2018-04-21 19:06:00

ልኡኻት ወንጌልን ቅዱሳንን ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንምእመናን ቦሎኛን ቸዘናን


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ካብ ሰበኸታት ቸዘናን ቦሎኛን ትምህርቶም ንክሰምዑን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንኽቅበሉን ንዝመጹ ነጋድያን ‘ነቲ ንቅድስና ዝተጸዋዕናዮ ጸዋዕታ ኣብ ማሕበረ ሰባትኩም ከምዝጋዋሕ ግበሩ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም፣

ንንግደት ካብ ሰበኻታት ቸዘናን ቦሎኛን እንክመጹ ብብፁዓን ጳጳሳቶም ኣቡነ ዶግላስ ረጋትየሪን ኣቡነ ማተዮ ዙፒን ተሰንዮም እንክመጹ ቅዱስነቶም ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 1 2017 ኣብ ክልቲኤን ሰበኻ ንዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነዘን ከተማታት ኤሚጝልያ ሮማና ዝበልዎ ‘ንትርጉም እምነትን ኣባልነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ዘጽንዕን ዘሐይልን ሓልዮታዊ ውህበት እግዚብሔር ብግብሪ ዝግለጸሉ ናብቶም ጽጉማትን ተኣፈፍትን ኣባላት ሕብረተሰና ናይ ፍቅሪ ዝምባሌን ምግባረ ሠናይን ክኸውን እንከሎ እዩ’ ብምዝካር ሎሚ እውን ‘ብናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥራሓት’ ነዚ ጸጋዚ ክምስክሩ ኣዘኻኺሮም፣

ቅዱስነቶም ነቶም ካብ ጋሕጋሕ ምድሪ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ወትሩ ከምዝገብርዎ በታ ክፍቲ ማኪናኦም ብማእከሎም ብምዝውዋር ሓሓሊፎም ደው እናበሉን ቆልዑትን ሽማግለታትን እናባረኹን ሰላምታኦምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦምን ዓዲሎም፣

ካብዚ ቀጺሎም ድሕሪ ናይ ሰላምታን ምስጋናን ቃሎም ነቶም ናይዚ ከባቢ ተወለዲ ዝነበሩ ክልተ ሰብ ጽቡቅ ዝኽሪ ዓበይቲ ጳጳሳት ር.ሊ.ጳ ፕዮስ ሻድሻይን ሻብዓይን ዓቢ ኣብነት ሓዲጎምሎም ከምዝሓለፉን ንሶም እውን ኣሰሮም ብምስዓብ ንቅዱስ ወንጌል ንክሰብኩን ብተግባራቶም ንክምስክርዎን ዓበይቲ ነገራት ዘይኮነስ ንኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ስራሕ ብምፍጻም ክገብርዎ ተማሕጺኖም፣ ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ከመይ ክርስትያን ዘበልና ኩልና ናይ ፍቅርን ሕውነትን ተስፋን መባዅዕቲ ስለዝኾነ ኣብቲ ዕለት ዕለት እንገብሮ ብዙሕ ናኣሽቱ ነገራት ክንምስክር ንኽእል፣ ስለዚ ነዘን ዕለት ዕለት ክነበርክተን እንኽእል ናኣሽቱ ሠናይ ተግባራት ኣፍቅርወን ምኽንያቱ ከኣ ነቲ ብዙሕ ብሑቅ ቊሩብ መባዅዕቲ ስለዘብኵዖ እዘን ናትና ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥርሓት ከኣ ንማሕበረሰብኩም መባዅዕቲ ወንጌል ኮይነን ናብ ድሕነት ከብጻሓኦ እየን፣’ እንክብሉ ምዒዶም፣

ቅዱሰነቶም እንደገና ናብቲ ዓሚ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ምልስ ይብሉ እሞ ነቲ ከም ዓቢ መዛዘሚ ናይቲ ምብጻሕ ነቲ ሰበኻዊ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ንምዝዛም ዘዕረግዎ  መሥዋዕተ ቅድሴ ‘ቅዱስ ቊርባን ከም ኣሕዋት ከዕብየናን ናይ ቅድስናን ስብከተወንጌልን ማሕበራት ክገብረናን` ንዝብበልዎ ብምዝካር ንቤተክስትያን ቤተክርስትያን ዝገብራ ቅዱስ ቊርባን እዩ ኢሎም፣

‘ቅዱስ ቊርባንከስ ቤተክርስትያን የቊውም ይእክባ ኣብ ጥምረት ፍቅርን ተስፋን ከኣ የወሃህዳ፣ ጐይትና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ቊርባን ዝሰርዓሉ ቀንዲ ምኽንያት ወትሩ ምስኡ ንኽነብርን ሓደ ኣካል ንክነቍውምን እዩ፣ ፋሕፋሕ ኢልና ከም ጓኖትን ሸለል በሃልትን ኰና ንነብር ንዝነበርና ኣኪቡ ሓደ ከምእኸውን ገሩ ኣሕዋት ይገብረና፣ ቅዱስ ቊርባን ቅድሚ ዝኣገረ ምስ እግዚብሔርን ነንሕድሕድናን ከምእንዕረቅ ገሩ ሓደ ከምእንኸውን ይገብረና ከመይ ነቲ ማሕበራዊ ርክብና እናቀለሰን እናቀለበን ናይ ልግስን ምሕረትን ምትእምማን ኣብ ብጾትን ምስጋናን ዝንባሌታትና የተባብዖ፣

ቅዱስ ቊርባን ዝምህረናን ኣብ ልብና ዝስእሎን ነገር እንተሃልዩ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርዕ ፍቅሪ እዩ ምሳኡ ከኣ ነቲ ብምሕረት ዝልለ ፍትሒ ክነውጽእ ይሕግዘና፣

‘ወላውን ዘይግብኣና ነገራት እንተተቀበልና ወትሩ ንክነመስግን ይምህረና። ሥርዓትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ነገራት ሓቀኛ ደረጃታት ንክንፈልጥ ይምህረና፣ ንምድራዊ ነገራት ዘይኮነስ ንሰማያዊ ነገራት ቅድምያ ከምእንህብ ይገበረና፣ ናይ ምድራዊ እንጌራ ጥሜት ጥራይ ዘይኮነ ናይቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዝህብ እንጌራ ጥሜት ከምዝህልወና ይገብር፣ ካብዚ ዚስዕብ ከኣ ተልእኮ ሓደ ክርስትያን እዩ፣ ቅድሚ ዝኣገረ ናይቶም ንክርስቶስ ክረኽቡ ዝግዕሩ ዘለው ደቂ ኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ገዓር ዋላውን ብሱቊታ ይኹን ኩሎም ምእመናን ክምልሹሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ፣ ምኽንያቱ ናይ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ተልእኮ እዚ እዩ፣ ንክርስቶስ ናብቶም ሃረር ዝብልዎን ዝደልይዎን ምብጻሕ፣

እታ ሓንሳእ ሓንሳእ መዝነትን ታህጓስን ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ውርሻን ምስ ኣሕዋትካ ክትካፈሎ ዘሎካ ጸጋን ኰይኑ ዝቀርብ ተልእኮና ኸስ እዚ እዩ፣ እትሓቶ ነገራት ከኣ ብልግሲ ንኩሉ ቁሩብ ምዃን ንገዛእ ርእስኻ ምኽሓድን ኣብ መለኮታዊ ፍቃድ ኣምላኽ ምትእምማንን እዩ፣ ንጻውዒት ኢየሱስ ብቁዕ መልሲ ንምሃብከስ ነፍሲ ወከፍ ከከም ውህበቱን ትዕድልቱን ናይ ቅድስና ጉዕዞ ክገብር ትሓትት፣ ሓደ ክርስትያን ንጉዕዞ ቅድስና ከይተረደኤ ኣብዚ ዓለምዚ ብዛዕባ ተልእኮኡ ክሓስብ ኣይከኣሎን እዩ፣ ስለዚ ኩልና ንቅድስና ዝተጸዋዕና ኢና፣ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ ፍጹም ኩኑ፣ ኣነ ቅዱስ እየ ቅዱሳን ኩኑ ይብለና፣

እዚ ናይ ቅድስና ጻውዒት እዚ ኣብ ዝኾነ ናብራ ናይ ሕይወት ዝርከብ ክርስትያን መነኮስ ዓለማዊ ወዘተ ንዝተጠመቀ ዘበለ ኩሉ ይምልከት፣ እዚ ሓሳብ እዚ ብምሉኡ ኣብታ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸት ሓዋርያዊ ምህጽንታ ጋውደት ኤት ኤክዙልታት ተፈስሑ ወተሓሰዩ ተዘርዚሩ ኣሎ፣ ቀንዲ ምኽንያት መጽሓፊኣ እውን እዚ ሓሳብ እዚ እዩ ማለት ቅድስና ናይ ኩሎም ዝተጠመቁ ጸዋዕታ ምዃኑ ንምብራህ፣

ኣብ ቅድስናኸስ ኩሉ እቲ ኣብ ልቢ ደቂሰባት ዝርከብ ሃረርታ ብምሉኡ ዝፍጸመሉ እዩ፣ እዚ ኩነት እዚ ጉዕዞ ሕይወት ኮይኑ ካብታ ናይ ጥምቀት ምንጭና ይብገስ እሞ ክሳብ ሰማይ የብጽሓና፣ እዚ ዕለት ዕለት ንወንጌል ኣብ ሕይወትካ ብምቅባል ኣብ ግብሪ ይውዕል። ክንዮ ዝኾነ ይኹን ነገር ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ንእግዚብሔር ንመንግሥቱን ካብ ምድላይን ብገርህነትን ሕውነትን ነሕዋትኩም ንምግልጋል ሓላፍነትኩም ካብ ምልባስ  ኣይትድከሙ ‘ እንክብሉ ብምምሕጻን ተሰናበትዎም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.