ ቨጋ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩሉ ዕለት ብምዃኑ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ልዊዛ ኡርባኒ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.