2018-04-17 16:32:00

ኣበ ምኔት ኤንዞ ቢያንኪ፥ ተፈስሁ ወተሃሰዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንናይ ሓድነት ጉዕዞ ደገፍ እዩ


ቦዘ ገዳማዊ ማሕበር መስራቲ ኣበ ምኔት ኣባ ኤንዞ ቢያንኪ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እውን ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ Gaudete et Exsultate-ተፈስሁ ወተሃሰዩ  ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ንዅሉ ክርስትያን ኣብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ኵላዊ ጸዋዕታ ቅድስና ከተኵር ዝድግፍን ዘተሓሳስብን ብምዃኑ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ደገፍ እዩ ምስ በሉ፡ ቅድስና ናይ ኵሉን ንዅሉን ጸዋዕታ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እዚ ከኣ ብዅሉ ርዱእን ዝተስተውዓልን ክኸውን ይሕብሩ። ቅድስና ኣብ ዕለታዊ ሕይወት፡ ዝንበር ፍሉይ ተግባር ዘይሐትት ንዅሉ ሰብ ዝምጥን ጸጋን እዩ። እዚ ኸኣ ወንጌላዊ ሕይወት እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ምዕዳኖም ዘስመሩሉ ማእከላዊ ሓሳብ እዩ፡ ርሑቕን ተኣምራውን ዘይኰነስ ኣብ ጥቓኻ ዝነብር ቅዱስ ሰብ ምስትውዓል፡ ልክዕ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ኣብ ዝብል ሃምነናዊ ውሳኔኡ ብፍላይ ከምዝሕብሮ እዩ ኢሎም።

ቅድስና ንውሑዳት ዘይኰነስ ናይ ኩሉ ጸዋዕታ እዩ፡ ኵላዊ ጸዋዕታ። እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተክለ ሰብነት ቅድስና ዘነጽር ዘይኰነስ ኵሉ ዝርድኦ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ዘይሓትት ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት፡ ቅድስና ንዅሉ ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኑ የተሓሳስቡ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብፍቕሪ ምንባር ካብ ፍቕሪ ዝረሓቐ ክርስቲያናዊ ሕይወት ዑና እዩ። ኣብ ፍቕሪ ሱታፌ ኣሎ፡ ብዘይ እዚ ሱታፌ’ዚ ቅድስና ዘይሕሰብ እዩ። ሱታፌ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይን መከራን፡ ካብዚ ወጻኢ ቅድስና ረቒቕ ሓሳብ ኰይኑ ከምዝተርፍ ቅዱስነቶም የዘኻኽሩ።

ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብፅዕና ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምዕዳን ሕመረት ኰይኑ እዚ ትምህርቲ ብፅዕና’ዚ ከመይ ገርና ሕይወት ክንግበሮ ከምዘለና ድማ መገዲ ይሕብር፡ ስለዚህ እቲ ብፅዕና ዓቢይ ተኣምራት ብምፍጻም ዝግለጽ ዘይኰነስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትካን መናባብሮኻን ርክባትካን ኩሉ ጸዋዕታኻ ንምባር ምፍታን የድሊ፡ ብፅዕና ኣብ ምንባር ምስ እትፍትን ንኽርስቶስ ኣብ ምምሳል ትዓብይ። ምእንቲ’ዚ እቲ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚተን ዝገብርኦ ናይ ሓባር ጉዕዞ እቲ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብፅዕና ኣብ ምንባር ክምስረት እንከሎ ፍርያም ይኸውን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ነቲ ንውህደት ዝግበር ጉዕዞ ዝድግፍ ሓዋርያዊ ምዕዳን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.