2018-04-24 19:04:00

ናይ ቃላት ቅዩድ ምዃን ወይውን ንመንፈስ ቅዱስ ልብኻ ምዕጻው ደጊም የለን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ሚያዝያ ዕለት 24 2018 ዓም ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ደቂሰባት ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሮም ወትሩ ንመንፈስ ቅዱስ ልቦም ኣደንዚዞም ንዝኾነ ሕዳሴን ለውጥን ምቍዋሞም ድሕሪ ምምልካት ነቲ ወትሩ ምስ ሓደ ዘደንቅን ሓዲስን ነገር ንክረኽበና ዝመጽእ ጐይታ ክንቅበሎ ግድን እዩ ኮይኑ ግን ደቂ ሰባት ዝንባሌታትና ኣይግድን እዩ ስለዝኽዕነ ‘ንቃላት እናኣኰማሳዕና ከም ርእዮተ ዓለም እናወሰድናዮም ናይ ገዛእ ቃላትና ቅዩዳት ስለእንኸውን ነዚ ሰጊርና ንመንፈስ ቅዱስ ልብና ብምኽፋት ነቲ ጐይታ ዘቅርበልና ሓደስትን ኣደነቅትን ነገራት ሃንጐፋይ ኢልና ንቀበል’ እንክብሉ ሰቢኾም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ንሎሚ ዝቀረበ ወንጌል ካብ ናይ ዮሓንስ ኮይኑ 10.22-30 ነበረ፣ ኣይሁድ ንኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቤተመቅደስ ኣብ ገበላ ሰለሙን ምስ ረኸብዎ ‘ክሳብ መኣስ ኢኻ ሰንፈላል እትገብረና! ክርስቶስ እንተደኣ ኰንካ ኣግሂድካ ንገረና!’ በልዎ፣ ኢየሱስ ድማ ‘ነጊረኩም ግዳስ ኣይአመንኩምን፣ እቲ ብስም ኣቦ ዝፍጽሞ ዘሎኹ ግብሪ ንሱ ብዛዕባይ ይምስክር ኣሎ፣ ንስኻትኩም ከምቲ ዝበልኩኹም ካብተን ኣባጊዔይ ስለዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም፣ እተን ኣባጊዔይ ንድምጸይ ይሰምዓ፣ ኣነ ድማ እፈልጠን፣ ንሳተን እውን ይኽተላኒ፣ ኣነ ሕይወት ዘለዓለም እበን፣ ንወትሩ ኸኣ ኣይኪጠፍኣን እየን፣ ካብ ኢደይ ድማ ሓደ እኳ ዚምንዝዐን የልቦን፣ እቲ ዝሃበኒ ኣቦይ ኣንካብ ኲሉ ዚዓቢ እዩ፣ እንካብ ኣቦይ ኪዝርፈን ዚኽእል ድማ ሓደ እኳ የልቦን፣ ኣነን ኣቦይን ሓደ ኢና’ እናበለ መለሰሎም ዝብል ነበረ፣

ኣብዚ ቃለ ወንጌል ዝግሃድ እቶም ሊቃውንቲ ሕግን መማህራንን ክሳብ ክንደይ ልቦምን ዓይኖምን ተዓጺው ከምዝነበረ ክሳብ ክንደይ ደረቅ ምዃኖም ዘመልከቱ ቅዱስነቶም ናይዚ ምኽንያት ከኣ ንሕዳሴ መንፈስ ቅዱስ ልብኻ እንተደኣ ተዓጽዩ እንረኣኻን እናሰማዕካን ከምቲ ኣብ ምስላና ወላ ትንፈር ጠል እያ ዚዓይነቱ ኣቋም ዝሓዙ ምዃኖም ኣመልኪቶም፣ እቲ ቀንዲ ጸገሞም እንከመልክቱ ከኣ `ናይ ግዜኦም ምልክታት ክርእዩን ከንብቡን ካብኡ ነቲ መልእኽቲ ከለልዩን ዘይምኽኣሎም እዩ፣ እዚ ከኣ ኣብቲ ንሶም ዝመላልስዎ ቃላትን ሓሳባትን ደሪቆም ንክተርፉን ነቲ ዝብልዎን ዝሓስብዎን ከኣ ከም ርእዮተ ዓለም ስለዝሓዝዎ እሱራት ናይ ቃላቶምን ሓሳባቶምን ኮይኖም ንዝኾነ ካብ መንፈስ ቅዱስን ካብ እግዚብሔርን ዝመጽእ ሓዲስ ነገር ይትረፍ ክቅበልዎን ነቲ ግሁድ ነገር ክርእይዎን ክግንዘብዎን ኣይክእሉን` ኢሎም፣

‘ኣብታ ዝሓተትዋ ቃል ወይ ሕቶ ዕንኪልል ክብሉ ይነብሩ፣ ካብዚ ዕንክሊላሎ ከወጹ ኣይክእሉን ከመይ ቅዩዳት ናይ ሓሳባቶም እዮም፣ ካብ ሙሴ ነቲ ሕይወት ዝህብን ሕይወት ብዓንዱ ርእሱ ዝኾነን ሕጊ እግዚብሔር ተቀቢሎም ግን ናቶም ትርጓሜን ፍትሓትን እናሃቡ ጀሊሖም ጀላሊሖም እንታይነቱ ከምዘጥፍእ ገሮሞ፣ ናብ ሓደ ርእዮተ ዓለም ቀዪሮሞ በዚ ከኣ ኣብታ ባዕሎም ዝሰርሕዋ ዓንኬል ዕንክሊል ክብሉ ይነብሩ ካብኣ ክወጹ ኣይክእሉን፣ ዝኾነ ካብዛ ዕንኪላሎ ዝወጸን ብደገ ዝመጸ ሓዲስ ነገርን ሰግኣት ስለዝፈጥረሎም ክሰምዕዎ ኣይደዩ ክርእይዎ ኣይምነዩ። ስለዚ ኣብ ባርነት ወይ ቀይዲ ባዕሎም ናይ ዝፈጠርዎ ሓሳብ ኮይኖም ምውጻእ ስኢኖም ይነብሩ፣ ደቂ እግዚብሔር ደቂ ብርሃን ግን ከምኡ ኣይኮነን ሓራ እዮም፣ ስለዝኾኑ ከኣ ወላ ስደትን መከራን ማእሰርትን ተቋውሞን የጋጥሞም ንመንፈስ ቅዱስ ልቦም ከፊቶም ማእከል ሕይወቶም ንኣኡ ገሮም ሓራ ኮይኖም ይመላለሱ። ንኣብነት እቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስ ከመይ ከምዝነበሩ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ምምልካት ይከኣል፣’ ኢሎም።

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግብረ ሓዋርያት ዝተወስደ ኮይኑ 11.19-26 ነበረ። እዚ ከኣ ስፍሓት ወንጌል ኣብ ኣንጾክያ ይገልጽ። ንመጀመርያ ግዜ ካብ ኣይሁድ ወጻኢ ወንጌል ክስበኽ ይጅምር፣ እዚ ከኣ ድሕሪ ሰማዕትነት እስጢፋኖስ ነታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ምርቃ ዝመስል መርገም የጋጥማ፣ ማለት ኣብ ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ስደት ይለዕል፣ ብዙሓት ብደሞም ይምስክሩ፣ መብዛሕትኦም ግን ብሰንኪ እቲ ስደት ይብተኑ ኮይኑ ግን በብዝጠዓሞም ኣብ ስብከተወንጌል ይዋፈሩ፣ ክሳብ ፈኒቅያን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ኣብጽሕዎ ካብዚኦም ገሊኦም ሰብ ቆጵሮስን ቄረኔን ንግሪኻውያን ኣብ ኣንጾክያ ወንጌል ክሰብኩ ጀመሩ፣ ኢድ ጐይታ ኸኣ ምስኣቶም ነበረት ብዙሓት ሰባት ከኣ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ፣ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ተሓቢኣ ተገልግል ዝነበረት ቤተክርስትያን ነዚ ምስ ሰምዔ ንበርናባስ ናብ ኣንጾክያ ለኣኸት። በርናባስ ሳውልን ኣብ ኣንጾክያ ንዓመት ከምዝሰበኹን ኣርድእቲ ኤየሱስ ከኣ ንመጀመርያ ኣብ ኣንጾክያ ክርስትያን ከምዝተባህሉን እቲ ቀዳማይ ንባብ ይገልጽ፣

ቅዱስነቶም ሥራሕ መንፈስ ቅዱስን ተቀባልነት ደቂ ሰባትን እንከመልክቱ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ሓደ እዩ ሕዳሴ ለውጢ ጸጋ እንክኸውን ደቂ ሰባት ግን ክልተ ዓይነት ኣቀባብላ ኣለዎም፣ ገሊኦም ዕጽዋት ኮይኖም ንዝኾነ ሕዳሴ ወይ ለውጢ ተዓሚቶም ኣይፋል ክብሉ ኣይጽግሞምን ከምዚ ይግበር ነሩ ብዝብል ደረቅ ሓሳብ ንቡር ከይሓድጉ ናይ ንቡር ቅድዩዳት እንክኾኑ ገሊኦም ግን መንፈስ ቅዱስ ዓዲልዎም ዘይነበረ ሓዲስ ነገር ዳርጋ ሰውራዊ ለውጢ ክትብሎ ዚከኣል ነገር ንኽገብሩ ንመንፈስ ቅዱስ ይእዘዙ፣ ነዚ ለውጢ እዚ ግን ዓንዲ ማእከሉ መንፈስ ቅዱስ እምበር ሕጊ ኣይኮነን፣

‘እታ ቤተክርስትያን ናይ ሽዑ ኣብ ምንቅስቃስ ዝንበረት ቤተክርስትያን ኮይና ክንዮ ገዛእ ርእሳ ትጐዓዝ ነራ፣ ናይ ገለ ምሩጻት ደቂ ቤተክርስትያን ዕጽው ጉጅለ ኣይነበረትን፣ ንስብከተወንጌል ዝተላዕለት ቤተክርስትያን እያ ነራ፣ ንቤተክርስትያን ሚዛና ኣተኻኺሉ ዝሕዛኸስ እዚ ምንቅስቃስ እዚ እዩ ማለት ንመንፈስ ቅዱስ ተኣማኒት ኮይኑ ንሱ ብዝመርሓ እትጐዓዝ እያ፣ ሓደ ሰብ ምትኽኻል ሚዛን ቤተክርስትያን ከም ናይ ብሽክለታ እዩ ይብል እዚ ከኣ እታ ብችክለታ ኣብ ምንቅስቃስ ክሳብ ዘላ ደው ኢላ ሚዛና ሓልያ ትጐዓዝ ጠጠው ምስ እትብል ግን ትወድቅ ይብል፣ እዚ ድንቂ ምሳሌ እዩ፣ ስለዚኸስ ክፉታት ዶ ዕጽዋት ዝብል ሓሳብ ንቅድሚት ምግስጋስዶ ዓቃባዊ ኰንካ ደሪቅካ ጠጠው ምባል ዝብላ ሓሳባት ፊት ንፊት ይፋጠጣ፣ እዚ ከኣ ወዲሰብ ኣስተፍንሶ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቀበለ ብከመይ ይመልስ ዚዓይነቱ ሕቶ የቅርብ፣ እዚ ጸገም እዚ ካብ መጀመርያ ነቶም ኣርድእትን ሓዋርያትን ዘጋጠመ እዩ፣ ቅድሚ ዚኣገረ እምበርዶ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምርሒት እዩ! ንዝብል ምጥርጣር ንምውጋድ ተኣኪቦም ይጽልዩ ሱባኤ ይኣትው ኣብ መወዳእታ ከኣ መንገዶም ይረኽቡ የለልዩ ነሮም፣ ምሉእ ግብረ ሓዋርያት ካብ ምምራጽ ናይቲ መታካእታ ይሁዳ ዝኾነ ማትያስ ጀሚርካ በዚ መንገዲ እዚ እዩ ዝጐዓዝ ዝነበረ ማለት ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ምሕታትን ሱባኤታትን ጸሎታትን ምክያድን ኣስተንትኖን ነበረ፣

‘ልብኻ ኣትሪርካ ተጻይ መንፈስ ቅዱስ ደው ምባል ወትሩ ክህልው እዮም፣ እዚ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ዓለም እዩ፣ ጐይታ ነቲ ክንቃወሞ ዘሎና ንምቋም ጸጋኡ ይሃበና፣ ክንቃወሞ ዘሎና ናይቲ ጸላኢ ሠናያት ምርሒት ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ሓንሳብ ሓንሳብ ንከደናግር ከም መልኣኽ ብርሃን ኮይኑ ዝመጸሉ ግዝያት እውን ስለዘሎ ነዚ ኣለሊና ንክንቃወሞ ጸጋኡ ይሃበና፣ ከመይ እዚ ዓይነት መንፈስ እዚ ሰላሕ ኢሉ ኣትዩ ንሓርነትና ዓፊኑ ኣብ ባርነትን ቀይድን እዩ ዘእትወና፣ በንጻር ናይዚ ነቲ ካብ እግዚብሔር ብሃይሊ መንፈስ ቅዱስ ንዝመጹ ሓዲስ ነገራትን ለውጥን ልብና ክንከፍት ጸጋኡ ይሃበና፣ ናይ ግዜና ምልክታት ርኢና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ኩነታት ክነለልን ነቲ ኣብቲ ግዜኡ ክንወስዶ ዘሎና ቅኑዕ ውሳኔን ስጉምትን የብርሃልና’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.