2018-04-21 17:27:00

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ኵባ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዕለት 21 ዘሰጋግር ዕለት 20 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ለይቲ ናይ መላእ ኵቡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፍቲ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ, ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 201ም ዓ.ም. ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በቢ ክልተ ዓመት ዝዳለው ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ናብ ዘካየድዎ ዓውደ ዘተን ኣስተንትኖን  ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ቫቲካን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም እቲ ናይ ሰላምታን ናይ መበራታትዕን ቃል ዘቕረብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ መንእሰይ ኵባ ኣብ ምፍቃር ሃገሩን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ክዓብይን እዚ ፍቕሪ’ዚ ብትብዓትን ብሕርኩት ጻዕሪ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብጭቡጥ ተግባር ክገልጾ ድማ ምዒዶም፥

ዝተፈተኹም መእንሰያት፥

ምስ ኢየሱስ ፍቕሪ ክሕዘኩምን ኣብ ምፍቃሩ ክትዓብዩን ኣብ ኵባ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን  ብዘይ ፍርሕን ምንስሓብን ነቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም ህልው ዝኸውን ናይ እግዚኣብሔር ጸዋዕታ ጽን እናበልኩም ጭቡጥ ተዋሳእነት ይሃልዅም። ቅኑዓትን እወታውያን ሃገራውያን ኵኑ። ሃገርኵም ኣፍቅሩ፡ ለጋሳት ኵኑ ልብዅም ንጐይታ ክፈቱ!

ከምዝበሉ ቫቲካን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት፥

ሕንጸት ኣብ ሕብረት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም እቲ ኣብ ፓናማን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እናሓሰቡ፥

እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንምስንዳው እተካይድዎ ጻዕሪ ፍጻሜ ወይ ከኣ ሸቶ ገርኵም ከይትሓስብዎ ሓደራ፡ ክንየው ኩሉ ጻዕርታትኩም ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ እምነቱ ዘዕሙቐሉ ዕድል ገይሩን ሕንጸት ናይ ሎምን ጽባሕን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሃገርኩም ኵባን ብዘይ ምቍራጽ ጭቡት ተዋሳእነት ክህልዎምን ዝድርኽ ኣብ ሕንጸት ሎማዊትን ናይ ጽባሕን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵባን ሃገረኩም ኵባን ኣብ እተካይድዎ ጻዕሪ በይንዅም ከምዘይኰንኩም ንኸተስተውዕሉ ዘብቅዓኩም ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣስተውዒልኩም፡ ኣብዚ ሕንጸት ናይ ሓባር ሃገርኵም ከም ማሕበረሰብን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮን ሕይወትን በይንዅም ኣይኰንኩምን ብእንቕበሎ ጸዋዕታ ኩሉ ዘዋስእ ሕንጸት እዩ።

ብዘይ ምቁራጽ ንቕድሚት ክትብሉ እተባብዓኩም። ንቕድሚት ጠምቱ መሬትኵምን ሃገርኩም ኣፍቅሩ ንኢየሱስ ኣፍቅሩ፡ ቅድስተ ድንግል ማርያም ትዓቅብኩም፡ በርትዑን!

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ቫቲካን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።    

 







All the contents on this site are copyrighted ©.