2018-04-23 09:15:00

ማሕበር ምእተ - ዓመት፡ ብፁዕ ኣቡነ ማርቲኒ፥ ተዓደይቲ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ድኻታት እያቶም


ዕለት 18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ፥ ሓደስቲ ፖሊቲካን ኣገባብ ሕይወትን ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መዋእል ብዝብል ኣርእስቲ Fondazione Centesimus Annus - ማሕበር ምእተ ኣመት ዘሰናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ዕለት 24 ግንቦት ክሳብ ዕለት 26 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክካየድ ምዃኑ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ መንግስትን ፖለቲካን ስነ ምርምርን መጽናዕትን ካብ ማሕበር ሰራሕተይናታትን ሰብ ሙያን ዝተዋጽኡ ኣካላት ኣሳቲፉ ዝከይድ ምዃኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሸቶ፡ ነቲ ኣብ መዳይ ኤኮኖምን ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝተኣታተው ዘሎ ሕዳሴ፥ ብጥልቂ ንምንባብን ንምትንታንን ዝድግፍ ሓደስቲ መገድታት ኣብ እዋን ሓደስቲ ፖለቲካን ኣገኣብ ሕይወትን ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መዋእል ምንዳይ ዝብል ምዃኑ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝመርሑ ኣብ ኣየርላንድ ናይ ዱብሊን ሜጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዲያርሙኢድ ማርቲን ከምዘፍለጡ የመልክታ።

ኤኮኖሚ ፍትሕን ማዕርነት ክመንጭው

ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን፥ እዋናዊ ብድሆ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ኣተኵይሮም፡ ስድራ ቤትን ዕዮን መነባብሮን እዚ ኸኣ ምስቲ ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዱብሊን ምስ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ሸቶን ምስ እዋናዊ ኩነት ጸኣት ስደተይናታት ብምትሕሓዝ ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሓድሽ ኣብ ማዕርነትን ፍትሕን ዝቖመን ፍትሕን ማዕርነትን ከመንጭው ዝኽእል ሓደስቲ ኣገባብ ኤክኖሚ ከማዕብሉ ሓላፍነት ኣለዎም ቢሎም እዚ ኽአ ነቲ ድኻታት ዘዕድይን ንድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ዝጐድእ ምግባረ ብልሽውናን ግብረ ብላዕን ብብቕዓት ብምውጋእ ይዅን ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ቃል ከምስዕ እዮም

ናይቲ Fondazione Centesimus Annus - ማሕበር ምእተ ዓመት ስለ ር.ሊ.ጳ. ኣቦ መንበር ዶሚንጎ ሱግራንየስ ቢከል ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ናይ ሓባር ክርስቲያናዊ ዝክረ ነገር ምእንቲ ንናይ ኩሉ ረብሓ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኰረ መደረ ከቕርቡ ምዃኖም እንክሕብሩ፡ ናይቲ ምእተ ዓመት ማሕበር ቤት ምኽሪ ምሕደራ ኣባል ኣና ማሪያ ታራንቶላ እውን ብወገነን፥ ናይቲ ማሕበር ምእምተ ዓመት ክልተ ዓበይቲ ተግባራት ዝትንትን ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዑ ተኸታታሊ ኣዕማደ ድርሳናት እቲ ቀዳማይ፥ ዘይንጽል (ንዅሉ ዝሓቁፍ) ምዕባለን ሕዳሴን ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ፡ ሕጹጽ ዓውሎማዊ ኣገዳስነትድልያ ናይ ሓባር ምዕባለን እቲ ካልኣይ ድማ፥ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ማሕበራዊ ትምህርት ኣብ ትግባረ፥ ናይቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መዋዕል ዝጠልቦ ብድሆታት ምግጣምብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሱ ተኸታታሊ መጽሓፍ ነቲ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ዓቢይ ሓገዝ እዩ ከምዝበላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.