2018-04-18 16:56:00

ሓዋርያዊ መገሻ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ


ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ሓዋርያዊ መገሻ ዘካይዱ ዘለዉ ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ እስላማዊ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሸኽ ሙሓማድ ኣብዱል ካሪም ኣል ዒሳ ዝተራኸቡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን እቲ ናይ እዋንና ዓቢይ ስግኣት ግርጭት ስልጣነ ዘይኰነስ ድንቁርናን ኣኽራርነትን ዘንቅሎ ምስሕሓብ እዩ፡ ስለዚህ ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ምፍልላጥን ኣብ መንጐ ባህልታትን ሃይማኖታትን የድሊ ከምዝበሉን ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 17 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣመልኪቱ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብፁዕነቶም ብዋና ጸሓፊኦም ኮምቦናዊ ካህን የኔታ ሚገል ኣንገል አዩሶ ጉይክሶትን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ጉዳይ ርክብ ምስ ሃይማኖ ምስልምና ቤት ጽሕፈት ሓላፊ የኔታ ካለድ ኣካሸሕን ተሰንዮም ብልዑል ሞሓመድ ቢን አብዱራሕማን ቢን ኣብዱልዓዚዝ ኣቀባብላ ተገይሮም ኣብ ዘይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ፡ ዕለት 15 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ነታ ኣብ ርያድ እትርከብ ውሁዳን ማሕበረ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ነቶም ብዝተፈላለየ ስራሕ ምኽንያት ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዝርከብ ንኡሳን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ እምነት ምጽንናዕ ቅዱስ ኣቦና ኣቕሪቦም፥ ሰብኣዊ ፍጡር፡ ኣንስት ይዅን ተባዕት መንእሰይ ይዅን ኣረጋዊ ናይ ምርኻብ ዘተ ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ዝተጸውዐ እዩ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ናይ ዕለት 17 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ሓቢሩ፡ ኣብ ርያድ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና ንምርኻብን ምስቶም ኣብ ርያድ ዝርከቡ ስደተይናታትን ማሕበረ ክርስቲያን እውን ንምርኻብ ምዃኖም ገሊጾም፡  ኣብ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ህልዋት ምዃንኩም ከረጋግጸልኩም እፈቱ ከምዝበሉ ሎ ሶርቭግቶረ ሮማኖ ሓቢሩ።

ክርስቲያንን ኣላምን ብሓደ ክነብሩ ክኡል እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ብዋና ጸሓፊኦም ኮምቦናዊ ካህን የኔታ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶትን በቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ርክብ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ቤት ጽሕፈት ሓላፊ የኔታ ካለድ ኣካሸህ ብሁባሬ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ሃይማኖትን ዕዮን እምነትን ኣብ ኣገልግሎትን ምስክርነት ሓቅን ብምንባር ዝግለጽ እዩ፡ ማሕበረ ክርስቲያንን ማሕበረ ቤተ እስላምን ብሓባር ምንባር ዝከኣል ምዃኑ ይመስክሩ፡ ኣብ ክልቲኣተን ሃይማኖታት ዕሴታት ቅንዕናን ጽንታን እንገዳን ዝምስከሩ ምኻኖም እውን ኣዘኻኺሮም፥

ከም ኣመንቲ ኣብ እንበረሉን እንዓየሉን ሰላም ክንሀብትምን ክነስፍሕን ዝተጽዋዕና ኢና

ቤተ ክርስቲያን ንኣኻትኩም ስደተይናታት ውሁዳን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ርያድ፡ ሞያውን ባህላውን ሕንጸት ንኽትረኽቡ ኣብ ምድጋፍኩም ስንድውቲ እያ፡ ምስጋና ነቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም እትነብርዎ ናይ ምርኻብን ዘተን ባህሊ ንእግዚኣብሔር ተኣዘዝቲ ብምዃን ዝንበር ንምዃኑ ኣብነት ኰይንኩም ኣለኹም፡ ስለዚህ ነዚ ተኣዝዞ እትምስክሩን ምስ ካልኦት ብእወንታዊ ተነጻጽሮ ምንባር እተነቓቕሑ ኢኻትኩም፡ ኣብ እንነብረሉ ዓለምን ከባብን ብሓባር ምንባር ክንደይ ሰናይ ምዃኑ እናመስከርኩም ብሉጽ ክኸውን እተበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ኣብቲ ኩሉ ስልጣነ ዝቖመሉ ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባር ብዝብል ባህሊ ዝጸንዔ እዩ፡ እዚ ከኣ እምነትኩም ብምንባር ተረጋግጽዎ ኣለኹም ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።

ናይ ሃይማኖት ነጻነት ወትሩ ጭቡጥ ይኹን

ነቶም ዝበለጸ ሕይወትን ዕዮን ንምንዳይ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዝርከቡ ስደተይናታት እቲ ካብ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተዓደሎ ዘለኩም ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ኣለዎ፡ እዚ ከኣ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝሓቶ እውን እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሃይማኖት ነጻነት ወትሩ ኣብ ኵሉ ስፍራ ህልው ክኸውን የተሓሳስቡ፡ ኣብቲ እትነብርሉ ዘለኹም ሃገር ኣብ ሕይወት ቀዳምነት ጸሎትን ምትሕብባርን ንዅሉ ዝዅላዕ ሕውነትን መስክሩ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ሓቢሩ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.