2018-04-23 09:26:00

ብስርዓት ናዚን ዴስነትን ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል በራን ዓጽም ናብ ሃገሮም ክዛወር እዩ


ኣብ ዳካው ናይ ናዚ መዳጐን ሰፈርን ደሓር እውን ብቸኮስላቫኪያዊ ስርዓት ዴስነት ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝተሳቐዩ ካብ 1969 ዓ.ም. ተሰዲዶም ኣብ ሮማ ናይ ዝነበሩ ካብ 1946 ዓ.ም. ክሳብ ዕለተ ሞቶም ናይ ፕራግ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ በራን ዓጽም ካብቲ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመት ካብ ዝተቐብርሉ ካቴድራል ቅዱስ ቪቶ ናብ ትውልድ ሃገሮም ዋና ተከማ ፕራጋ ናብ ዝርከብ ብሓዋርያዊ ጉስነቶም ዝመርሕዎ ዝነበረ ሰበኻ ካቴድራል ከምእተዛወረ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ናይ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል በራን ዓጽም ካብቲ ዝተቐብርሉ ካቴድራል ቅዱስ ቪቶ ንምውጻእ ዝተገብረ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዝመርሑ ናይ ሃገረ ቫቲካን ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኰማስትሪ፡ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል በራን ኣብ ቸክ ከተማ ፕልዘን ኣብ 1888 ዓ.ም. ዝተወልዱን መጀመርታ ኣብ ዳካው ናይ ናዚ መዳጐን ሰፈር ደሓር እውን ብኢድ ዴሳዊ ስርዓት ሃገሮም ብጠቕላላ ካብ 1949 ክሳብ 1963 ዓ.ም. ኣብ መዳጐን ሰፈርን ቤት ማሕቡስን ዝተሳቐዩን ነሳቐይቶም ምሕረት ዝሃቡ ምዃኖም ገሊጾም፡

ንፈሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ በራን ነቲ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብፅዕና መርሕ ሕይወቶም ገይሮም ዝነበሩን ብፍላይ ‘ምእንቲ ጽድቂ ዝሳደዱ መንግስተ ሰማይ ናቶም እያ እሞ ብፁዓን እያቶም፡ ምእንታይ እንተ ጸረፉኹም እንተ ሰጐጉኹም ኵሉ ኽፉእ ዘበለ ድማ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁዓን ኢዅም (ማቴ. 5. 10-11)

ብቓልን ሕይወትን ዝነበሩ ወዲ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ሕዝበ እግዚኣብሔርን እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል በራን ኣብ 54 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ 1942 ዓ.ም. ብናዚ ስርዓት ኣብ ተረዚን ቤት መዳጐኒ ቀጺሎም ኣብቲ ልዕሊ 2700 ካህናትን ጳጳሳትን ገዳማውያንን ዝተኣሰርሉ ናብ ዳካው መዳጐኒ ሰፈር ከምእተወሰዱን፡ ኣብኡ ኣብ ዝነበርሉ ሰለስተ ዓመት ናይ ስቓይን መከራን እዋን ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ሓሴት ከየጥፍኡ ንኹሉ እናመዓዱ ወንጌል ዝመሰክሩን ህዱእ ኣብ እምነት ጸኒዖም ዘጽንዑ ምንባሮም ናይ ቤት ማሕቡስ ብጾቶም ይምስክርዎ፡ ብፍላይ ከምኦም ዝኣመሰሉ ቅዱሳት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምርኻቦም ንዅሎም እሱራት ተስፋን መጸናንዕን እዩ ኔሩ እንክብሉ ዝገልጽዎም እውን ብዙሓት ምዃኖም የመልክቱ።

ብፁዕ ካርዲናል ኮማስትሪ፥

ተስፋይ እምነትይ ኣብ ጐይታ ብምዃኑን ኣብኡ ዝተጣበቅኹ ስለ ዝዀንኩ ናዚ ይኹን ካልእ ማንም ሓይሊ ኣይከፍርሓንን እዩ

ዝብል ቃል በራን ጠቒሶም ዕለት 4 ጥቅምቲ 1963 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበር ዘቕረበቶ ብፁዕ ካርዲንል በራን ናጻ ክልቀቑ ዘቕረበቶ ሕቶ ብፁዕ ካርዲናል በራና ካብ ናይ ቸኮስላቫኪያ ዴሳዊ መንስግቲ እወታዊ መልሲ ረኺቡ ናጻ ተለቒቖም ናብ ሰበኻኦም ተመሊሶም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ ካብ መንግስቶም ናብ ቸኮስላቫክያ ከይምለሱ ዝብል ቅድመ ኩነት ተነቢሩ ስለ ዝነበረ ከኣ ንናይ ቤተ ክርስትያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ጥቕሚ ብምቕዳም ነቲ ስምምዕ እቕበሎ ምስ በሉ ብዚ ስምምዕ መሰረት ፍቓድ ረኺቦም ናብ ሃገረ ቫቲካን መጺኦም ኣብ ካልእይ ጉባኤ ቫቲካን ከምእተሳተፉን ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1965 ዓ.ም. ካርዲናል ከምዝሰመይዎምን ብዝሓደሮም ሕማም ምኽንያት ኣብ  1965 ዓ.ም. ዓሪፎም ኣብቲ ትሕቲ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ከምእተቐብሩን ዘኪሮም ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ልእኽጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.