2018-04-23 17:05:00

ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ቅዱስ ስም ቅዱስ ኣቦና፡ ካብ በላእ ዓለም ዝተመሓላለፈሎም ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ሎሚ ቅዱስ ስሞም የብዕሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ስም ናይቲ ብገበል ዝተመስለ ሰይጣን ዝሰዓረ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ።

ሎሚ ዕለት 23 ሚያዝያ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ዘብዓለትሉ  ዕለት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኾርገ ማሪዮ በርጐሊዮ በዓል ቅዱስ ስም ኣተሓሒዛ ከምዘብዓለ እውን እንክሕበር፡ ካብ መላእ ዓለም ሃገራትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ከምዝበጸሖም ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ቀጴዶሲያ ዝተወልደን ኣብ 303 ዓ.ም. ናይ ሮማ ንጉሳዊ ስርዓት ብዝፍጽሞ ዝነበረ ጸረ ክርቲያን ኣሳዶ፡ ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮ እምነት ክኽሕድ ተሓቲቱ እምነተይ ኣክሕድን ስለ ዝበለ ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበለን፡ ነቲ ናይ ክፍኣት መንፈስ ትእምርቲ ዝዀነ ሰባት ዝውሕጥ ዝነበረ ገበል ዝቐተለ ተባሂሉ ዝንገረሉ ቅዱስ እውን ምዃኑ ድርሳናት ቅዱሳት ይገልጾ።

እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ጸሎት፡ ካብ ክፉእ ኣድሕነና ብዝብል ቃል ይዛዘም፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ መሰረት ገይሮም እቲ መንፈስ ክፍኣት ረቒቕ ዘይጭበጥ ሓሳብ ከምዘይኰነ ይገልጹ፡ ጭቡጥ ኣካል እዩ ንሱ ኸኣ ሰይጣን እዩ። ዕለት 11 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ብዛዕባ ቃልሲ ኢየሱስ ምስ መንፈስ ክፍኣት እንከረድኡ፡ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ናይ ክፍኣት መንፈስ ዓወት ዓቲሩ እዩ። እዚ ቃልሲ ንዅሉ ክርስቲያን ዘጋጥም እዩ። እቲ ንኢየሱስ ዝስዕብ ነዚ ሓቂ ፍለልጦ ኣለዎ ከምዝበሉ፡ ቸንቶፋንቲ የዘኻኽሩ።

ዲያብሎስ ወትሩ ተጻባኢና እዩ። ጸላኢና እዩ። ካብ መንፈስ ክፍኣት ተደሪኹ ቕድስና ዝጻረር እዩ፡ ጉዕዞ ቅዱስናና ዘሰናኽል እዩ። ንኢየሱስ ክስዕብ ዝደልይ ነዚ ሓቂ ኣጸቢቑ ክፍለጦ ይግብኦ። ናይ ዲያቢሎስ ዒላማ ምዃንና ክንዝንግዕ የብልናን፡ ካብ ኢየሱስ ከርሕቐና እዩ ዝጽዕር። ብዘቕርቦ ፈተናታት ኣቢሉ ካብ ክርስቶስ ከርሕቐና ወትሩ ዝወጣወጥ እዩ። ካብ ሓደ ሰብ ተበጊሱ እናፈተነን እናሰነኸለን መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ከሰናኽል ይፍትን። መንፈስ ክፍኣት ተላገብ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ኣብዚ ዘለናሉ ዘመን ብዛዕባ ሰይጣን ይዛረቡ እናበሉ ዝግረሙ ብዙሓት እያቶም፡ ድሑር ኣተሓስስባ ተገይሩ ይሕሰብ። ኣይንተዓሸው ሰይጣን ወትሩ ቀደምን ትማልን ሎምን ኣጽዋሩ ገቲሩ ከሰናኽለና ዝመጽእ እዩ። ከመይ ገርና ከምእንስዕሮ ከኣ ወንጌል መገዱ ይሕብረና ከምዝበሉ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፥

ዲያብሎስ ዝብል ቃል ግሪካዊ ኢዩ፡ ትርጉሙ ከኣ ከፋፋሊ ወይ ገማማዒ ማለት እዩ፡ ስለዚህ ሰይጣን ወይ ዲያቢሎስ ካብ እግዚኣብሔርን ካብ ኣሕዋትናን ከፈልየና ይፍትን። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ክበታትን ይፍትን። ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተገማምዔ መንግስቲ ይዓንው፡ እንክብል ክርስቶስ ከምዝመሃሮ እዩ (ቅዱስ ኣቦና ዕለት 22 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ንኵሪያ ሮማና ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ) ቤተ ክርስቲያን ክዕንው ይለዓዓል ኣንሕና ከኣ ብገርህና ኣብቲ ንሱ ዘቕርቦ መጻወዲያ ንኣትው (ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 12 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት) ዲያብሎስ ሕድ ሕዳዊ ውግእን መንፈሳዊ ውግእ የለዓዕል። እዚ ውግእ’ዚ በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ዘይኰነስ። ብልሳን እዩ (ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሓይሊ ጸጥታ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት) ከምዝበሉ ይሕብሩ።

ንጽልሙታውነት ወይ ንጽልሙትነት ኢድና ኣይንሃብ፡ ጽልሙታውነት ዲያብሎስ ዕለት ብዕለት ዘቕርበልና መኣዲ እዩ። ንተስፋ ቍርጸት ይደፋፍእ። ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝዕድሎ ናይ ጽንዓት ብርታዔ ርጉጽ እምነት ይሃልወና (ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ዕለት 15 መጋቢት 2013 ዓ.ም.)። ሓጐስና ነገራት ካብ ምውናን ዝነቕል ዘይኰነስ ምስ ሓደ ሰብ ንሱ ከኣ ምስቲ ኣብ መንጐና ምስ ዘሎ ኢየሱስ ካብ ምርካብና ዝወልዶ እዩ። እብ መከራን ሓሳርን እውን ይኹን ምስኡ ምስ እንኸውን ንበይንና ከምዘይንኸውን ካብ ዘሎና ኣፍልጦ ዝምንጭው እዩ። ኣብ ከቢድ መከራን ሓሳርን ኣብ እንርከበሉ እዋን ዲያብሎስ ቆርበት መልኣኽ ለቢሱ ክቐርበና ይፍትን፡ ሓደራ ንኣኡ ጸማም እዝንን ልብን ሂብና ኢየሱስ ንዝብለና ቃል ጽን ንበል ንስዓብ (በዓለ ሆሳዕና ዕለት 24 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት)።

ቅዱስ ጊዮርጊስ ነቲ ገበል ስዒርዎ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ናይ ክፍኣት መንፈስ ዓወት እምነት ዝምስክር ትእምርቲ እዩ። ዝገማምዕ ፈላላይ መናድቕ ዘይኰነስ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽን ምዝርጋሕን። ክፍኣት ብኽፋት ዘይምምላስ፡ ዓወት እዩ። ንዝወርደካ ውርደት ብምሕረት። ብምሕረት ዝሰዓር ውርደት ነቕ ዘይብል ዓወት እዩ። ክርስቲያ ክትከፍላ ኢኻ ዝብል ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ብክትርእይ ኢኻ ዘይኰነስ ብምሕረት እያ እትስዕር። እዚ ናይ ክርስትና ግብረ ተስፋ እዩ። ብፍቕሪ እያ እትነብር፡ ፍቕሪ ኣዚዩ ብርቱዕ እዩ፡ እዚ ድማ ውህበን ውበትን እዩ (ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 8 መጋቢት 2017 ዓ.ም.) ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.