2018-04-17 16:35:00

ኬንያ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ምእንቲ ብሔራዊ ዕርቂ ጻውዒት የቕርቡ


ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድሕሪ ዘካየዶ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ እቲ ኣብ ኬንያ ዝረአይ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ ሃገራዊ ክቢ ጠረጴዛ ቀሪቡ ምኽንያት ምይይጥን ዘተን እምበር ንግርጭት ዝድርኽ ክኸውን የብሉን፡ ካብቲ ፍልልይ ናብቲ ከራኽብ ዝኽእል ናይ ሓባር ረቛሒ ምብጻሕ የድሊ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ ጻውዕቲ ሓገራዊ ዕርቂ ከምዘመሓላለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ኡሁሩ ከንያታን ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መራሒ ራኢላ ኦዲንጋ ዕለት 9 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ርክብ ጽቡቕ እውን እንተዀነ ናብቲ ነባሪ ዕርቅን ሰላምን ዘብጽሕ ክኸውን ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣድኒቖም ብምትሕስሳብ፡ እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዘይንጹርን ዝተደናገረን እዩ ብዝብል ካብ ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝቐረበ ክስን ነዚ ስዒቡ ዝተኣታተወ ዝመስል ዘሎ ምስሕሓብ ንምግሳጽ ዝካየድ ጻዕሪ እውን ንኢዶም ይዅን ደኣ እምበር ምርኻብ ናይ መጀመሪያ ስጉምቲ እምበር ሸቶ ኣይኰነን፡ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ኣስዒቡ፥ እቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ተኻይዱ ዝነበረ ህዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ተኣታትዩ ዝነበረ በሸሓት ዝቝጸሩ ንሞት ሓደጋ ዘቃልዔ ናዕቢ ከይህሉ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መንግስትን ናይ ሕዝብን ሃገር ጥቕሚ ብምቕዳም ብዓንተዉ ክከላኸልዎ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምግባረ ብልሽውናን ዘመዳውነትን ዓሌታውነት ዝብሉ ናይ ፖለቲካ ሕማማት ኣብ ሕዝብን ሃገርን ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ፡ ገና ብድሮኡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ምርጫ ተሳጊርካ ነቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ብምሕሳብ ዝረአይ ዘሎ ሕቡእ ናይ ምረጹኒ ፖለቲካዊ ጐስጓስ ፈጣንን ዘይግዚኡን እዩ ቢሎም ሓላፍነት ብብቕዓት ኰይኑ ናይ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ባህሊ ብምስፋሕ ምትሕሳብ ክህሉ ምዕያይ የድሊ፡ ተጠቃሚ ሕዝቢ እምበር ናተይ ታትካ ዝብል ኣብ ዝምድናን ምግባረ ብልሽውናን ዓሌታውነትን ዝቖመ ምቅርራብ ከይህሉ፡ መውሃቢ ኣገልግሎት ስሉጥ ምግባርን ናይ መንእሰይ ወለዶ ስእነት ስራሕ ክፈትሕ ዝኽእል ከይዲ ኤኮኖሚ ምምስራቕ፡ እንተዘይኰይኑ እቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት ስራሕ ዝተቐብረ ፈንጂ ብምዃኑ ምስ ዝፍንጀር ንምቁጽጻሩ ካብቲ ብዓንተዉ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ዝሓቶ ወጻኢ ንላዕሊ ከሕትት እዩ፡ ናይ ሕርሻ ፖለቲካ ምእዋንን፡ ሓረስቶት ምክልኻልን ከምርቱን ምሕርቶን ንዕዳጋ ከቕርቡ ዝኽእል ባይታ ንምፍጣርን ምዕሩይ ከይዲ ዕዳጋ ምኽዋን የድሊ ምስ በሉ፡ ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ክፈቕዶ ዝደልይ ዘሎ መርዓ ሓደኣዊ ጾታን ብዝሐ መርዓን ዝብል ሓሳብ ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ ነቒፎም መንግስቲ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ምክንኻንን ናይ ስድራ ቤት ዕሴት ኣብ ምትብባዕ ክተገህ እዩ ዝግብኦ እንክብሉ ጻውዒቲ ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.